ድለ

“ብዝሓ-ጎናውነት ካብ ታሕቲ” ንምምካት ለውጢ ከባቢ ኣየርን ካልእን ዝዓለመ እዩ “ብዝሓ-ጎናውነት ካብ ታሕቲ” ንምምካት ለውጢ ከባቢ ኣየርን ካልእን ዝዓለመ እዩ  ርእሰ ዓንቀጽ

“ብዝሓ-ጎናውነት ካብ ታሕቲ” ንምምካት ለውጢ ከባቢ ኣየርን ካልእን ዝዓለመ እዩ

ጳጳስ ሮማ ኣብ ምዕዳኖም፡ ብዝሓ-ጎናውነት ከም "ዘይተርፍ መስርሕ"፡ "ብዝሓ-ጎናውነት ‘ካብ ታሕቲ’ እምበር ብፍልዩት ስልጣን ዝውሰን ጥራይ ኣይኮነን" ኢሎም ይእምቱ። "ኣገዳስነቶም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ" ሓደስቲ ዝቕልቀሉ ሓይልታት ጠቓምነቶም ብምግንዛብ። ነዚ ሓድሽ ብዙሕነታዊ ምትእስሳር ንምዕዋት፡ ንመስርሕ ውሳነ ሓድሽ "ዘተ፡ ምምኽኻር፡ ምሽምጋል ምፍታሕ ግርጭታት፡ ክትትልን ብሓጺሩ ድማ ሓደ ዓይነት ዝዓበየ "ሓሳብካ ንምግላጽን ፍልልያት ንምሕቋፍን ዲሞክራስያውንት" ኣብ ዓለማዊ ዓውዲ ዝብል ዘጠቓልልን ኣገባባት የድሊ።"

ናይ ዜና ቫቲካንን ከምኡ እውን ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካን ዋና ኣሰናዳኢ ኣድረያ ቶርኔየሊ እታ ሎሚ ወግዓዊ ዝኾነት ር.ሊ.ጳ. ኣብታ ኣብ 2015 ዓመተ ምህረት ዕለት 4 ቅምቲ ወግዓዊ ዝገበርዋ “ስብሃት ሎቱ” ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም “Laudate Deum - ይሴባሕ እግዚኣብሔር” ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ሎሚ ዕለት 4 ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. ወግዓዊ ኣብ ዝኾነት ሓዋርያዊ ምዕዳን፡ ቃል ኪዳን ከኽብሩ ዝኽእሉ ሰበ-ስልጣን ዓለም ኣገዳስነቶምን፡ ከምኡ’ውን ብወገን ኩሉ ተሳትፎ ከምዘድሊ ከም ዘጉልሑ ኣብ ዘውጽእዎ ርእሰ ዓንቀጽ የመላኽቱ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ Laudate Deum - ሰብሕዎ ለእግዚኣብሔር” ዝብል ብዘቕረብዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ነቲ ቅድሚ ሸሞንተ ዓመት ዝተሓትመ Laudato si’ - ሰብሃት ሎቱ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ዓዋዲት መልእኽቲ ከነጽሩን ንኸዛዝሙን ኣሚቶም ጥራት ኣይኮነን።

ከምኡ’ውን እዚ ሓድሽ ሰነድ፡ ካብ ናይ ቀረባ እዋን ስነ ፍልጠታዊ ጽሑፋት ዝተወስደ ጸብጻባትን ጭብጥታት ብኣሓዝ ዘቕርብ ሓቅታትን ዝመልአ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ዝገደደ ሳዕቤናት ለውጢ ከባቢ ኣየርን ካልእ መዓታዊ ስግኣት ጽን ካብ ምባል ኪኖ የብሉ፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ ዱባይ ዝተኻየአ ዓለም ሓቆፍ መበል 28 ዛዕባ ለውጢ ከባቢ ኣየር  ነቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ኩነታት ክልውጦ ኣዩ ኣብ ዝብል ተዋሂብዎ ዝነበረ ግምት ዝደንጎየ ምዃኑ የመላኽቱ።

