ድለ

2023.10.04 Sinodo dei Vescovi - Congregazione Generale 2023.10.04 Sinodo dei Vescovi - Congregazione Generale  (Vatican Media) ርእሰ ዓንቀጽ

ጽሞናን ጽን ምባልን ፦ መንፈስ ቅዱስ ንኽዛረብ ምፍቃድ ኢዩ

ናይ ዜና ቫቲካን ከምኡ ውን ናይ ርእሰ ዓንቐጽ ዜና ቫቲካን ዋና ኣሰናዳኢ አንድረያ ቶርኔሊ ብዛዕባ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንኣባላት ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ አብ ዝገብርዎም መመያታት ክኽተልዎ ዘልዎም ቅዱስነቶም ዘቅረብሎም ሜላን፣ ቅዱስ አቦና ንጋዜጠኛታት አብዚ ኣጋጣሚ አብ ዝገብርዎም ዘገባታት አመልኪቶም ብዛዕባ ዘቕረቡሎምን ጻውዒት ትትንተና አቕሪቡ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መኽፈቲ መደብ ናይ ሲኖዶስ ብዛዕባ ሲኖዳውነት ብዛዕባ ንአቅላሲያዊ ጉባኤታት ካብ በርገሳዊ አኼባትት ዝፈላልዮም ነገራትን ከምኡ ውን ብዛዕባ አገዳስነት ንመንፈስ ቅዱስ ጽን ምባል አመልኪቶም መደረ አቕሪቦም።

እዚ ብ4 ጥቅምቲ እተኸፍተ ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ምስቲ ብ1986 ብዛዕባ ሕብረት እተገብረ ጉባኤ ዚመሳሰል ፍሉይ ዝኾነ ሲኖዶስ እዩ ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ሕብረትን ሲኖዳውነትን ሓደ ዓይነት መግለጽን ተመኩሮን ናይ ሓድነት ኮይኑ መሰረታዊ መዳያት እዩ ዜመልክት ምስ እተወሰኑ ጕዳያት ድማ ኣይተሓሓዝን እዩ።

ናይ ሮሜ ጳጳስ ንኣባላት ሲኖዶስ ሓደ ሜላ አመልኪቶም፣ ከምኡውን ንጋዜጠኛታት ብዛዕባ እቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ቫቲካን ዝካየድ ዘሎ ነገራት ጸብጻብ አብ ዘቅርቡሉ ነዚ ሜላ እዚ ክረድእዎ ጻውዒት ኣቕረበሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሲኖዶስ እቲ ቐዳምነት ክወሃቦ ዘለዎ ነገር ጽን ኢልካ ምስማዕ እንክኸውን፣ ለዕሊ ኹሉ ድማ ንመንፈስ ቅዱስ ጽን ምባል ከም ምዃኑ ገሊጾም ።

ካልኦት ተመኵሮኦም ንምክፋል እንታይ ይብሉ ከም ዘለው ምስማእ፣ ከምኡ ውን እቶም "ኻባይ ዝረሓቑ" እንታይ ይብሉ ከም ዘለዉን ምስማዕ ። ነዚ ንምግባር ምንፈሳዊ ተጋድሎ የድሊ ። ብተወሳኺውን ነቲ ቅኒታዊ ዝኾነ ውህደት ከይዕወት ካብ ዝኽልክሉ ውልቃዊ ዝኾኑ አተሓሳስባን ዋንነታዊ አታሓሳስባን ውሁስ ዝኾነ ቦታ ኽሕሉ የድሊ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብዚ ንምሕላው ሓደ ዓይንት “ጾም” ምግባር የድሊ፣ እዚ ድማ ህዝባዊ ዝኾኑ ርእይቶታትን ቤላቤለውን ካብ ምስማዕ ክንቁጠብ የድሊ ክብሉ ጻውኢት ኣቕሪቦም ።

እቲ ኩሉ ዝመሓላለፍ ድማ ነዚ ዘንጸባእቕ ክኸውን ከም ዘለዎ ጻውዒቶም አቐሪቦም ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ወሲኾም ከምዚ በሉ - 'ገለ ድማ ከምዚ ክብሉ ኢዪም - ይብሉ ውን አለዉ - ጳጳሳት ስለዝፈርሑ ኢዮም ንጋዜጠኛታት ከይዛረቡ ዝኽልክልዎም ዘለዉ. . .'። ስለዚ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ እቲ አረአእያን ሜመያን አብቶም አባላት ናይዚ ሲኖዶስ ክህሉ ዝግብኦ በዚ ኸምዚ ተገሊጹ ንረኽቦ።

ድሕሪ ቀትሪ ናይታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይቲ ጉባኤ፣ እቲ ነዚ ጉባኤ አብ ምስልሳል ናይ ዕዮታቱ ክስዕቦ ዘለዎ ናይ አካይዳ መምርሒታት ተገሊጹ ይርከብ። "ነፍሲ ወከፍ ተሳታፊ ናይ ገዛእ ርእሱ ርኢቶታት ይኹን፣ ናይ ካልኦት ርኢቶ አብቲ ጉባኤ ዝተዘተየሉ ብምስጢር ክዕቅብ ትሑዝ ኢዩ" ብምባል ተገሊጹ ይርከብ።

ነዚ ቦታ እዚ ብምስጢር ክዕቀብ አለዎ ኪበሃል ከሎ፣ እንታይ ይግበር ከም ዘሎ ግን ከይግለጽ ማለት ኣይኰነን ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ኣብ ታሪኽ ንመጀመርያ ግዜ ብቐጥታ አብ መራኸቢ ብዙሓን ዝተመሓላለፈ ሲኖዶስ እዩ፣ እዚ ኸኣ ካብቲ አብ መጀምርያ ዝተኻየደ አስተንቶኖታት ናይ  ተሳተፍቲ ሱባኤ ጀሚርካ፣ ኽሳዕ ናይ መኽፈትን ቃል ሰላምታን መደረታት፣ ከምኡ ውን ጸብጻባት ነፍሲ ወከፍ ዕለታዊ ዕማታት እቲ ጉባኤን፣ ብዛዕባ ትሕዝቶ ዛዕባታቶምን ዚገልጽ መዓልታዊ ጸብጻብ ይወሃብ አሎ።

ካብ ኵሉ ኽፍልታት ዓለም ዝመጹ ኣቡናት ካህናት ሰብ ውፉይ ህይወት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ አንስትዮን ከምኡ ውን ዓለማውያን ምእመናን ይሳተፍዎ ኣለዉ። ብሓባር አብ ሃዋህው ጸሎት ደአ እምበር ናይ ተቓውሞን ናይ ምውልታውን ጉባኤ ዘይኮነስ፣ አብ ዝመጽእ ሰሙናት ክፉት ዝማዕጾአ ቤተክርስቲያን ብምዃን፣ ዝያዳ ናብቲ መበቆላዊ መንነታ እምንቲ ብምዃን ውን ነቲ መንፈስ ቅደስ ዘመልክተሎም ዘሎ መንገዲ ስብከተ ወንጌል ብምርዳእ ናብ ኩሉን ንኹሉን ክትበጽሕ እትክእል "ከምቲ ንኹሉ ሰብ ቦታ ዘለዎ ቤት አቦ፣ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ውን ብስራሕ ትሑዝ ዝዀነሉ ቦታ" ንዝብል ንምርዳእ ዝሰርሕ ዘሎ ጉባኤ ኢዩ።

(ብኣንድሬያ ቶርኔሊ)

09 October 2023, 08:27