ድለ

2023.10.25 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንቤተ ክርስቲያን ከም ኣማኒ ህዝቢ ኣምላኽ ክሓስባ ባህ ይብለኒ 2023.10.25 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንቤተ ክርስቲያን ከም ኣማኒ ህዝቢ ኣምላኽ ክሓስባ ባህ ይብለኒ  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንቤተ ክርስቲያን ከም ኣማኒ ህዝቢ ኣምላኽ ክሓስባ ባህ ይብለኒ

ኣገልገልቲ ኣብ ኣገልግሎቶም ኣዚዮም ርሒቖም ንህዝቢ እግዚኣብሔር ክጋፍዑ እንከለዉ ብኣነነትን ብምልካዊ ኣተሓሳስባ ወጅሂ ቤተ ክርስትያ የበላሽዉ (ናይ ቅድስቲ ሊልያና ፍራንኮ ምትእትታው ምዝካር እኹል እዩ)።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 25 ጥቅምቲ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ መኽፈቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ኣብ ዘስሞዎ መደረ ‘ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምእማን ዘይጋገ ህዝበ እግዚኣብሔር’ ዝብል መግለጺኣ ከም ዘጉልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

 ቤተ ክርስቲያን ከም ኣማኒ ህዝቢ ኣምላኽ ቅዱስን ሓጥእን ብሓይሊ ብጽዕና ወንጌል ማቴዎስ ምዕ. 25 ዝተጸውዐን ዝተኣከበን ህዝቢ ጌረ ክሓስባ ባህ ይብለኒ።

ኢየሱስ ንቤተ ክርስቲያኑ ካብ ናይ ዘመኑ ፖለቲካዊ ውዲታት ካብ ፈሪሳውያን ሰዱቓውያን ተጋውያን ቀናኣውያን ውጥናት ኣይወሰደን ‘ዕጹው ማሕበርነት’ የሎን። ናይ እስራኤል ትውፊት እዩ ዝወሰደ። “ንስኻትኩም ህብዘይ ክትኮኑ ኣነ ድማ ኣምላኽኩም ክኸውን እየ” ዝብል እዩ ዝወሰደ። ንቤተ ክርስቲያን እዚ ኣብ ቅድሚ ጎይታ (ኣማኒ ህዝቢ ኣምላኽ) ዚመላለስ ተራን ትሑትን ህዝቢ ጌረ ክሓስባ ባህ ይብለኒ። እዚ ሃይማኖታዊ ትርጉም ኣማኒ ህዝብና እዩ። ኣነ ድማ ኣማኒ ሰባት ዝብል ዘለኹ በቲ ብዙሕ ስነ ሓሳባዊ ኣቀራርባን ውዲታትን ክውንነት ህዝቢ ኣምላኽ “ዘጉድል” ንኸይንወድቕ እዩ። ብቐሊሉ ኣማንያን ሰባት ወይ ውን “ቅዱስ ኣማኒ ህዝቢ ኣምላኽ” ኣብ መገዲ ቅድስናን ሓጢትን ዘሎ። እዚኣ እያ ቤተ ክርስቲያን።

ሓደ ካብ ባህርያት ናይዚ ኣማኒ ህዝቢ ዘይጋገ ምዃኑ፡ እዚ ድማ ኣብ ‘In Credendo falli nequit - ኣብ ምእማን ዘይፈሽል ወይ ዘይጋገ (ብርሃነ ኣህዛብ ቍ.9) እንክብል ኣብ ምእማን ዘይጋገ ምዃኑ የረጋግጸልና። ኣነ ድማ ከምዚ እንክብል ይገልጾ፥ “ቅድስቲ ኣኖ ቤተ ክርስቲያን እንታይ ከም እትኣምን ክትፈልጡ ምስ እትደልዩ ናብ ስልጣናዊ ትምህርቲ ኪዱ፡ ምኽንያቱ ንሳ ክትምህረኩም ሓላፍነት ዘለዋ ስለ ዝኾነት፡ ቤተ ክርስቲያን ከመይ ከም እትኣምን ክትፈልጥ ምስ እትደሊ ግና ናብ ኣማኒ ህዝቢ ኪድ።”

ሓደ ምስሊ ኣብ ኣእምሮይ ይመጽእ፥ እቲ ኣማኒ ህዝቢ ኣብ ኣፍደገ ካቴድራል ኤፈሶን ዝተኣከበ። እቲ ዛንታ ወይ ኣፈ ታሪኽ ከም ዝሕብሮ እቶም ህዝቢ ብኽልተ ሸነኽ ደው ይብሉ እቲ ጳጳስ ድማ ብማእከል እቲ ብየማንን ብጸጋምን ደው ዝበለ ህዝቢ ይሓልፍ “ቤተ ክርስቲያን ኣደ እምላኽ” እናበለ ድማ ይጭርሕ ንሃይራርቂ ድና ነዚ ናይ እምነት ሃምነነ ቢሉ ክውጆ ይሓትቱ፡ እቲ ጳጳስ ዝእውጆ ሃምነነ ድማ ህዝቢ ኣምላኽ ዝውንኖ ዝነበረ ሓቂ እዩ። እዚ ታሪኽ ድዩ ወይ ኣፈ ታሪኽ ምዃኑ ኣይፈልጥን እቲ ምስሊ ግን ቅኑዕ እዩ።