ሰብሕዎ ለእግዚኣብሔር ካልእ ብዙሕ ዝሓዘ ኮይኑ፡ ኣብታ ንድኽመት ኣህጉራዊ ፖለቲካ ዝተወፈየት ምዕራፍ ድማ ኣብ ሓደ ናይ ዘመንና መዓት ኣጻብዕቲ ኣንቢራ ኣላ፡ ማለት ነቲ ዝተዋህበ ቃል ኪዳን ከኽብሩን ዝካየዱ ክትዓት ክፈትሑን ዝኽእሉ ልዕለ ሃገራዊ ትካላትን ውድባትን ዘይምህላዎም የመላኽቱ። እዞም ተካኢ ጴጥሮስ ኣብ ትሕዝቶ ቅልውላው ከባቢ ኣየርን ብጭቡጥ ስነ - ምህዳር ምልዋጥ ኣቢልካ ጎዳኢ ልቀት ምንካይ ከምዘድሊ ኣብ ዓውዲ ዘቐምጦም ምልክታት ኮይኖም፡ ምስ ምክልኻል ፍጥረት ብዝተኣሳሰር ጥራይ ዘይኮነስ ንመጻኢና ዝምልከቱ እዮም። ብሓቂ ንካልእ መዳያት እውን ዝምልከቱ እዮም፣ ናይ ኲናት ጥራይ ሕሰብ ነብል፣ ወይ ድማ ብዝያዳ ኣብዚ ልክዕ ህሞት ኣብ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ብዙሕ ውግኣት፣ ፍራንቸስኮ ብተደጋጋሚ "እናተበታተኸ ዝካየድ ሳልሳይ ኲናት ዓለም" ኢሎም ዝገልጽዎ ቁንጣሮ መንፈሳዊ ቅንስል እዩ"።"

እዚ ድማ ብዙሓት ማሕበራትን ትካላትን በርገሳውያን ማሕበራትን ዝፍጽምዎ ስራሕ ኣፍልጦ ምሃብን ብግቡእ ዋጋ ምሃብን፣ ድኽመታት ማሕበረሰብ ዓለም ምኽሓስ ዘጠቓልል እዩ።

ኣብዚ መዳይ እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ምፍራይን ኣጠቓቕማን ጸረ-ሰብ ነተጉቲ መወዳእታ ንምግባር ዝዓለመ መስርሕ ኦታዋ "በርገሳዊ ማሕበረሰብ ምስ ውዳበታቱ ከመይ ጌሩ ኣድማዒ ንጥፈታት ክፈጥር ከም ዝኽእል ዘርኢ ኣብነት" ክብሉ ምጥቃሶም ኣገዳሲ እዩ። ሕቡራት ሃገራት ንበይኑ ኣይክእልን እዩ።”

በዚ ኸኣ ጳጳስ ሮማ ኣብ ምዕዳኖም፡ ብዝሓ-ጎናውነት ከም "ዘይተርፍ መስርሕ"፡ "ብዝሓ-ጎናውነት ‘ካብ ታሕቲ’ እምበር ብፍልዩት ስልጣን ዝውሰን ጥራይ ኣይኮነን" ኢሎም ይእምቱ። "ኣገዳስነቶም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ" ሓደስቲ ዝቕልቀሉ ሓይልታት ጠቓምነቶም ብምግንዛብ። ነዚ ሓድሽ ብዙሕነታዊ ምትእስሳር ንምዕዋት፡ ንመስርሕ ውሳነ ሓድሽ "ዘተ፡ ምምኽኻር፡ ምሽምጋል ምፍታሕ ግርጭታት፡ ክትትልን ብሓጺሩ ድማ ሓደ ዓይነት ዝዓበየ "ሓሳብካ ንምግላጽን ፍልልያት ንምሕቋፍን ዲሞክራስያውንት" ኣብ ዓለማዊ ዓውዲ ዝብል ዘጠቓልልን ኣገባባት የድሊ።"

ምኽንያቱ፡ ፍራንሲስ "ድሕሪ ደጊም ንመሰል ኩሎም ከይተመልከተ መሰላት እቶም ዝሓየሉ ዝዕቅቡ ትካላት ምድጋፍ ጠቓሚ ኣይክኸውንን'ዩ" ክብል ይድምድም። ንቅልውላው ክሊማን ስደትን ንፈትሖ ንኹን፡ ብዛዕባ’ቲ ንዓለምና ደም ዝፈስስ ዘሎ ግጭታት ንዛረብ ዲና ወይስ ኣብ መወዳእታ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ዕንደራ ጥምየትን ጽምእን ምስቲ ዘፍሪ ህሉው ፋይናንሳዊ ቁጠባዊ ስርዓት ንምቕያር ዝብል እማመ ንገጥሞ ኣለና። "ዘይፍትሓውነት "። ኩሎም ንሓድሕዶም ዝተኣሳሰሩ ተርእዮታት፡ ከምቲ ድሮ እቲ encyclical Laudato si’ ብሰፊሑ ዘርኣዮ።

04 October 2023, 16:39