ድለ

ር. ሊ. ጳ.፦ እሙናት መሰኻኽር ወንጌል ምእንትን ክንከውን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ ሰንበት ቅድሚ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር አብ ዘወፈይዎ አስተንትኖ ቃል ኣምላኽ፣ ነቲ እንሰብኮ ቃል አምላኽ እሙናት መሰኻኽር ወንጌል ንምዃን መጀምርያ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ኸም ዘሎናን፣ ከምኡውን ቅኑዕ ልቦና ንምምዕባል ንውሳጣዊ ህይወትና ክንኵስኩሶ ከም ዘሎና አመልከቱ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ናይ ዕለተ ሰንበት ንባብ ወንጌል ዘመልክቶ ክልተ ገጻት ህይወት አተኲሮም አስተምሃሩ ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ኢየሱስ ብዛዕባ እቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት አመልኪቱ "ዝሰብኩ ግን ከኣ አብ ግብሪ ዘየውዕልዎ ምዃኖም" ከምኡውን "ንኵሉ ተግባራቶም ካልኦት ንኽርእይዎም ኢሎም ዝገብርዎ ብምንባሮም" ዝገብርዎ ዝነበሩ ምትላል ዝገልጽ አስተምህሮ አቕሪቦም።

ቅዱስነቶም ኣብ መንጎ "ምስባኽን ምግባርን" ከምኡውን ኣብ መንጎ "ነቲ ውሽጣዊ ሸለል ኢልካ ብዛዕባ እቲ ደጋዊ" ጥራይ ኣትኵሮ ምግባር ዘሎ ፍልልይ ኣብ ህይወትና ከነስተውዕለሉ ዘሎና መዳያት ምዃኑ አብቲ ቅድሚ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ዘቕረብዎ አስተንትኖ ገሊጾም።

እሙናት መሰኻኽር

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኢየሱስ ደጋዊ ህይወት እቶም ብግዜኡ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ብኸመይ ከም እተቓወሞ ብምዝካር፣ ኣብ መንጎ ምዝራብን ምግባርን ሓደ ነገር ምስባኽን ካልእ ነገር ምግባርን ዘሎ ርሕቀት ክንምርምሮ ኸም ዘሎና ገለጹ ።

ቀጺሎም ድማ ቅዱስ አቦና ንሓቅነት ምስክርነትናን ከም ሰባትን ከም ክርስትያናትን መጠን ዘሎና ተኣማንነትን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ካብ ዝኾነ ልባዊ ምድንጋር ክንጥንቀቕ ከም ዘሎና አመልከቱ።

ነቲ እትሰብኮ ንበብሮ

ናይ ገዛእ ርእስና ድኽመት ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ እንሰብኮ ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ ክሳብ ክንደይ ቀሊል ከም ዘይኰነ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አገንዘቡ ። ብፍላይ ከኣ ኣብ ናብራናን ማሕበረሰብናን ወይ ቤተ-ክርስትያናን ሓላፍነት አብ እንስከመሉ ነዚ ኩነት እዚ ከነስተውዕለሉ ይግባእ።

"ነዚ ንዘክር - መታለልቲ ኣይንኹን! እዚ መምርሒ እዚ ንካህናት ንጓሶት-ነፍሳት ንፖለቲከኛታት መራሕትን ንመምህራን ከምኡ ውን ንወላዲ ወትሩ አገዳሲ ዝኾነ ኢዩ ምኽሪ ኢዩ። ነቲ እትብሎ ከምኡ ውን ነቲ ንኻልኦት እትሰብኮ ቅድም ባዕልኻ ብእኡ ንኽትመላለስ ቈራጽነት ግበር።"

ኣስዕብ ኣቢሎም ውን "ክቡራት መምህራን ንኽንከውን ከምቲ ቕዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ዘዘኻኽሩና ብምቕባል ፈለማ እሙናት መሰኻኽር ክንከውን ኣሎና" በሉ።

ሠናይ ምዃንን ሠናይ ምምሳልን

እቲ ካልኣይ ገጽ ፈተናና ድማ በዚ ኸምዚ ይስዕብ ብቐዳምነት ኣብ ውሽጣዊ ህይወትና ዘይኰነስ ኣብ ደጋዊ ነገራት ከም ዜተኵር ገለጹ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ አስተንትኖኦም - "እቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ብምትላል ስለ ዝነብሩ ግዳማዊ መንነቶም ንምዕቃብ ነቲ ምውሳጣዊ ድኽመታቶም ይሽፋፍኑ ነበሩ ። እወ እቶም ህዝቢ ብሓቂ ኣብ ልቦም እንታይ ከም ዘሎ እንተ ዝፈልጡ ነይሮም ምሓፈሩ፣ አብኦም ዝነበሮም እምነት ውን መጥፍኡ ነይሮም።"

ቅዱስ አቦና ቀጺሎም ብዙሓት ሰባት ነቲ ኣብ ውሽጦም ዘሎ ርስሓት ንምሕባእ ምልኩዕ ደጋዊ ትርኢት ብምርኣይ ጽድቃን መሲሎም ክረኣዩ ከም ዝደልዩ አመልከቱ።

"እዚ ንዓና ብፍላይ ከኣ ንዓና ክርስትያን ግዳማዊ መልክዓትና አብ ለዕሊ ውሽጣዊ ህይወትና ጸብለል ምስ ዝብል ዜስካሕክሕ ሕማም እዩ " ክብሉ አስተምሃሩ ። "ሓድሓደ ግዜ ኣብ ቤተ-ክርስትያን እውን ከይተረፈ ጽኑዓትን እሙናትን ክርስትያን ምእንቲ ኽንከውን ብዛዕባ ውሽጣዊ መንነትና ኽንጭነቕ ክንዲ ዝግብኣና ይኹን እምበር ብዛዕባ ደጋዊ ነገራትና ኢና እንፍተን ።"

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክርስቲያን ምእመናን ብዛዕባ ዘለዎም ኣረኣእያ እተፈላለየ ሕቶታት ንገዛእ ርእሶም ኪሓትቱ ተማሕጸንዎም ።

"ነቲ እንሰብኮ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ዲና እንጽዕር ወይስ ብምድንጋር ኢና እንነብር ዘለና? ብግዳምና ኽሳዕ ክንደይ ዘይጽፉፋት ምዃንና ጥራይ ድዩ ዜተሓሳስበና ወይስ ውሽጣዊ ህይወትና ብቕኑዕ ልቢ ኢና እንዅስኩሶ?"

ብድሕሪ እዚ ቅዱስነቶም ቅድሚ ጸሎት መልአከ እግዚአብሔር ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ኩልና ምእመናን እሙናት መሰኻኽር ወንጌል ክንከውን ክትሕግዘና ብምጽላይ፦

"ናብ ቅድስቲ ድንግል ንጸሊ። እታ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ብንጽህናን ብትሕትናን እትነብር ዝነበረት ናይ ወንጌል እሙናት መሰኻኽር ንኽንከውን ትሓግዘና"። እንክብሉ አስተንትኖኦም ዛዘሙ ።

06 November 2023, 16:50