ድለ

ፍራንቸስኮ፥ ሰላም ይከኣል እዩ፡ ንውግእ ፈጺምኩም ኢድኩም ኣይትሃቡ! ፍራንቸስኮ፥ ሰላም ይከኣል እዩ፡ ንውግእ ፈጺምኩም ኢድኩም ኣይትሃቡ!  (AFP or licensors)

ፍራንቸስኮ፥ ሰላም ይከኣል እዩ፡ ንውግእ ፈጺምኩም ኢድኩም ኣይትሃቡ!

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 19 ሕዳር ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ዝተረኽብሉ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ሓዋርዊ መስኮት ኮይኖም ድሕሪ ዘዕረገዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ ሚያንማር ዩክሬይን ፍልስጥኤምን እስራኤልን ኣብ ስቓይ ንዝርከብኩ ኩሎም ጸልዮምን ንሰላም ዘቕርብዎ ጻውዒት ኣሐዲሶም፡ ካብ ውግእ ዝረብሑ ኣጽዋር ውግእ ዘምርቱ ኣካላትን ትካላትን ምዃኖም ድማ ከም ዘጉልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ “ሰላም ዝከኣልን ተኻኣልን እዩ! ሰናይ ድሌት ጥራሕ እዩ ዝሓትት” ቢሎም ኩሎም ሰናይ ድሌት ዘለዎም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ንውግእ ኢዶም ከይህቡ ተማሕጺኖም፥

ሰላም ዝከኣል እዩ፡ ገዛእ ርእስና ንውግእ ኣሕሊፍና ኣይንሃብ!

ቢሎም፡ ነቲ ኣብ ብዙሕ እዋን ደጋጊሞም “ኩናት ኩሉ ግዜ ስዕረት እዩ” ዝብል ዘስምዕዎ ቃል፥

ኲናት ኩሉ ግዜ ስዕረት እዩ! ካብ ውግእን ግጭትን ዝረብሑ እቶም ውጽዋር ውግእ ዘምርቱ ኣካላትን ትካላትን እያቶም!

ኣንክብሉ ደጊሞም ብምቅላሕ ጻውዒት ሰላም ኣቕሪቦም፥ ኩሉ ንውግእ ኣይፋል ክብልን ክነጽግን ከም እተማሕጸኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ምያንማር

ኣብ ሚያንማር ኣብ መንጎ ወተሃደራዊ ስርዓትን ኣራካን እተሰምየ ናይታ ሃገር ህዳጣን ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣካል ዝኾኑ ዕጡቓት ሓይልታትን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ጠቒሶም፥ “ነቲ ክቡር ህዝቢ ሚያንማር ቅርበተይ እገልጽ። ህዝቢ እታ ሃገር ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ብዓመጽን ዓፈናን ይሳቐ ኣሎ፡ ተስፋ ከይቆርጹን፥

ወትሩ ኣብ ሓገዝ ጎይታ ክተኣማመኑ ስሌኦም እጽሊ! ምእንቲ እታ እትሳቐ ዘላ ዩክሬይንን ከምኡ እውን ንህዝቢ ፍልስጥኤምን እስራኤልን ምጽላይ ኣይነቋርጽ ሓደራ!

20 November 2023, 15:37