ድለ

ር. ሊ. ጳ. ፦ ካብቲ ኣምላኽ ንዓና ዘለዎ ፍቕሪ ንመሃር

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ቅድሚ ጸሎት መልአከ እግዚአብሔር ምድጋሞም፣ ብዛዕባ እቲ ኢየሱስ ዝሃቦ ዓቢይ ትእዛዝ እንከስተንትኑ፣ "ንኣምላኽ ብምርኻብን ንፍቕሩ ኢድና ብምሃብን ጥራይ ኢና ብሓቂ ከነፍቅር እንኽእል " በሉ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ሰንበት ዕለት 29 ጥቅምቲ ቅድሚ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ዘስምዕዎ አስተንትኖ ቃል አምላኽ፣  ብዛዕባ እታ አብ ናይ ዕለቱ ንባብ ወንጌል ቀንዲ ቦታ ዝሓዘት "ዓባይ ትእዛዝ" (ማቴ 22 34-40) ኣስተንቲኖም ።

ኢየሱስ ካብተን ትእዛዛት ኣየነይቲ ዝዓበየት ምዃና ምስ ተሓተተ "ንእግዚአብሔር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻ ኣፍቅሮ (...) (...) ንብጻይካ ድማ ከም ከም ነፍስኻ ጌርካ አፍቅር" ቢሉ መለሰ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዘስምዕዎ አስተምህሮ ኣብ ክልተ መዳያት ናይዛ ጥቕሲ አተኵሮም አስተንተኑ፣ እዚ ኸኣ ቀዳማይ ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ብቐዳምነት ጠቒሶም፣ እታ ካልኣይቲ ከኣ ኣብ መንጎ ፍቕሪ ኣምላኽን ፍቕሪ ብጻይን ዘሎ ዝምድና ድማ አረድኡ ።

ምፍቃር ምልምማድ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ንጐይታ ክህልወና ዘለዎ ፍቕሪ ቐዳምነት ዝግብአ ከም ምዃኑ ወትሩ ብፍቕሪ አምላኽ ከም ዝቕድመና ኢዩ ዘዘኻኽረና፣ እዚ ድማ በቲ መወዳእታ ዘይብሉ ለውሃቱ ኸም ዚጽበየና ውን ኢዩ ዘመልክተልና " ብምባል ስብከቶም ቀጸሉ ።

ስለዚ ከምቲ ውሉድ በታ ወለዶም ዘርእይዎም ፍቕሪ ገይሮም ምፍቃር ዝማሃሩ፣ ንሕናውን በታ ኣምላኽ ንዓና ዘላቶ ፍቕሪ ኣቢልና ምፍቃር ክንመሃር ንኽእል ኢና ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አስዒቦም ቅዱስ ጳውሎስ "ፍቕሪ ክርስቶስ ንሰባት ናብ ፍቕሪ አቢሉ ዚመርሕ ሓይሊ ኣለዎ " ኢሉ ኺጽሕፍ ከሎ ከምዚ ማለቱ ምዃኑ ገለጹ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ብሓቂ ኸነፍቅር እንኽእል ምስኡ ብምርኻብን ንፍቕሩ ኢድና ብምሃብን ጥራይ ኢና ። ስለዚ ኣይንቃወሞ መዓልቲ መዓልቲ ልብና ንጐይታ ንኽፈት ፣" ክብሉ መዓዱ።

ፍቕሪ ኣምላኽ ምንጽብራቕ

ቀጺሎም ቅዱስነቶም ነቲ ኻልኣይ መዳይ ናይቲ ትእዛዝ እንከስተንትኑ ኣብ መንጎ ፍቕሪ ኣምላኽን ፍቕሪ ብጻይን ዘሎ ዝምድና አመልከቱ ።

"ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ብምፍቃር ከም መስትያት ንፍቕሪ ኣቦ ኢና እነንጸባርቕ ። ፍቕሪ ኣምላኽ ንምንጽብራቕ ነቲ ዘይንርእዮ አምላኽ በቶም ብጾትና ጌርና እንርእዮ አምላኽ ከም እነፍቅሮ እነንጸባርቕሉ ኩንት ኢዩ። "

ከምዚ ዓይነት ፍቕሪ ኺህልወና ዚኽእል ብኸመይ እዩ ? ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ከምቲ ኣምላኽ ኣባና ዝገበሮ "ቀዳማይ ስጕምቲ" አብ ምፍቃር አሕዋትናን ኣሓትናን ምስ እንወስድ ኢዩ ። ኣስዒቦም ድማ "ሓድሓደ እዋን ቐዳማይ ስጕምቲ ምውሳድን ንነገራት ምርሳዕን ቀሊል እኳ እንተ ዘይኰነ ከማኡ ክንገብር አሎና" በሉ።

መደምደምታ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አብ መደምደምታ ስብከቶም ንግላዊ አስተንትኖ ዝኸውን ገለ ሕቶታት አቕሪቦም ።

"እስከ ንርእስና ንሕተት ቅድም ንጐይታ ስለ ዘፍቅረኒ አመስግኖ ድየ? ፍቕሪ ኣምላኽ ይስምዓኒ ድዩ ? ፍቕሩ ኸንጸባርቕ እጽዕር ድየ ? ንኣሕዋተይን ንኣሓተይን ከፍቅሮም ከ እጽዕር ድየ?"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ መወዳእታ "ድንግል ማርያም ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ነታ ዓባይ ትእዛዝ ፍቕሪ ማለት ንኸነፍቅርን ብኣምላኽ ንኽንፍቀርን ትሓግዘና" እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።

30 October 2023, 16:40