ድለ

ናይ ዕለት 27 ጥቅምቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ውዕሎ ጋዜጣዊ ጸብጻብ ናይ ዕለት 27 ጥቅምቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ውዕሎ ጋዜጣዊ ጸብጻብ  (Vatican Media)

ናይ ዕለት 27 ጥቅምቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ውዕሎ ጋዜጣዊ ጸብጻብ

ቀጺለን ናይ ሲኖዶስ ጉዳያት ሓበሬታ ዋና ጸሓፊት ሺይላ ፒረስ፡ ማዕቅፍን ትሕዝቶን ናይቲ ኣብ ጉጅለታት ዕዮ ዝተገብረ ሓሳብ ብናጻ ናይ ምቕራብ ጉዳይ ኣመልኪተን

ናይ ጉባኤ ሲኖዶስ ሽማግለ ጉዳያት ሓበሬታ ኣቦ መንበር ናይ ቅድስቲ መንበር መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዛዕባ ዕለት 27 ጥቅምቲ ዝተኻየደ መበል 19 ውዕሎ ጉባኤ ሲኖዶስ ኣማእኪሎም ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝመጹ ንናይ ዝተፈላለያ ማዕከታት ዜና ልኡካን ጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መገልጺ፥ ዛዕባ ጽሙር ሰነድ መበል 16 ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ኣማእኪሎም መብርሂ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መገልጺ ዝሓበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ሲኖዶስ ሓፈሻ ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ማርዮ ግረች፥ “ምእንቲ ሰላም ከየቋረጽና ንጸሊ” ብዝብላ ቃላት ዝሃብዎ መግለጺ ኣበጊሶም፥ ዕለት 27 ጥቅምቲ መዓልቲ ጾምን ጸሎትን ምንቲ ሰላም” ከም እተፈጸመን ኩሎም ተጋባእያን ሲኖዶስ እውን ኣብቲ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተመሪሑ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝዓረገ ጸሎት ምእንቲ ሰላም ከም ዝሓበሩ ገሊጾም።

ዶክተር ሩፊኒ፥ ኣብ ጽሙር ሰነድ ሲኖዶስ ድምጺ ናይ ምሃብ ስነ ስርዓት

እቲ ዝቐረበ ጽሙር ሰነድ ጉባኤ ሲኖዶስ ብመሰረት መምርሒ ጉባኤ ሲኖዶስ ዓንቀጽ 33 ፍቕዲ 2 ድምጺ ክህብሉ ከም ዝኾኑን ሩፊኒ ሓቢሮም፡ እቲ ጽሙር ሰነድ ንተጋባእያን ሲኖዶስ ከም እተዓደለን፡ እዚ ድማ ኩሉ ተጋባኢ ኣቐዲሙ ቅድሚ ናይ ድምጺ ምሃብ ስነ ስርዓት ከንብቦ መታን እዩ ቢሎም . . .

ፒረስ፥ ናብ ዝዓበየ ናይ ሲኖዶስ ጽምብል

ቀጺለን ናይ ሲኖዶስ ጉዳያት ሓበሬታ ዋና ጸሓፊት ሺይላ ፒረስ፡ ማዕቅፍን ትሕዝቶን ናይቲ ኣብ ጉጅለታት ዕዮ ዝተገብረ ሓሳብ ብናጻ ናይ ምቕራብ ጉዳይ ኣመልኪተን፡ እቲ ዝቐርብ ዝነበረ ሓሳብ ኣብቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2024 ዓ.ም. ዝተኮረ ከም ዝነበረን፡ ብዙሓት ተሳተፍቲ ንውሓት ግዜ ሲኖዶስ ካብ ኣርባዕተ ሰሙና ናብ ሰለስተ ሰሙን ክወርድ ከም ዝሓኣተቱን ከምኡ እውን ንውልቃዊ ኣስተንትኖ ዝያዳ ግዜ ክህሉን ኣብ ባይቶ ብዝግበር ምትእትታው ዝሓሸ ተሳትፎ ምዕባይ ዝብል ሓሳብ እውን ከም ዘቕረቡን ኣብ ቋንቋ ዘይኮነስ ኣብ ድሕረ ባይቲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝተመርኮሰ ተወሳኺ ናይ ጉጅለ ኣኼባታት ክህሉ እውን ክመ ዝሓተቱ ኣፍሊጠን።

