ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ግብረ ሰናይ መግለጺ ኣልቦ ርእሰ ፍትወት ዝኾነ ፍቕሪ እዩ!

ናብቲ ቤተ ክርስቲያን ንኻልኦት ዘለዋ ሓልዮት፥ ጭቡጥ መግለጺ ዝኾነ “ቤተ ምሕረት፥ ማእከል ግብረ ሰናይ እናሓሰቡ . . .

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ ከተማ ኡላንባታር ዝተሓንጸ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቤተ ምሕረት እተሰምየ ማእከል ግብረ ሰናይ መሪቖም፥ ነቶም ኣብቲ ማእከል ዘገልግሉን ዝዓዩን ድማ፥ ንዝተጸገሙ ንምሕጋዝ ዘካይድዎ ንጥፈት ናይቲ ነቕ ዘይብል ተወፋይነቶም መግለጺ ምዃኑ ከም ዘመላኸቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም መደረኦም ካብቲ “ጠምየ ዓንገልኩምኒ ጸሚአ ኣስተኹምኒ” ዝብላ ቃላት ኢየሱስ መሰረት ገይሮም ብምብጋስ፥ በዘን ቃላት እዚኣተን ኣቢሉ ጐይታ “ኣብ ዓለም ህላወኡ ንኸነለልይ ዘብቅዓና መዓቀንን ናብቲ ዝለዓለ ሓጎስ ዝኾነ መንግስቲ ንምእታውን ኩነት ይህበና”  ቢሎም፥

ኣብ ሞንጎሊያ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን

ኣስዒቦም፥ እቲ ጥንታዊ ትወፊት ምጽዋትን ግብረ ሰናይን ቤተ ክርስቲያን ኣጉሊሖም፥ ቀዳሞት ማሕበረሰብ  ክርስቲያን ነገልግሎት ዝነበሮም ተወፋይነት ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣዕኑድ ሱታፌን ቅዳስኔን ኣገልግሎትን ምስክርነትን ክትሕነጽ ከም ዝሓገዛ ኣስሚሮም፥ ኣብ ሞንጎሊያ ኣብታ ንእሽቶ ግን ከኣ ህያው ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ከመይ ገይሩ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝዓዪ ኣስተብሂሎም፡ እዚ ነባሪ ክብርታት ሱታፌን ጸሎትን ርእሰ ፍትወት ዘይብሉ ኣገልግሎትን ምስክርነት እምነት ምዃኑ ገሊጾም፥

ቤት ምሕረት

ከምኡ እውን ናብቲ ቤተ ክርስቲያን ንኻልኦት ዘለዋ ሓልዮት፥ ጭቡጥ መግለጺ ዝኾነ “ቤተ ምሕረት፥ ማእከል ግብረ ሰናይ እናሓሰቡ፥ ካብዚ ሱር እዚ ንዝበቖለ ብዙሕ ናይ ግብረ ሰናይ ተገብሶታት ኣፍልጦ ብምሃብ ምስጋናኦም ኣቕሪቦም፥ እቶም ውጥናት ግብረ ሰናይ ካብ ብዙሓት ሃገራት ዝመጹ ተመኮርኦምን ጸጋታቶምን ብፍላይ ድማ ፍቕሮምን ኣብ ኣገልግሎት ዘንብሩ ልኡካነ ወንጌል ኣብ ሕብረተሰብ ሞንጎሊያ ተወፋይነቶም ይቕጽሉ ኣለዉ።” ወለንታዊ ዕዮ ንሃብታማት ጥራይ ዘይኮነስ ንኻልኦት ካብ ፍቕሪ ተበጊሶም ግዜኦምን ጸጋታቶምን ከወፍዩ ዝመርጹ ትሑት ዓቕሚ ናይ ዘለዎም ሰባት ምዃኑ ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ሓሶት ትረኻ ምንጻግ

ቅድም ቀዳድም ሃብታማት ጥራይ እያቶም ኣብ ወለንታዊ ስራሕ ክዋፈሩ ዝኽእሉ ዝብል ናይ ሓሶት ትረኻ ምንጻግ ከም ዘድሊ ኣተሓሳሲቦም፥ ጽቡቕ ንምግባር ሃብታም ምዃኑ ኣየድልን። እንታይ ደኣ ዳርጋ ኩሉ ግዜ ልኡም ዓቕሚ ዘለዎም ሰባት እያቶም ግዜኦም ክእለቶም ከወፍዩ ዝመርጹን ንኻልኦት ንምሕብሓብ ለጋሳት ዝኾኑን።”

ግብረ ሰናይ ፈጺሙ ንግዲ ክኸውን የብሉን

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም፥ “ግብረ ሰናይ ሞያዊ ብቕዓት ይሓትት፥ ይኹን እምበር ናብ ንግዲ ክቕየር የብሉን፡ እንታይ ደኣ እቶም ዝተጸገሙ ሰባት መንን ካበይን ብዘየገድስ ብርህራሄ ክሰምዕዎም ድሉዋት ዝኾኑ ሰባት ዝረኽብሉ ስፍራ እዩ ክኸውን ዘለዎ።” ምስ እዚ ኣተሓሒዞም ቅድስቲ ተረዛ ዘካልኩታ ዘኪሮም፥ “ንሳ ንገንዘባዊ ረብሓ ዘይኮነስ ብፍቕሪ እግዚኣብሔር ዝተበገሰ ንሕሙማት ብምሕብሓብ ናይ ርእሰ ፍትወት ዘይብሉ ፍቕሪ ኣብነት እያ” ቢሎም፥ እዚ ከምዚ ዓይነት ናጻ ፍቕሪ ነቲ ቤተ ምሕረት ድርኺት ክኸውን ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፥

ምእንቲ ርህራሄ ንጸሊ

ኩሉ ሰብ ነቲ ማእከል ግብረ ሰናይን ኣብኡ ንዘገልግሉን ኩሎም ቡራኬኦም ኣቕሪቦም፥ ኩሎም ብኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ኣቢሎም ስሌኦም ክጽልዩ ተላብዮም፡ ዜጋታት ሞንጎሊያ ወለንተናዊ ዕዮ ክሓቑፍን ንሓባራዊ ረብሓ ናይ ርህራሄ ባህሊ ከዕብዩ ተላብዮም መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

04 September 2023, 16:11