ድለ

2023.10.30 Gruppo di Signore con Don Luigi Ciotti 2023.10.30 Gruppo di Signore con Don Luigi Ciotti  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር. ሊ. ጳ.፦ ነተን ካብ ማፍያ ዝተነጸላ ኣዴታት ብዘርኣይኦ ትብዓት ነአድወን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነተን ካብ እተወደበ ገበን ተነጺለን ዝወጻ ኢጣልያውያን አዴታ ረኪቦም አዘራርብወን፣ ኢየሱስ ወትሩ ኣብ ጐድነን ከም ዘሎ ፈሊጠን ከኣ ከይፈርሃ ጸኒዐን ክብርትዓ ኣተባብዕወን።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ሰኑይ ዕለት 30 ጥቅምቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ነተን አባላት ስድራቤተን አብ ዝተወደበ ገበን ዝነጥፋ ካብኦም ተነጺለን ብምርሓቕ፣ ኣብ መርበብ “ሊበራ” ኣንጻር ማፍያ ክጽንበራ ዝወሰና ጉጅለ ኢጣሊያውያን አዴተ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረብዎን ዜና ቫቲካን ሃቢሩ።

ብ1995 ነዚ ማሕበር እዚ ዝመስረቱ ክቡር ኣባ ሉዊጂ ቺዮቲ ዝተባህሉ ኢጣልያዊ ካህን እውን ኣሰንዮምወን ኢዮም ዝንበሩ ።

እዚ ማሕበር እዚ ኻብ ገበናኛታት ትካላት ዝተመንዝዐ መሬትን ንብረትን ተጠቂሙ ኣብቲ ኸባቢ ናይ ምትሕብባር ውጥናትን ጸረ ዕፀ-ፋርስን ከምኡውን ማሕበረሰብአዊ ማእከላት ንምቛምን ከምኡውን ነቶም ብእተወደበ ገበን እተዓመጹ ኣካልት ዕድል ስራሕ ብምሃብ ዘተባብዕ ማሕበር ኢዩ።

እዚ ማሕበር እዚ ገለ ማሕበረሰብአዊ ውድባትን፣ አካላት ረድኤትን፣ ማሕበራዊ ትካላትን፣ ኣብያተ - ትምህርቲ፣ ከምኡውን ኣብያተ - ክርስትያን ዘጠቓልል ማሕበር ኢዩ ።

በይንኽን ኣይኰንክንን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዝለገስዎ ቃል ሰላምታ ነተን ጕጅለ አዴታት ማሕበር፣ ጐይታና ኢየሱስ ኣብ ጐነን ከም ዘሎን ከም ዝድግፈርንን  ፈሊጥን ብዘይ ፍርሂ ኣብ ምርጫአን ኪጸንዓ ኣተባብዕወን ። "ንስኻትክን በንኽን ኣይኰንክንን" ድማ በልወን።

ኣብ መንጎ ደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ ከምቶም ፍጹማት ዘይኮኑ ሰብኡት ኣንስቲ ውን ከም ዝነበራ አዘኻኸርወን ። ንሳተን ይብሉ ቅዱስነቶም "ብህይወት እተፈተና ኣንስቲ እየን ዝነበራ፣ ገለገለ እኳ ዳእ ብዲያቢሎስ ዝተታሕዛ  እየን ዝንበራ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም እውን ኢየሱስ ነዘን ኣንስቲ እዚኣተን "ብድንጋጸን ብለውሃትን" ሓንጐፋይ ኢሉ ተቐቢልወን እዩ። ንሳተን ድማ "ምስኡ በታ መገዲ ሓርነት ተመላለሳ።"

"ሓደ ሰብ ምስ ጐይታ እና ተጓዕዘ፣ አሰር አሰሩ እና ሰዓበ፣ ብግድን በታ ብመንገዲ ብመስቀል እትሓልፍን ናብ ትንሳኤ እትወስድን መንገዲ ደአ እምበር ብጥንቈላ ሓራ ክኸውን ይክእልን ኢዩ።"

ኢየሱስ ኣብ መገዲ ህይወት ዕለት ዕለት ምሳና ይጕዓዝ

ስለዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነተን ጕጅለ አዴታት ወትሩ ንእሽቶ ወንጌል አብ ኢደን ሒዘን ክኸዳ መኸርወን ። "ህድእ ኢልክን ነንመዓልቱ ሓንቲ ጥቕሲ ኣንብባ እሞ፣ ኣብ መንጎ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ምስኡ ኸም ትጕዓዛ ዘሎኽን ጌርክን ሕሰባ።"

ብሓቂ ድማ ልክዕ ከምኡ ኢዩ ዝነበረ እንክብሉ ቅዱስነቶም "ኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታና ዕለት ዕለት ኣብ መገዲ ህይወትና ምሳና ይጕዓዝ እዩ። መስቀሉ ንመስቀልና ትርጕም ይህቦ ትንሳኤኡ ኸኣ ምንጪ ተስፋና እዩ።" ክብሉ አተባብዕወን።

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነዘን ጕጅለ አዴታት ስለቲ ዝገበርኦ ምብጻሕ ኣመስገንወን ምእንታአንን ምእንቲ እቶም ዜፍቅራኦም ሰባትን ብፍላይ ከኣ ምእንቲ ደቀን ኪጽልዩ ምዃኖም ብምርግጋጽ ከም ዘሰንይወን ገለጹለን ።

"ጐይታ ይባርኽክን እመቤትና ውን አብ ጽላላ ተዕቁብክን" ኢሎም ድማ ባረኽወን።

ማሕበር "ሊቤራ"

ኣብዚ እዋን እዚ "ማሕበር ሊቤራ" ኣብ መላእ ኢጣልያ ልዕሊ 270 በብከባቢኡ ዝርከባ ዝተፈላለያ ማሕበራት ብመርበብ ተጠርኒፈን ዝሰርሓሉ ዓቢይ ምንቅስቓስ ኢዩ።

ዓለም ለኻዊ ጨንፈር ናይዚ ምንቅስቓስ ኣብ 35 ሃገራት ኣውሮጳን ኣፍሪቃን ደቡብ ኣመሪካን ዝርከብ ኮይኑ 80 ማሕበራት ዝሓቘፈ ኢዩ ።

31 October 2023, 16:22