ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ሰማእታት ኣብዚ እዋን እዚ ንዝስደዱ ክርስቲያን መጸናንዒ እያቶም! ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ሰማእታት ኣብዚ እዋን እዚ ንዝስደዱ ክርስቲያን መጸናንዒ እያቶም! 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ሰማእታት ኣብዚ እዋን እዚ ንዝስደዱ ክርስቲያን መጸናንዒ እያቶም!

ቀዳም ዕለት 18 ሕዳር ኣብ ስፓይና ከተማ ሲቪሊያ ኣብ እዋን ሓድሕድ ውግእ እታ ሃገር ብእምነቶም ምኽንያት ንዝተቐትሉ 20 ደቂ ቤተ ክርስቲያን ብጽእና ከም እተኣወጆሎም ክዝከር እንከሎ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 19 ሕዳር ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ድሕሪ ዘዕረገዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፡ ኣብ ስፐይን ኣብ እዋን ሓድሕድ ኲናት ኣብ 1936 ዓ.ም. ብእምነቶም ምኽንያት ዝተቐትሉ ዕለት 18 ሕዳር ኣብ ከተማ ሲቪሊያ ብጽዕና ንዝተኣወጀሎም 20 ካቶሊካውያን ሰማእታት ከም ዝዘከሩን፥

ናይ ሰበኻ ካህን ኣባ ማኑኤል ጎንዛለስ ሰርናን ዓሰርተ ትሽዓተ ብጾቱን ካህናትን ዓለማውያን ምእመናንን ኣብ እዋን ሓድሕድ ኲናት ስፐይን ስለ እምነቶም ናይ ደም ሰማእትነት ዝተቐበሉ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብጽዕና ከም ዝኣወጀትሎምን እዞም ሰማእታት እዚኣቶም ብኣብነቶም ነቶም ኣብ ዘመንና ብሰንኪ እምነቶም ኣድልዎን ኣሳዶን ንዘጋጥሞም ብዙሓት ክርስቲያን የጸናንዑ!

ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥  

ኣዋጅ ብጽዕና ኣብ ሲቪሊያ

ኣብ ከተማ ሲቪሊያ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ጉዳይ ቅድስና ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ማርቸሎ ሰሜራሮ ነቶም 10 ካህናትን ሓደ ተመሃራይ ዘርኣ ክህነትን ትሽዓተ ዓለማውያን ምመናን ዝርከብዎም ኣብ 1936 ዓ.ም. ኣብ ሓድሕድ ውግእ ስፐይን ብእምነቶም ምኽንያት ንዝተቐትሉ ንቕዱስ ኣቦና ወኪሎም ንኣዋጅ ብጽእና ዝዓረገ መስዋዕተ ቅድሴ ከም ዝሰርዑ ኣፍሊጡ።

20 November 2023, 15:33