ድለ

ር. ሊ. ጳ.፦ ንኣምላኽን ንብጻይካን ምፍቃር መሰረት ዅሉ ነገር እዩ

ኣብቲ መዛዘሚ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እቲ ኣብ "ፍቕራዊ ዝኾነ ህላዌ ጐይታ" እነስተማቕሮን ከምኡ ውን አብ "ጽባቐ ሕውነት" ዝግለጽን "ብመንፈስ ዝኸውን ተዋስኦ" አስተምሃሩ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲቸስኮ ነቲ ንሓደ ወርሒ ዝአክል ዝቐጸለ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት መዛዘሚ መሥዋዕተ ቅዳሴ መሪሖም፣ አብቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ አብ ዘስምዕዎ ስብከት ድማ ብዛዕባ እቲ አብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ እተሞከርዎ "ብመንፈስ ዝግበር ተዋስኦ" አስተምሂሮም ። አብ ስብከቶም ቅዱስ አቦና  ተሳተፍቲ ሲኖዶስ "ፍቕራዊ ህላወ ጐይታ አስተማቒሮምን ንጽባቐ ሕውነት ድማ ተሞኪሮም" ብምባል ተዘክሮኦም ገለጹ።

እዚ ሎሚ ሰንበት ንግሆ ዕለት 29 ጥቅምቲ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ፣ ነቲ ብዛዕባ ሓድነት፡ ተሳትፎን፡ ተልእኾን ዝዘተየ ቀዳማይ ክፍል ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ብዛዕባ ሲኖዳውነት መዛዘሚ እዩ ነይሩ። እቲ ዚቕጽል ካልአይ ክፍል ናይዚ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ኣብ ዝመጽእ ጥቅምቲ 2024 ክካየድ እዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ ሓደ ናይ ሕጊ ምሁር ንኢየሱስ ኣብ ኦሪት ኣየነይቲ ትእዛዝ ከም እትዓቢ ክሓቶ ከም ዝቐረበ ዝዛረብ ክፍሊ ወንጌል አብ ናይ ዕለቱ ንባብ ብምስትንታን፣ እዚ ኣገዳሲን ነባርን ሕቶ እዚ ወትሩ ኣብ ልብናን ኣብ ህይወት ቤተ- ክርስትያንን ክለዓል ከም ዝኽእል ገለጹ። እቲ ጐይታ አብ ኵሉ ህይወትና ንኣምላኽ ከነፍቅሮን ንብጻይና ከአ ከም ነፍስና ከነፍቅሮን ዝሃቦ መልሲ "መሰረት ዅሉ ነገር" ኮይኑ፣ ከምኡውን ኵሉ ነገር ብኸመይ ሓድሽ ጅማሬ ክረክብ ከም ዝኽእል ዝሕብር ምዃኑ ገለጹ።

ምፍቃር ማለት አምልኾ ምሃብ ማለት ኢዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ፍቕሪ ንአምልኾ እትዕድምና እያ፣ እዚ ኸኣ ነታ "ኣምላኽ ንዓና ዘለዎ ናጻን  ንዘደንቕ ንፍቕሩን" መልሲ እንህበሉ ተግባር እዩ።

"ንኣምላኽ አምልኾ ምሃብ ክበሃል ከሎ ንሱ በይኑ ጐይታ ምዃኑ ምእማንን፣ ብሕታዊ ህይወትናን፡ ናይ ቤተ-ክርስትያን ንግደታዊ ጕዕዞን ከምኡውን ናይ መወዳእታ ፍረ ናይ ታሪኽ ኣብ ለውሃት ፍቕሩ ከም ዝምርኰስ ብእምነት ምርግጋጽ ማለት ኢዩ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ንኣምላኽ አምልኾ ብምሃብ "ሓራ ምዃንና ኸም ብሓድሽ ክርድአና ይጅምር" ብምባል መስከሩ። ስለዚ ኸኣ ኢዮም ቅዱሳት ጽሑፋት  ዝዀነ ይኹን ኣምልኾ ጣኦት ብዘየገድስ ባሮት ስለ ስለዝገብረና ብዛዕባ ኩሉ ዓይነት ኣምልኾ ጣኦት ዘጠንቅቕና። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም ኸም ዝገለጽዎ እዚ መጠንቀቕታ እዚ ሎሚ እውን እንተ ዀነ ብዓለማዊ ጣኦታት ርእሰ ፍትወትን ስስዐን ክንፍተን ከለና፣ ከምኡ ውን ገለ መንፈሳውነት መሲሎም ዝቐርቡልና አለው ከም ናተይ ሃይማኖታዊ አተሓሳስባ ወይ ጉስነታዊ ክእለት ጥራይ ዝብሉ ጣኦታታት አለዉ። ስለዚ ንቑሕ ምዃንን ወትሩ ንጐይታ ኣብ ህይወትና ቐዳምነት ምሃብ እንክብሉ ስብከቶም ቀጸሉ ።

