ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንሰበስልጣን ፖርቱጋል፡ ዓለም ለኸ ቅነ መንእሰያት ዝያዳ ሰላማዊት ዓለም ንምህናጽ ዕድል ይ

ፍልልይ ኣረኣያን ገዲፍና ንሓባርዊ ረብሓ ክንሰርሕ ክንደይ ጽቡቕ እዩ። ኣብዚ እውን ኣብነት ናይቶም ብናይ ሰላም ኣውያትን ናይ ህይወት ድሌትን ነቲ ብስም ዝተፈላለየ ርእይቶን እምነት ዝተተኸል ተሪር ሓጹር ዋንነት ንምፍራስ ዝመርሑና መንእሰያት ንረክብ

ክቡር ርእሰ ብሔር፣ ክቡር መራሔ መንግስቲ፡ ኣባላት መንግስትን ልኡካን መንግስታት ሃገራትን

ሰብ መዚ፡ ወከልቲ በርገሳውያን ማሕበራትን ባህልን፡ ክቡራን ክቡራንን እንክብሉ መደረኦም ዘበገሱ ቅዱስነቶም፥

ክቡር ርእሰ ብሔር ንዘገበርኩምለይ ኣቀባብላን ስለቲ ዘስማዕክምዎ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መደረኹም የቐንየለይ፥ ኣብታ ዝተፈላለዩ ህዝብታትን ባህልታትን ዝሓቆፈት ኣብዚ ቅንያት እዚ ዝያዳ ዓውሎማውን ኣድማሳውን ትኸውን ዘላ መራኸቢት ከተማ ሊዝበን ብምርኻበይ ሓጎስ ይስምዓኒ ቢሎም፡ ነቲ ፖርቱጋል ቆስሞስዊት ሃገር ዘብላ ባህርያት ናብ ሓድሽን ሰፊሕን ኣድማስ ክትጓዓዝ ዝገብራ ዘርዚሮም፥ . . . ፖርቱጋል ምስ ውቅያኖስ ኣትዳበው ሃገር ብምዃና ኣብ ወሰን ዓለም ኢና ዘሎና። . . ብርግጽ ውቅያኖስ ንህዝብታትን ሃገራትን ጥራይ ዘይኮነ ንመሬትን ኣህጉራትን እውን የራኽብ። ስለዚህ ሊዝበን ውቅያኖሳዊት ከተማ እያ። እዚ ኸኣ ናይ ርክብ - መራኽቦ ሃገረ ይገብራ። ኣብዚ እዋን እዚ መላእ ዓለም ዝትንክፍ ቅልውላው ኣብ ዝረኣየሉ እዋን እዚ ብድሆ እዚ እውን ዝትንክፋ ሃገራ እያ። ብሓባር ብዶሆታት ንምግጣም ካብ ዝግበር ጻዕሪ ኣብ ዓለም ድላይ ኢፍትሓውነትን ውግእን ኣዚዩ ዝቐልጠፈ ይመስል።

በንጻሩ ሊዝበን ለውጢ ናህሪ ክትሕብር ትኽእል እያ፡ ኣብ 2007 ዓ.ም. ኣብ ሊዝበን ዝተፈረመ ውዕል ጽገና ሕብረት ኤውሮጳ ዘኪሮም፥ “ዕላማ ሕብረት ሰላምን ክብርታቱን ጽቡቕ ሂወት ህዝባን ምድንፋዕ” ዝብል እዩ። እዚ እቲ ንውዕል ሕብረት ኤውሮጳን ንውዕል ምምስራት ኤውሮጳን ዝጸገነ ውዕል ሊዝበን ዘስፈሮ ሓሳብ ምዃኑ ገሊጾም፥ ካብዚ ሓሊፉ ግን ምስ ካልእ ክፋል ዓለም ኣብ ዘለዎ ርክብ ኣብ ሰላም ድሕነት ዘላቒ ምዕባለ መሬት ኣብ መንጎ ህዝብታት ምትሕግጋዝን ሓድሕዳዊ ምክብብርን ናጻን ፍትሓዊ ንግዲ፡ ምውጋድ ድኽነትን ምሕላው ሰብኣዊ መሰላትን” ዝብል ሓሳብ ኣብቲ ውዕል ከም ዘሎን እዚ ድማ ቃላት ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ዝኽሪ ሊዝበን ዝተቐርጸ ንጉዕዞ ሕብረት ኤውሮጳ ወሳኒ ስጉምትታት እዮም . . . ።

