ድለ

2023.09.02 Viaggio Apostolico in Mongolia - Incontro Vescovi 2023.09.02 Viaggio Apostolico in Mongolia - Incontro Vescovi  (Vatican Media) ርእሰ ዓንቀጽ

ካብታ አብ ሞንጎልያ እትርከብ 'ንእሽቶ መጓሰ' ዝተረኽበ ንሲኖዶስ ዝኸውን ትምህርቲ

ዋና ኣሰናዳኢ ዜና ቫቲካንን ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካንን አንድረያ ቶርኔሊ ንቃል ምስክርነት ሩፊና ቻሚንጀረል ሰራሕተኛ ሓዋርያዊ ግብረ ተልእኾ መንጎልያ ዝኾነትን፣ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝጠቐስዎ ዓበይቲ ነጥብታትን ትንታኔ ብምሃብ ነቲ ብዛዕባ ሲኖዶሳውነት አብ ቀረባ ዝካየድ ሓፈሻዊ ሲኖዶስ ዓቢይ ትምህርቲ ከም ዝከውን ገሊጹ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ሩፊና ቻሚንጀረል ኢያ እትበሃል፣  ቀዳም 2 መስከረም ኣብቲ ኣብ ካተድራል ኡላንባታር እተገብረ ኣኼባ አብ ቅድሚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብሒደት ቃላት ምስክርነታ ዘቕረበት ሰራሕተኛ ሓዋርያዊ ግብረ ተልእኾ ኢያ ።

ከምዚ ድማ በለት - "ነታ 'ማሕበረሰብ' እትብል ቃል ናብ ቋንቋና ብኸመይ ከም ዝትርጕማ ኣይፈልጥን ኢየ።... ቤተ-ክርስትያንና ኣብዚ ደረጃ እዚ እያ ዘላ፣ ከምቲ ቈልዑ ንወለዶም ብቐጻሊ ብዙሕ ሕቶታት ከም ዝሓትዎም ኢና ንመስል።... ብናተይ ኣረኣእያ ብቛንቋና ብዙሕ መጻሕፍቲ ትምህርተ ክርስቶስ ስለ ዘይብልና ዕድለኛታት ኢና፣ እንተዀነ ግን ህያዋን መጻሕፍቲ ዝኾኑ ብዙሓት ሚስዮናውያን ኣለዉና። ... በዚ ከምዚ ድማ ነቲ ብዛዕባ ሲኖዶሳውነት ዝግበር ሓፈሻዊ ሲኖዶስ እንታይ ውጺት ከም ዘለዎ ክገልጽ እደሊ ። ኣብዚ እዋን ሲኖዶስ ምእመናን ከምኡ ውን ብፍላይ ሰራሕተኛታት ሓዋርያዊ ግብረ ተልእኾ ብዛዕባቲ ሓቀኛ ናይ ቤተክርትያን መንነት ዝሓሸ ርድኢት ከሕድሩ ከምኡውን ብዛዕባ ቁምስናታት ዘለዎም ኣረኣእያ ምሉእ ክኸውን ከም ዘኽእለና እምነት አሎኒ።"

ነቲ አብዚ ቀረባ እዋን ዝካየድ ሓፈሻዊ ንሲኖዶስ፣ እዚ ካብታ "ንእሽቶ መጓሰ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያ" ናይ ሞንጎልያ ቤተክርስትያን እተረኽበ አገዳሲ ዝኾነ መረዳእታ ኢዩ። ዕዮ ናይዚ ሲኖዶስ ከም ዘመላኽቶ ድማ "ነቲ ሓቀይና መንነት ቤተ-ክርስትያን መረዳእታ" ከም እንረክብ ዝገብረና ኢዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ደድሕሪ ናይ ሩፊና ምስክርነት ኣብቲ ንካቶሊካውያን ሞንጎልያ ዘቕረብዎ መደረ "ነዛ ሕብረት እትብል ቃል" ከነጽርዋ ተረኽቡ። ምኽንያቱ "ቤተ-ክርስትያን ብተግባር ወይ ስርሓት ጥራይ ክትርድኣ ኣይከኣልን እዩ።  ኣይፋሉን ቤተ-ክርስትያን ናይ ንግድ ትካል ኣይኰነትን (...) ካልእ መንነት ኢዩ ዘለዋ ።  እታ 'ሕብረት' እትብል ቃል ግና ቤተ-ክርስትያን እንታይ ምዃና ብዝሓሸ መንገዲ እትገልጻ ኢያ።  ሓደ ሰበኻዊ ጳጳስ ድማ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዘሎ አካየዲ ስራሕ ናይ ዝተፈላለዩ ስራሓት አይኮነን፣ እዚ ምናልባት ናይ ብዙሓት አተሓሳስባ ክኸውን ይኽእል፣ የግዳስ ኣብቲ ኢየሱስ ባዕሉ ምስታ ምስጢራዊት ኣካሉ ዝኾነት ቤተክርስትያን ሕብረቱ መታን ከጽንዕ አብ አካልነት ናይ ሓደ ጳጳስ ኮይኑ ዝዓየሉ መንፈሳዊ ስርዓት እዩ ዚመርሕ።"

