ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ መራሕቲ ሃገራት ሰላም መታን ክደልዩ ማርያም ኣስተንፍሶ ትኹኖም

ንግስቲ ሰላም ህያብ ስኒት ኣምላኽ ኣብ ልብና ኣውሕዚ!

ኣብዚ ብኩናት ዝተገማመዐት ዓለም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምእመናን ንሰላምን ዕርቅን ኣብ ጸሎት ክሓብሩ ከም ዝሓተቱን ድንግል ማርያን ንግስተ ሰላም ንደቃ ኣብ ታሪኽ ቃንዛን ኩለ መዳያዊ ጥፍኣት ክጻወሩ እትርኢ ዘላ ኣደ ምጽንናዕን መገዲ ሰላምን ተስፋን ከተርየና ንለምና ንዓኣ ድማ “ንዓለም ብፍላይ ነተን ኣብ ውግ ዘለዋ ሃገራት” ነወፍይ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ፍራንቸስኮ ህይወትናን ቤተ ክርስቲያንን ዓለምን ንንግስቲ ሰላም ነወፍይ፡ ነቶም ግርጭት ዘባርዑ ልቦን ክልወጥ ናብ እኖ ኣምላኽ ጸሎት ኣቕሪቦም፡ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም “ንመራሕቲ ኣህዛብ መገድታት ሰላም ከናድዩ ትደግፍ። ንግስቲ ሰላም ኩሉ ህዝብታት ብኽፍኣት ተታሊሎም ብሓይልን ጽልእን ዝዓወሩ ደቕኺ ኣታዕርቒ፥” እንክብሉ ዕለት 27 ጥቅምቲ ምሸት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ምንቲ ሰላም ኣብ ዝዓረገ ጸሎት በማላድነት ማርያም ምእንቲ ሰላም ኣብ ዓለም ከም ዝጸለዩ ዜና ቫቲክን የመላኽት።

ምእንቲ ሰላም መዓልቲ ጾምን ጸሎትን ንስሓን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ኣብ ቅድስቲ መሬት ዝግንፍል ዘሎ ኣዕናዊ ማዕበል ዓመጽ ክውገድ ዕለት 27 ጥቅምቲ መዓልቲ ጾምን ጸሎትን ንስሓን ክኸውን ዕለት 18 ጥቅምቲ ኩለን ኣቢያተ ክርስቲያንን ሃይማኖታትን ኩሎም ንጉዳይ ሰላም ኣብ ዓለም ሃረር ንዝብሉ ዘቕረብዎ ጻውዒት ምኽንያን ዝተፈጸመ መንፈሳዊ መደብ ኣብ መዛዘሚ፡ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝመርሕዎ መደብ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽን ጸሎት መቑጸርያን ኣስተንትኖ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባንን፥ “ኣብዚ ኣብ ቅድሜኺ ንርከብ ንስኺ ኣዴና ኢኺ ቃልስናን ኣቝሳልናን ድማ ትፈልጥዮ ኢኺ፥

ንስግስቲ ሰላም ምሳናን ምንታንን ትሳቐዪ፡ ከምቲ ብዙሓት ደቕኺ በቲ ንዓለምና ዘንቀጥቅጥ ዘሎ ግጭታትን ውግኣትን ክሳቐዩ ትርኢን ትሳቐይን

ኣብዚ ጸልማት እዋን እዚ፥ “ንጭንቀትናን ፍርሕናን ዝፈልጥ ኣደኣዊ ልብኺ ገዛእ ርእስናን ጸገማትናን ኩሉ ንዓኺ ኣሕሊፍና ንህብ” ዝብል ጸሎት ከም ዘዕረጉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

