ድለ

Humanitarian aid bound for Palestinians in Gaza passes through Rafah crossing Humanitarian aid bound for Palestinians in Gaza passes through Rafah crossing  (ANSA)

ር. ሊ. ጳ. ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ክፍትሑን ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ጋዛ ኺኣቱ ጻውዒት አቕረቡ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘልዉ እራኤላውያን ነጻ ክወጹን ሰብአዊ ረድኤት ናብ ጋዛ ኽበጽሕ መንገድታት ክኽፈቱ ዘቕረብዎ ምሕጽንታ ዳግም አሐደስዎ፣ ኵሎም ምዕመናን ዝመጽእ ዘሎ ዓርቢ 27 ጥቅምቲ ምእንቲ ሰላም ክምህለሉ ጻውኢት አቕሪቦም

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

"እቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ሰባት ናጻ ንኽወጹን ግብረ-ሰናይ ናብ ጋዛ ንኽኣቱን አተባብዕ አሎኹ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ በዘን ቃላት እዚኣተን ገይሮም ብዛዕባ እቲ አብታ ቅድስቲ መሬት አጋጢሙ ዘሎ ሰብአዊ ቅልውላው ጻውዒት ኣቕረቡ። ነቲ ጻውዒት እዚ አብቲ ሎሚ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ አስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ድሕሪ ምቕራቦም ንተዛረብቲ ቛንቋ ጣልያን አብ ዝለገስዎ ቃል ምሕጽንታ ዘቕረብዎ ኢዩ ዝነበረ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ንእስራኤላውያን ኣብ ኢድ ጉጅለ ሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ናጻ ንኽወጹን ናብታ ብወተሃደራት ተኸቢባ ዘላ ጋዛ ሰብአዊ ረድኤት ንኽኣቱ መንገድታት ክኽፈት ምሕጽንታ እንከቕርቡ "ኵሉ ሳዕ ብዛዕባ እቲ ኣብ ፍልስጥኤምን እስራኤልን ዘሎ ኸቢድ ኵነታት ብዙሕ ኢዩ ዘተሓሳስበኒ " በሉ ።

አብቲ ምእንቲ ሰላም ዝዓርግ ጸሎት ንሕበር

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ምእንቲ እቶም ዚሳቐዩን ዘልዉን ምእንቲ እቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ዩክረይንን ከምኡውን ኣብ ካልእ ዞባታት ብውግእ ዝተጐድኡ  ሰላም ምእንቲ ኪረኽቡ ተስፋ ብምግባር" ጸሎት ይቕጽሉ ከም ዘልዉ ገለጹ።

ቅዱስነቶም ንምእመናን አብዚ ዝመጽእ ዘሎ መዓልታት ጾምን ጸሎትን ምእንቲ ሰላም ምስኦም ክሓብሩ ዓደምዎም።

"ጽባሕ ዓርቢ 27 ጥቅምቲ  መዓልቲ ጾምን ጸሎትን ንስሓን ከም ዝኸውን ንዅሎም አዘኻኸርዎም ከምዚ ድማ በሉ፦  ሰዓት 6 ናይ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዓለም ሰላም ምእትንቲ ክሰፍን ፍሉይ መደብ ጸሎትን ምህለላን ክካየድ ኢዩ ።

ዝሓለፈ ሰሙን ወተሃደራት ሓማስ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ኣብ ዝርከባ ኸተማታት መጥቃዕቲ ድሕሪ ምክያዶም ልዕሊ 1,400 ሰባት ድሕሪ ምቕታሎም ውግእ ተኽሲቱ ይርከብ አሎ። እዚ ኩነታት እዚ ካብ ልዕሊ ሰለስተ ሰሙን ከይሓልፍን ንኸይላባዕን ጻዕሪ ኽገብሩ ኸም ዝሓሰቡ መራሕቲ ዓለም  ይገልጹ አለዉ ።

ከም ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካናዳ ሩስያ ከምኡውን ሓያሎ ሃገራት ኣዕራብ ዝኣመሰላ ነቶም ተዓጊቶም ዘለዉ ሰላማውያን ፍልስጥኤማውያን ሰብኣዊ ረድኤት ንምሃብ ነቲ ኣብ ግዝኣት ጋዛ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ዝግበር ውግእ ደው ንምባል ወይ ተኹሲ ንምቁራጽ ይጽዕራ ኣለዋ ።

ሰሉስ ኣጋ ምሸት ማይን ምግብን መድሃኒትን ዘለወን ሸሞንተ ዓበይቲ ማካይን ካብ ግብጺ ናብ ጋዛ ከም ዝአተዋ ዝዝከር ኢዩ ። ካብ ዝሓለፈ ረቡዕ ጀሚራ እስራኤል ነቲ ናብ ጋዛ ዚበጽሕ ሓድሽ መስኖታት ነዳዲ ደው ከም ተብሉ ከተጠንቅቕ ከም ዘላን ዜና ቫቲካን የመላኽት።

25 October 2023, 17:23