እታ "ቤተ ክርስትያንሰ ድርገት ይእቲ" (ቤተክርስትያን ማሕበር ኢያ) ዝብል አርእስቲ ናይ ሓንቲ ኣብ መጀመርታ 1960ታት ብዶመኒካዊ ካህን ኣባ ዠሮም ሃመር ናይቲ ብዛዕባ ሰረተ እምነት ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ ጸሓፊ ጸኒሖም ድማ ካርዲናል ዝኾኑ  እተጻሕፈት መጽሓፍ ኢያ። ስነ-አቅላሲያ ብዛዕባ ሕብረት ቤተ ክርስቲያን አብ ሲኖዶስ ኣቡናት 1985 ከም ዘረጋገጾ "ኣብ ሰነዳት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን እቲ ቐንዲን መሰረታውን ሓሳብ" ኢዩ ዝነበረ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ መብዛሕትኡ ግዜ ከም ዝገለጽዎ እቲ መሰረታዊ አቅዋማት ደሞክራስያዊ ስርዓት ኣብ ህይወት ቤተ ክርስትያን ክተአታቶ ከም ዘይክእልን ንተፈጥሮኣ ኸም ዘየኽብርን ኢዩ ዘረድእ።

ኣብ ርእሲ ኸተማ ሞንጎልያ ኡላንባታር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምዚ በሉ - "እቲ አብ ቤተ-ክርስትያን ዘሎ ሓድነት ብዛዕባ ስርዓትን ምክብባርን ኣይኰነን ዕላማኡ፣ ንዕዮ ዝጥዕም ጽቡቕ ሜላ ናይ ሓቢርካ ምስራሕ እውን ኣይኰነን፣ እንታይ ደአ አብ ጐይታ ዘሎና እምነትን ፍቕርን ኮይኑ ብዛዕባ አባኡ ዘሎና ተኣማንነት ኢዩ ዝገልጽ።  በዚ ምኽንያት እዚ እምበአር  ኣብ ዙርያ እቲ ነቲ ህያው ዝኾነ ክርስቶስ ወኪሉ ኣብ ማእከል ህዝቡ ዘሎ ጳጳስ ኩሎም ባእታታት ቤተክርስትያን ብጽንዓት ክሓብሩን ብሓድነት ክመላለሱን ከምኡውን ነቲ እንሰብኮ ዘሎና እምነት ንምህናጽን አብ ማህልታት ሕብረሰብ ንምስራጽን ኣጸቢቑ ስለ ዝሕግዝ ሲኖዶሳዊ ሕብረት ክሃንጹ ኣድላዪ ኢዩ።"

እቲ አብዚ ቀረባ እዋ ዝካየድ ሲኖዶስ ከምቲ ብውልቀ-ሰባት ወይ ብሰልፍታት "ቅድመ ምስንዳው እተገብሮ" ናይ ሓሶት "ኣጀንዳ" ዘይኰነስ፣ ኣብ ጸሎትን ኣብ ሓባራዊ ምስምማዕን ዝግበር ሕብረት እንደገና ከአ ኵሉ ሰብ ብመንፈስ ክምራሕ ብምሕዳግ በዚ ኸምዚ ድማ ቤተ-ክርስትያን ነቲ ካብ ጅማሬአ ኣትሒዛ ኣብአ  ዝነበረ ሕብረት ኣብ ግብሪ ብምውዓል ተመክሮን ፍልጠትን ናይ ምርካብ ኣጋጣሚ ኢዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብ26 ነሓሰ ናይ ኢጣልያ ሽልማት "ኢ' ጆርናሊዝሞ" አብ ዝተቐበሉሉ ዘስምዕዎ መደረ ከምዚ በሉ - "ብልክዕ ኣብዚ ብዙሕ ዘረባ ግን ከአ ውሑድ ምስማዕን ዝርከበሉ ዘሎ ዘመን፣ ከምኡውን እቲ ሓባራዊ ረብሓ አብ  ሓደጋ ወዲቑ ዝዳኸመሉ ዘሎ እዋን፣ መላእ ቤተ-ክርስትያን ብዛዕባ 'ሕብረት' እትብል ቃል እንደገና ንምምርማር ሓደ ጕዕዞ ክትገብር ትርከብ አላ። ነታ 'ሓቢርና' እትብል ቃል እንደገና ክንርድአ ኣሎና። ብሕብረት ምጉዓዝ። ብሓባር ኴንና ክንምርምር ከነጽንዕን። ከምቲ ቐዳሞት ሓዋርያት ዝገበርዎ ዝነበርሩ ንሕና ውን ብጸሎት ሓቡእና ንማሕበረሰብና ብምስትውዓል ክንምርምርን፣ ነዚ ሲኖዶሳዊ አካይዳ ከአ ብኹሉ መዳያቱ መዓልታዊ ልማድና ክንገብሮ ንደሊ ኢና። ነዚ ዕላማ እዚ ንምፍጻም ድሕሪ ሓደ ወርሒ አቢሉ ይኸውን ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ኣቡናትን ምእመናንን ብሓባር ብምስማዕን ብምስትውዓልን ብሓባር ብምጽላይን ሲኖዶስ ንምክያድ ናብ ሮማ ክመጹ ኢዮም።"

ስለዚ ካብ ማእከል እስያ ካብ ሞንጎልያ ካብ ሓንቲ ኻብ ሮሜ ኣዝያ ብብዙሕ ኪሎሜተራት ርሒቓ  እትርከብ ቤተ-ክርስትያን እኳ እንተ ዀነት ናብ ልቢ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ግን ቀረባ ዝኾነት፣ ነቶም ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልትታት ኣብ ዙርያ እቶም ተካኢ ጴጥሮስ ዝኾኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ተኣኪቦም ብሓድነት ንኺጽልዩ ንሓድሕዶም ንኺሰማምዑን ከምኡውን ኣብዚ ዘመን እዚ ንዘለዉ ደቅሰባት ወንጌል ብኸመይ ከም ዝሰብኹ መመያ ንምግባር ዝእከቡ ነዞም ናይዚ ሲኖዶስ ኣቦታትን ኣዴታትን ትምህርቲ ዝዀኖም ምስክርነት እዩ።

(አንድረያ ቶርኔሊ - ዋና አሰናዳኢ ዜና ቫቲካን)

06 September 2023, 08:34