ድለ

A view of the remains of a mosque and houses destroyed by Israeli strikes in the central Gaza Strip A view of the remains of a mosque and houses destroyed by Israeli strikes in the central Gaza Strip 

ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ቕድስቲ መሬት ዝካየድ ዘሎ ውግእ ደው ኬብልዎ ጻውዒት ኣቕሪቦም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብታ ቕድስቲ መሬት ብፍላይ ከኣ ኣብታ ሰብአዊ ዕንወት ዝፍጸመላ ዘሎ ጋዛ ዝፍጸም ዘሎ ዓመጻ መወዳእታ ኽግበረሉ ከምኡ ውን ጉጅለ ሓማስ ጅሆ ዝሓዞም እስራኤላውያን ክፍትሑን ጸሎት አዕሪጎም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብታ ቅድስቲ መሬት ውግእ ደው ክብል ጻውዒት ኣቕሪቦም ። ቅዱስነቶም ነቶም ትማሊ ሰንበት ንጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር አብ  ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቦም ዝነበሩ ምእመናን አብ ዘስምዕዎ ቃል ምሕጽንታ "ጸልዩ! ቀጽሉ ኣይተቋርጹ ... ብዛዕባ እቲ ኣብ ፍልስጥኤምን እስራኤልን ዘሎ ኸቢድ ኵነታት ካብ ምጽላይ አይትድከሙ። ብፍላይ ከኣ ሰብአዊ ረድኤት ናብ ጋዛ ኽኣቱን ኵሎም እቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ናጻ ኽውጽኡን ጸልዩ” ክብሉ ምሕጽንታ አቕረቡሎም ።

ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ኣብ ጋዛ ዘሎ ዅነታት እናገደደ ይኸይድ አሎ ። ጉጅለ ሓማስ ኣብ እስራኤል ናይ ቅትለት መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ ካብ 7 ጥቅምቲ ኣትሒዙ ልዕሊ 7,200 ሰባት ከም ዝሞቱ ተረጋጊጹ አሎ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "እቲ ውግእ ደው ይበል" እንክብሉ ደጋጊሞም ጻውዒት ካብ ምቕራብ አይደኸሙን ዘለዉ ። "ውግእ ወትሩ ስዕረት እዩ፣" ድማ በሉ።

"ዋላ ሓደ ሰብ እኳ ነቲ ድምጺ ኣጽዋር ጸጥ ንምባል ዘሎ ተኽእሎታት ካብ ምድላይ አይድከም” ክብሉ ምሕጽንታ አቕረቡ።

30 October 2023, 16:51