ካብቶም እማመታት ንኹሉ ሰብ ብፍላይ ድማ ንመእሰያት ብዝያዳ ክርድኦ ዝኽእል ቋንቋ ሓጺር ጽማቕ ናይቲ ጽሙር ሰነድ ክህሉ ዝብል ሓሳብ ዳርጋ ካብ መላእ ተጋባእያን ከም ዝቐረበን፡ ዝካየድ ዘተ ካብ ጭቡጥ ህይወት ህዝቢ ኣምላክ ዝረሓቐ ከይከውንን ኣብ ርእሲ እዚ እውን መገዲ ሲኖዳውነት ብምስዓብ ኣብ ኩሉ ደረጃታት ንዝርከቡ ማሕበረሰባት ክሳተፉ ምትብባዕ ከም ዘድልን፡ ነቲ ድሮ ብሕጊ ቀኖና ዝቐረበ ተኽእሎታት ብጽቡቕ ተጠቂምካ መንሰያት ደቂ ኣንስትዮን ዲያቆናትን ንምስታፍ ሲኖዳውነትን ሓባራዊ ሓላፍነትን ኣብ ግብሪ ምውዓል ዝብል ሓሳብ እውን ከም ዝቐረበ ኣመልኪተን።

እናቴ ኣንጀሊኒ፥ ናይ በነዲክታውያን ተመክሮ ናብ ጉባኤ ምምጻእ

እናቴ ማሪያ ኢኛዚያ ኣንጀሊኒ በነዲክታዊት መነኮስ፥ ሲኖዶስን ሲኖዳውነትን ብተመክሮ በነዲክታውን ህይወትን ኣተእኣሳሲረን ተመክሮአን ከም ዘካፈላን ነቲ ሲኖዶስ ሰውራዊ ባህሪ ዘለዎ እንክብላ ገሊጸን እዚ ድማ “ኣብ ህይወት ቤተ ክርስቲያን ለውጢ ብመንጽር ሓቋፍነት ኣብ ህላወ፡ ኣብ ፍልልያት ናይ ምስማዕ ክእለት ዘርህው ንክውንነት ናይ ምግጣም ክእለት ኣብዚ ኣብ ዝተሓላለኸ ናይ ታሪኽ ህሞት እምነት ኣብ ትስብእቲ ዘማእከለ ራእይ ከቕርብ ዘተባብዕ እዩ ከም ዝበላ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣባ ራድክሊፍ፥ ብሓባር ቅዲ ሲኖዳውነት ምምሃር

እንግሊዛዊ በነዲክታዊ መነኮስ ኣባ ቲሚትይ ፒተር ጆሰፍ ራድክሊፍ እውን ብወገኖም ሲኖዳውነት ኣካል ናይቲ ቅድሚ ሸሞእንተ ሚእቲ ዓመት ዝተመስረተ ናይ በነዲክታውያን ኣነባብራ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ “እዚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ እዋን እዚ ዘይተለምደ ውሳኔታት ብሓባር ዝወስድ ካብቶ ካልኦት ዝተኻየዱ ሲኖዶሳት ዝተፈልየ ምዃኑ ኣብ ዝገልጽ ሓሳብ ምብርሂ ከም ዝሃቡን።

. . . ምባልባት ንሕና ንፍሉይ ውሳኔታት ካብ ምውሳን ከመይ ገይርና ቤተ ክርስቲያን ከም እንኸውን ብሓድሽ መገዲ ክንርዳእ ስለ ዝተኣከብና፡ እትሰምዕ ቤተ ክርስቲያን ክንከውን ኣባላት ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ባህልታት ንሓድሕዶም ክሰምዑ ምስ ትውፊት ብምስምማዕ ከመይ ጌርካ ውሳኔ ከም እትወሰድ ከመይ ጌርና ንሓድሕድና ንምስማዕ ንመሃር ኣሎና። ኣብ ጉዕዞ ስለ ዘሎና ዕንቅፋታት ክህሉ ድማ ይኽል እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፥ ኣብዛ ዓመጽ ዝመልኣ ዓለም ኢና እንነብር ዘሎና፡ ኣብ መንጎ ሰባት ምብትታን ከም ማእከላይ ምብራቕ ዩክሬይን ብዙሕ ክፋላት ኣፍሪቃ እውን ‘ኣብ ውሽጥና እውን’ ኣብ ምዕራብ ሃገራት ዝርአ ዘሎ ውልትውና ኣብዚ ከምዚ መዓተይና ተመክሮ ኣብ ዘለሉ ዓለም[ ከመይ ጌርና ንሓድሕድና ክንዘራረብ ክንሰምዕን ንመሃር ኣሎና። ቁስሊ ቤተ ክርስቲያንን ቁስሊ ሰብኣውነትን ንምሕዋይ ድማ እዩ . . . ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ሓው ኣሎይሰ፥ ሓድሽ ኣገባብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምዃን

