ድለ

TOPSHOT-MEXICO-HURRICANE-OTIS-AFTERMATH TOPSHOT-MEXICO-HURRICANE-OTIS-AFTERMATH  (AFP or licensors)

ር. ሊ. ጳ. ምእንቲ ግዳያት ህቦብላ ንፋስ ኦቲስ ዝዀኑ ሰባት ጸሎት ኣዕሪጎም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንህዝቢ መክሲኮ ነቶም ህቦብላ ንፋስ ኦቲስ ብዘስዓቦ ዕንወት ንዝተጠቕዑ ወገናት አምላኽ መዋጽኦ ክፈጥረሎም ጸሎት አዕሪጎም አብ ጐኖም ምህላዎም ውን ገሊጾም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አብ ንኣውራጃ ኣካፑልኮ መክሲኮ ህቦብላ ንፋስ ካብ ዝወቕዖ አትሒዞም ነቶም ህይወቶም ዝሰአኑ ትሽዓተ ሰባትን እቲ ህቦብላ ብዜስዕቦ ኣዕናዊ ሓደጋ ዝሳቐዩ ንዘለዉ ህዝቢ መክሲኮን ብምጽላይ አብ ጐኖም ምህላዎም አረጋጊጾምሎም።

ቅዱስ አቦና ነቶም ትማሊ ሰንበት ዕለት 29 ጥቅምቲ ንጸሎት መልአከ እግዚአብሔር አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቦም ዝነበሩ ምእመናን አብ ዘስምዕዎ ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን "ምስቶም ብብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ እተሃስዩ ኣብ ኣካፑልኮ ዝነበሩ ሰባት ቅርበት ከም ዘለዎምን አብ ጸሎቶም ከም ዝዝክርዎምን" ገለጹ።

"ምእንቲ እቶም ግዳያትን ምእንቲ ኣባላት ስድራቤቶምን ከምኡውን ምእንቲ እቶም ጕድኣት ዝወረዶም እጽሊ አሎኹ" ድማ በሉ። ኣብ መደምደምታ ንቅድስተ ማርያም ዘጓዳሉፕ ኣብዚ ኣጸጋሚ እዋን እዚ አብ ጐድኖም ክትከውን ብምምሕጻን ጸሎቶም ዛዚሞም ።

30 October 2023, 16:49