ር.ሊ.ጳ. ንሰበስልጣን ፖርቱጋል፡ ዓ. ሓ. ቅ. መንእሰያት ዝያዳ ሰላማዊት ዓለም ንምህናጽ ዕድል ይህብ
ር.ሊ.ጳ. ንሰበስልጣን ፖርቱጋል፡ ዓ. ሓ. ቅ. መንእሰያት ዝያዳ ሰላማዊት ዓለም ንምህናጽ ዕድል ይህብ

. . . ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት “ንጥንታዊት - ኣረጊት” ኣህጉር ኵላዊ ርሁውነት ከምዘድሊ የዘኻኽር። ምኽንያቱ ዓለም ሓቀይና ኤውሮጳ ስለ ዘድልያ፡ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ኣብ መዲትራኒያን ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ከም ድልድልን ገባሪ ሰላምን ዘለዋ ግደ የድልይ፥ . . . ናይ ዘተን ምትእትታውን መገድታት ንምጅማር ንግርጭታት ዘጥፍእን ወጥሪ ዘቃልልን ንዝተሓልለኹ መስመራት ከንብብ ዝኽእል ናይ ክሌኣዊ ስነ መላዊ ርክብ ሰላም ምምዕባል የድሊ።

ብፍቕርን ብዘተን መንፈስ ንኤውሮጳ፥ ኣብ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ኣብ ዘለዎ ውቅያኖስ ታሪኽ  ናይ ተባዕ መገዲ ሰላም ሓባሪ ዝሰኣነት ትመስል? ናበይ ገጻ ትጓዓዝ ከም ዘላ ንሕተታ፡ እቲ ኣብ ዩክሬይን ዘሎን ካልኦት ግጭታትን ከብቅዕ ብዘኽእል መሃዛዊ መገድን ከምኡ እውን መገዲ ሰላም እንተዘይሓበርኪ . . . እንክብሉ ቅዱስነቶም ንጸዋዕታ ኤውሮጳ ሕቶ ብምቕራብ። . . . ኤውሮጳ ህብታ ንመጻኢ  ወፍሪ ክገበር ዘይክእል . . . ኣብ መጻኢ ደቃ ዘይኮነስ ኣብ ኣጽዋር ብቐጻሊ ከምዝውዕል ከንብብ እንኮለኹ ብሓቂ የተሓሳስበኒ። ንለበዳ ኩናት ኣብ ምጥፋእን መብራህቲ ተስፋ ኣብ ምውላዕን ብልሓታ ኣብ ጽቡቕ ረብሓ እተውዕል ኤውሮጳ፡ . . . ዕብየት ናይቲ ምሉእ ትሓልምን ኪኖ ድሌታት ናይቲ ናይ ግዚኣዊ ረብሓታት እትብል።  ብዘይ ህልዮን ርእየተ ዓለማዊ መግዛእትን ንኹሉ ኣትሓቍፍ ኤውሮጳ።

ር.ሊ.ጳ. ንሰበስልጣን ፖርቱጋል፡ ዓ. ሓ. ቅ. መንእሰያት ዝያዳ ሰላማዊት ዓለም ንምህናጽ ዕድል ይህብ
ር.ሊ.ጳ. ንሰበስልጣን ፖርቱጋል፡ ዓ. ሓ. ቅ. መንእሰያት ዝያዳ ሰላማዊት ዓለም ንምህናጽ ዕድል ይህብ