ናይ ታይዘ ማሕበረሰብ ኣበ ምኔት ሓው ኣሎይሰ፥ “እቲ ሲኖዶስ ዓሚቕ ተመክሮ ሱታፌ እዩ - ንኹሉ ክፉት ዝኾነ ማለት ንኹሉ ክርስቲያንን ምእመንን ዓለምን ክፉት ዝኾነ፡ . . . እቲ ጉባኤ ሲኖዶስ ባህርይ ኦቁይመናዊ ዘለዎ ኩሉ ብክርስቶስ ዝተጠምቀ ኣብ ዝብል ንቕሓት ዝተመስረተ ኣብ መንፈሳዊ ህዝቢ እግዚኣብሔር ንኽንስጉም ዘኽእለና ህሞት እዩ . . . እዚ ኣገባብ እዚ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ዓለም ክዝርጋሕ ከም ዝኽእል ተስፋ እገብር - ቢሎም - ምኽንያት መስርሕ ሲኖዳውነት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምዃን ዝድርኽ ሓድሽ መገዲ ይመርሓና . . . ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ንኣገባብ ሲኖዶስ ንኽትፈርሕ ዝድርኽ ምኽንያት የሎን

. . . ስዒቡ ካብ ጋዜጠይናታት ብዝቐረበ ሕቶ መሰረት ድማ ኣባ ራድክሊፍ - ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነዚ ሲኖዳውነት ዘበገሱ ገዛእ ርእሶም እውን ኣብቲ ናይ ሓባር ዘተ ዘሳትፉ ዘለዉ ኣብነት ሲኖዳውነት እዮም። ሲኖዳውነት ንቤተ ክርስቲያን ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ክመርሓ ድዩ? ንዝብል ሕቶ ድማ ሓው ኣሎይሰ፥ ካብ ዝተፈላለየ ባህላዊ ድህረ ባይታ ዝመጹ ተሳተፍቲ ንሓድሕዶም ብዝበለጸ ክርድኡ ከም ዝፈተኑ ገሊጾም፡ ሲኖዳውነት “ኩላትና ብሓባር ክንከዶ ዘሎና መገዲ እዩ” ስለዚህ “ኣብ ነፍሲ ወከፍ ልቢ ለውጢ ዘምጽእ ምዃኑ ርግጸይና እየ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣባ ራድክሊፍ ወሲኾም ይብሉ፡ ገለ ገለ ሰባት ሲኖዳውነት ኣገባብ ስለ ዘይርድኦም ዝፈርሑ ይኾኑ፡ ሲኖዳውነት ክትዓት ፖለቲካዊ ባህሪ ዘለዎን ፍልልይ ከየስዕብ ዘስግእ ዘይኮነስ . . . ብኣንጻሩ ሲኖዳውነት ናይ ጸሎትን እምነትን ፍጻሜ እዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

. . . ኣብዛ ፍርሕን ጭንቀትን ኣናወሰኸ ኣብ ዝኸደላ ዓለም ኢና እንነብር ዘሎና፡ ስነ ሓሳባት መርገጺ ናይ ምግባር ፈተና ኣሎ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ግን ብሓቂ ኣንጻር እዚ ህልው ኩነታት እዚ ብምኻድ ዶብ ሰገር ባህርይ እዩ ዘሎ . . . ንጽባቔ ብዙሕነት ዝንበረሉ ንጹር ቤተ ክርስቲያናዊ ኣገባብ ‘ሲኖዳውነት’ እዩ።

28 October 2023, 17:47