ምፍቃር ማለት ምግልጋል ማለት እዩ

እታ ኻልአይትን ዓባይን ትእዛዝ "ንኣምላኽን ንብጻይናን ከቶ ኸይፈላለዩ ብሓደ ዝጠምሮም ኢዩ" በሉ ቅዱስነቶም። ናይ ሓቂ ሃይማኖታዊ ተመክሮታት ዝበሃል ከኣ ኣውያት እቶም ዚሳቐዩ ኣውያት ዓለም ክንሰምዕን ከምኡውን ንብጻይና ኽንከናኸኖን ክንሓልየሉን ከም ዘሎና እተመልክት ኢያ ክብሉ አስተምሃሩ።

"ንቤተ-ክርስትያን ብኸመይ ከም እነሐድሳ ብዙሕ ጽቡቕ ሓሳባት ይህልወና ይኸውን እንተዀነ ግን  - ንኣምላኽ ብምምላኽን ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ብፍቕሪ አምላኽ ብምፍቃርን እቲ ዝዓበየን ነባርን ተሓድሶ ክግበር ከም ዝከአል ነዚ ንዘክር።" በሉ።

እታ "እተምልኽ ቤተ-ክርስትያንን አገልጋሊት ዝኾነት ቤተ-ክርስትያን" ኣእጋር እቲ "ዝተጐድአ ሰብአውነት" ንኽንሓጽብ ጻውዒት ተቕረበልና አላ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አስዒቦም ድማ ነቶም "ድኹማትን ተነቀፍትን እተደርበዩን ንድኻታትን ብፍቕሪ አምላኽ ኬድና ክንረኽቦም ዝተጸዋዕና ኢና " እንክብሉ አስፊሖም ገለጹ። ነቶም ግዳያት ግፍዒ ናይ ውግእ ዝዀኑ፣ ስቓይ ስደተይናታትን፣ ነቶም በይኖምን ኣብ ድኽነትን ዝተደርበዩ ከምኡ ውን ብሰንኪ ክበድ ጾር ህይወት እተደቝሱ ሰባት ዘኪሮም ።

"ደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ ከም ምዃንና መጠን ፍሉይ ዝኾነ መባኹዕቲ ማለት ወንጌል ናብ ዓለም ከነምጽእ ኢና እንደሊ። ንኣምላኽ ቀዳማይ ቦታ ክንህብን ከምኡ ከአ ምስኡ ነቶም ንሱ ንዜፍቅሮም ንድኻታትን ንድኹማትን ከነፍቅር ኢዩ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም ከም ቤተክርስቲያን ነቶም ነአሽቱ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንኸነገልግል "ራኢ " ክህልወና ዝተጸዋዕና ሰባት ምዃና አስተንተኑ ።

"ቤተ ክርስቲያን ከም ሓንቲ ምስክርነት 'ጽቡቕ ባህርያት' አቐዲማ ዘይትሓትት፣ ግን ከኣ ሓንጐፋይ ኢላ እትቕበል እተገልግል እተፍቅር ይቕረ እትብል ምስ እትከውን፣ ምሕረት ዚርከበላ ኽፉት መዓጹ ዘለዋ ቤተ-ክርስትያን እንተ ኾይና ናይ ምሕረት ገነት ኢያ እትኸውን።"

ናይ መንፈስ ተዋስኦ

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እዚ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳስት ዝተሓደሰ ተመኵሮ ናይ ፍቕራዊ ህላወ ጐይታን ከም ዝረኸበን፣ ኸምኡውን ብዛዕባ ተመኵሮ "ጽባቐ ሕውነት" ዘከሩ። ቅዱስነቶም አብ ስብከቶም ንሓድሕድና ጽን ብምብህሃልን ካብቲ ሃብታም ዝኾነ እተፈላለየ ድሕረ-ባይታናን ሻቕሎትናን ብምምሃርን "ንመንፈስ ቅዱስ ክንሰምዖ ክኢልና ኢና" ከምኡውን "ኣርሒቕና ብምርኣይ" ናብ ኣድማስ ክንጥምትን ፍረ ናይዚ ተመኩሮና እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእልን ክንርኢ ኪልና ኢና ክብሉ ቅዱስነቶም መስከሩ።

"ጐይታ ክመርሓናን ዝያዳ ሲኖዳዊትን መልእኽተይና ዝኾነት ቤተ-ክርስትያን ንክንከውን ክሕግዘናን ኢዩ፣ እዛ ቤተ-ክርስትያን እዚኣ ንኣምላኽ እተምልኽን ኣብዚ ግዜና ንዘለዉ ኣንስትን ሰብኡትን እተገልግልን ንዅሉ ሰብ ዘጸናንዕ ሓጐስ ወንጌል እተምጽእን ክትከውን ኢያ።"

ድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዅሎም እቶም አብ ጉባኤ ሲኖዶስ እተሳተፉ ኣሕዋትን አሓትን ብሓባር ኣብ ዝገበርዎ ጕዕዞ ብምስማዕን ብምዝራብን  ኣበርክቶ ክንዲ ዝገበሩ ኣመስገንዎም ።

"ንኣምላኽ ኣብ እነቕርቦ ኣምልኾን ንብጻይና ኣብ እንገብሮ ኣገልግሎትን ንዕበ።... ጐይታ የሰንየና። ብሓጐስ ንቕድሚት ንገስግስ!" ክብሉ ስብከቶም ዛዚሞም።

መዛዘሚ መሥዋዕተ ቅዳሴ ስሩዕ መበል 16 ሓፈሻዊ ሲኖዶስ ጳጳሳት
30 October 2023, 16:34