በይንና ክንዕወት ኣይንኽልን

ማርያም ነቲ እትጻወሮ ዝነበረት ፈተናን ወትሩ ብለውሃትን ብፍቕርን ከም ዝበልካዮ ብይኹነለይ ከም እትምልሶን፥ “ኣብቲ ናይ ሓዘን ጸልማት ንተስፋ ፋሲካ ኣባና ህያው ክኸውን” ሓግዝና። ኣብዚ ግዜ እዚ ብግርጭት ብሓዊ ኣጽዋር ዝዓነወ ዓለም ተበግሶታት ሰላም ንኽነህልው ደግፍና ምኽንያት ብገዛእ ርእስና ሓይሊ ክንዕወት ዝከኣለና ስለ ዘይኮነ።” ኣብ ከምዚ ዝበለ ዕግርግርን ዓብይ ሓደጋ እዋን “ናብ ወድኺ ንጉስ ሰላም ኢየሱስ ክርስቶስ ንኸነብል ደግፍና - ንሕይወት ‘ነፍሲ ወከፍ ህይወት ወዲ ሰብ’ ከነኽብርን ክንከናኸንን ከምኡ እውን ነቲ ሞት ዝሰዓረን ንመጻኢ ሞት ዘወግድን ዕሽነት ኩናት ንምጻግን ከብቅዓና መሃርና፥ ዝብል ጸሎት ከም ዝደገሙን። ማርያም ብዙሕ ግዜ ክንጽልን ክንንሳሕን ከም እትላበወና ዘዘካኸሩ ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፥ “ብገዛእ ርእስና ክንዕወት ዝከኣሎም ኣይኮንናን” ብዘይ ወድኺ ዋላ ሓንቲ ክንገብር እይንኽልን ኢና። ንሰላምን ምልዋጥን ኩሉ ድማ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ “ንሳ ናብቲ ሰላም ዝኾነ ኢየሱስ ትምለሰና።”

ኣደ ምሕረት ለምንልና ንስግስቲ ሰላም ሰላም ንኽህሉ ንምህለል፡ ልቢ ናይቶም ብጽልኢ ዝተመልኡ ተንክፊ! ነቶም ግርጭት ዘጓሃህሩን ዘበራብሩን ልቦም መታን ክልወጥ”

ንብዓት ቆልዑ ሓብሲ፡ ነቶም ኣረገኣውያንን በይኖም ንዝተጠንጠኑን ንዝቆስሉን ዝሓመሙን መሬቶም ፈተውቶምን ሓዲጎም ንዝስደዱ ደግፊ። ኣብ ልቢ እዞም ኩሎም ምጽንናዕን ሓድሽ ተስፋን ኣበራብሪ” እንክብሉ ከም ዝጸለዩ ዜና ቫቲክን ኣፍሊጡ።

ምሉ ተወፋይነት ንንጹሕ ልበ ማርያም

ቅዱስነቶም ገዛእ ርእስናን ዘለናን ኩሉ ንንጹሕ ልቢ ማርያም ኣሕሊፎም ብምሃብን ብምውፋይን፥ “ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቅድሚ ዓለም ብዛዕባ ፍቕሪ ኢየሱስ ኣብ እትህቦ ምስክርነት ምልክት ስኒትን መጋበርያ ሰላምን ክትከውን ንዓኺ ነወክፋ”

ዓለምና ብፍላይ ነተን ኣብ ውግ ዘለዋ ሃገራትን ዞባታትን ንዓኺ ነወፍየን!

ዝብል ጸሎት ከም ዘዕረጉን፥ “እቲ ሓቀይና ብርሃን ነቲ ጸልማት ለይቲ ግጭት ከብርህ” መራሕቲ ኣህዛብ ድማ መገዲ ሰላም ክደልዩ ጸልዮም፥ “ንግስቲ ኩሉ ህዝቢ ብኽፍኣት ዝተታለሉ ብሓይልን ጽልን ዝዓወሩ ደቕኺ ኣተዓርቒ። ነቲ ኣብ መንጎ ሰብኣዊ ፍጥረት ዘሎ ምርሕሓቕ እለዪ፡ ንኹሉ እትድንግጺ ኣደ ንሓድሕድና ክንተሓላለይ ምሃርና። ንስኺ እቲ ምዉቕ ፍቅሪ ጎይታ እትገልጺ ናይ ምጽንናዕን ሰላም መሰኻኽር ግበርና። ንግስቲ ሰላም ህያብ ስኒት ኣምላኽ ኣብ ልብና ኣውሕዚ

እንክብሉ ዘዕረገዎ ማርያማዊ ጸሎት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

28 October 2023, 17:52