እቲ ኣማኒ ህዝቢ ቅዱስን ኣማኒ ህዝቢ እግዚኣብሔር ነፍሲ ኣለዎ። ብዛዕባ ነፍሲ ናይ ሓደ ህዝቢ እግዚኣብሔር ክንዛረብ ስለ እንኽል፡ ብዛዕባ ክውንነት ዝረኣየሉ ኣገባብ ብዛዕባ ሕልና ክንዛረብ ንኽእል። እማኒ ህዝብና ክብሩ ይፈልጥ፡ ደቁ የጠመቕ ንዝሞቱ ድማ ሓመድ ኣዳም የልብስ።

ንሕና ኣባላት ስርዓተ መሰረት ካብቲ ህዝቢ ኢና እንመጽእ እሞ እምነት ናይ ዝህቢ ኢና ዝተቐበልና። ብሓፈሻ ካብ ኣዴታትና ኣደ ዓባይናን . . . ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ‘ኣዴኻን ኣደ ዓባይካን’ ከም ዝበሎ። ነዚ እምነት እዚ ብኣንስታዊ ላህጃ ዝተመሓላለፈ ምዃኑ የመላኽት። ከምታ ኣደ መቃባውያን እምነት ንደቃ ብላህጃ እተመሓላልፎ ዝነበረት። ኣብዚ ድማ ኣብ መንጎ ቅዱስን ኣማንን ህዝቢ ኣምላኽ እቲ እምነት ብላህጃ መብዛሕቲኡ ግዜ ድማ ብላህጃ ኣንስታይ ከም ዝመሓላለፍ ከስምረሉ እፈቱ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ቤተ ክርስቲያን ኣደ ስለ ዝኾነትን ብልክዕ ደቂ ኣንስትዮ እየን ብዝበለጸ ዘንጸባርቓኣን ጥራይ ዘይኮነስ (ቤተ ክርስቲያን ጓለ ኣንስተይቲ እያ) ግን ከኣ ክጽበያ ዝፈልጣ፡ ጸጋታት ቤተ ክርስቲያን ናይ ኣማኒ ህዝቢ ከመይ ገይረን ከም ዝረኸባን ዘለልያን ዝፈልጣ ምናልባት ብፍርሒ ግን ከኣ ብትብዓትን ብብርሃንን ኪኖ ደረት ሓደጋ ዘለልያ ደቂ ኣንስትዮ ስለ ዝኾና እውን እዩ። ከምኡ እውን ብጸሎት ናይ ሓንቲ ትጅምር ዘላ መዓልቲ ገለ ህይወት ክህሉ ይኽል እዩ ዝብል ገምሪ ሒዘን ናብ መቓብር ይቐርባ።

ጓለ ኣንስተይትን ናይ ቅዱስን ኣማንን ህዝቢ ኣምላኽ ቤተ ክርስቲያን ነጸብራቕ እያ። ቤተ ክርስቲያን ጓል ኣንስተይኒ ሰበይቲ ኣደ እያ!

ኣገልገልቲ ኣብ ኣገልግሎቶም ኣዚዮም ርሒቖም ንህዝቢ እግዚኣብሔር ክጋፍዑ እንከለዉ ብኣነነትን ብምልካዊ ኣተሓሳስባ ወጅሂ ቤተ ክርስትያ የበላሽዉ (ናይ ቅድስቲ ሊልያና ፍራንኮ ምትእትታው ምዝካር እኹል እዩ)። ኣብ ገለ ኣቢያተ ጽሕፈት ሰበኻታት “ዝርዝር ዋጋታት” ናይ ቅዱሳት ምስጢራት ኣገልግሎት በገባብ መሸጣ ተጻሒፉ ክትርኢ መሪር እዩ። ወይ ቤተ ክርስቲያን ኣብ መገዲ ዘሎ ኣማኒ ህዝቢ እግዚኣብሔር ቅዱስን ሓጥኣንን ወይ ድማ ኣብ መወዳእታ ዝተፈላለየ ኣገልግሎት ዝህብ ትካል ኮይና ኣያ እትተርፍ። ጓሶት ነዚ ካልኣይ መገዲ ክስዕቡ እንከለዉ ድማ ቤተ ክርስቲያን መሸጣ ድሕነት ትኸውን እሞ ካህናት ድማ ሰራሕተይናታት ናይ ሓደ ብዙሕ ሃገራት ናይ ዝሓቁፍ ትካል ማሕበርነት ጥራይ ትኸውን። እዚ እዩ እቲ ናብቲ ስዕረት ዝኾነ ቄስስነት ዝመርሓና። እዚ ድማ ኣዚዩ ዘሕዝንን ዘሕፍርን እዩ . . .

ቈሲስነት መግረፍትን መዓትን ንገጽ መርዓት ጎይታ ዘርክስን ዝጎድእን መልክዕ ናይ ዓለም ምዃን እዩ፡ ንቅዱስ ኣማኒ ህዝቢ እግዚኣብሔር ጊልያዊት ዝገብሮም እዩ።

ህዝቢ እግዚኣብሔር ቅዱስን ኣማንን ንዕቀትን ግፍዕን ምግላልን ዘስዕብ ቄስስነት ድማ ብትዕግስትን ብትሕትናን ጸይሮም ንቕድሚት ይኸዱ። ከምኡ እውን በቲ ስርዓተ ቈሲሳውነት ተደሪኾም ብዛዕባ መሳፍንቲ ቤተ ክርስቲያን ወይ ብዛዕባ ዕብየት መንበር ጵጵስና ከም ሞያዊ ምዕባለ ምዝራብ ድማ ባህርያዊ ይኸውን! እዚ ዘርዕድ ናይ ዓለም ምዃን ንቅዱስን ኣማንን ህዝቢ ኣምላኽ ዘሕዝን ዘጋፍዕን እዩ።

26 October 2023, 16:41