ድለ

ር.ሊ.ጳ.  ምስቶም ብሰንኪ ርእደ መሬት ዝተሃስዩ መንእሰያት ቱርኪ ተራኺቦም ር.ሊ.ጳ. ምስቶም ብሰንኪ ርእደ መሬት ዝተሃስዩ መንእሰያት ቱርኪ ተራኺቦም  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ምስቶም ብሰንኪ ርእደ መሬት ዝተሃስዩ መንእሰያት ቱርኪ ተራኺቦም

ር.ሊ.ጳ. "ኣብ ህይወት'ውን እንተኾነ ዳግመ ህንጸት" ዝብል ብድሆ ብምግንዛብ ነዚ ብድሆ እዚ ንምግጣም ቱርካውያን ንዘርኣይዎ ምትብባዕ” ኣፍልጦ ብምሃብ ከም ዘተባብዑን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ፖርቱጋል ብምኽንያት መበል 37 ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ሊዝበን ኣብ ዘካይድዎ ዘሎ መበል 42 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ዑደትን ዕለት 3 ነሓሰ ናይ ካልኣይ መዓልቲ ውዕሎኦም ዛዚሞም ምሸት ኣብዚ ምብጻሕ እዚ ኣብ ዝዓርፍሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ሕንጻ  ካብ ቱርኪ ምስ ዝመጹ ሰዓብቲ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን መንእሰያት ከም እተራኸቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቶም መንእሰያት ድሕሪ እቲ ኣብ ቱርክ ኣብ ወርሒ ለካቲት ናይዚ ዓመት ኣጋጢሙ ዝነበረ ርእደ መሬት ምኽንያት ቅዱስነቶም ስለ ዘርኣይዎ ቅርበትን ጸሎቶምን ጭቡጥ ሰብኣዊ ሓገዝን ከም ዘመስገንዎም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥  ድሕሪ’ቲ ኣብ ሊዝበን ምስ መንእሰያት ተማሃሮ መናብርተ ጥበብን ማሕበር ኣቢያተ ትምህርቲ መረብታዊ ርክባት ኣባላትን ንምርኻብ  ዝተወፈየ ካልኣይ መዓልቲ ውዕሎ ዛዚሞም ናብ ህንጻ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ምስ በጽሑ ምስ ኣስታት 40 ዝኾኑ ካብ ዝተፈላለየ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝተዋጽኡን ዝተፈላለየ መበቆል ዘለዎምን መንእሰያት ምስ ዝሓቖፈ ብናይ ኣናቶልያ ሓዋርያዊ መስተናብር ተራዳኢ ዝተመርሐ ጉጅለ መንእሰያት ከምእተራኸቡን፡ እቶም መንእሰያት ድሕሪ ርእደ መሬት ካብ ቅዱስነቶም ንዝረኸብዎ ሓገዝን ርእደ መሬት ዘስዓቦ ዕንወት  ንዝተሳቐዩ  ቅርበቶም ገሊጾም፥ "ኣብ ህይወት'ውን እንተኾነ ዳግመ ህንጸት" ዝብል ብድሆ ብምግንዛብ ነዚ ብድሆ እዚ ንምግጣም ቱርካውያን ንዘርኣይዎ ምትብባዕ” ኣፍልጦ ብምሃብ ከም ዘተባብዑን ዝዝከር ክኸውን እንከሎ፡ ኣብቲ ንኣስታት ፍርቂ ሰዓት ዝቐጸለን ብጸሎት ኣቡነ ዘበሰማያት ዝተዛዘመን ርክብ፡ ዕለተ ልደት ናይ ሓንቲ ካብቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ መንእሰይ ዕለት 3 ነሓሰ መበል 23 ዓመት ዕድመኣ ከም ዘኽበረት ኣፍሊጡ።

04 August 2023, 10:30