እቲ ዘይተኣደነ ውቅያኖስ መበገሲ ህይወት የዘክረና። ኣብዚ  ናይ ሎሚ ምዕቡል ዓለም ብተጋራጫዊ መገዲ ንህይወት ወዲ ሰብ ምክልኻል ቀዳምነት ዝወሃቦ ኮይኑ ኣሎ። ምኽንያቱ በቲ ተጠቒምካ ምድርባይ ብዝል ጓሕፋይ ባህሊ ንሓደጋ ተቓሊዑ ስለ ዘሎ። . . . ብዙሓት ዘይተወልዱ ቆልዑ ንገዛእ ርእሶም ዝሕደጉ ኣረጋውያን ነቶም ካብ ርሑቕ ዝመጹ ማዕጾ ዝኹሕኩሑን ምቕባል ምሕላው ምልላይን ምውህሃድን ጸገም ናይ ብዙሓት ኣብ ምውላድን ምዕባይን ዝጽገሙ ኣባይቲ ስድራ ጽምዋ ይመስለኒ። . . . ጸረ ህይወት ዝኾነ ባህሊ። ናበይ ኢና እንኸይድ ዘሎና? . . .

ይኹን እምበር ብውቅያኖስ ዝተሓቖፈት ሊዝበን ተስፋ ንኽንገብር ምኽንያት ትህበና። ኣብዛ ተቐባልቲ ከተማ ውቅያኖስ መንእሰያት ይፈስስ ኣሎ፡ ከምኡ እውን ንፖርቱጋል ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዝተሓላለኸ ፍጻመ ንምእንጋድ ዝገበረቶ ዓቢ ስራሕን ልግሲ ዝመልኦ ተወፋይነትን ከመስግን እፈቱ። ግን ከኣ ተስፋ ዝመልኦ . . . ኣብ መንጎ መንእሰይ ምዃን እርጋን የሎን። ድሌት ሓድነትን ሰላምን ሕውነትን ዘማዕብሉ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ መንእሰያት ሕልሚ ሰናይ ጋህዲ ክንገብር ይሓትቱና። ኣብ ጎደናታት ሕርቓን እናጨደሩ ዘይኮኑስ ተስፋ ወንጌል ብምክፋል እዩ። ሎሚ ድማ ኣብ ብዙሕ ክፋላት ናይ ተቓውሞን ዘይዕግበትን ሃዋህው ንህዝባውነትን ውዲታዊ ርእየት ዓለምን ልሙዕ ባይታ እንተሃልዩ ዓለማዊ መዓልቲ መንእሰያት ብሓባር ንምሕናጽ ዕድል እዩ። ሓድሽ ነገር ንምፍጣር ናብ ባሕሪ ውጺእካ ብሓባር ናብ መጻኢ ኣብ ምጉዓዝ ምስፋፍ ዝነበረ ድሌት ዳግማይ የበራብሮ። . . . ስለዚ ብሓባር ክንሃንጽ ብመሃዝነት ንዋፈር! ኩላትና ብሓባር ክንሰርሓሉ እንኽእል ሰለስተ ናይ ተስፋ ህንጸት ቦታታት እግምት፥ ከባቢ መጻኢ ሕውነት ዝብል!

ከባቢ፥ ፖርቱጋል ንሓለዋ ፍጥረት ብዙሕ ኣብነታዊ ጻዕርታት ምስ ኤውሮጳ ትካፈል። እቲ ዓውለማዊ ጸገም ግን ኣዚዩ ከቢድ ኮይኑ ይቕጽል፡ ዋዕይ ውቅያኖስ ክብ ይብል . . . ናይዚ ምኽንያት እውን ዝተፈላለየ ሰብኣዊ ተግባር እዩ። ውቅያኖስ ህይወት ወዲ ሰብ ምስቲ ካባና ዝዓበየ ሃዋህው ክሰማማዕ ዝተጸውዐ ምዃኑ የዘኻኽረና፡ እዚ ድማ ብዛዕባ መንእሰያት ወለዶታት እናሓሰበና ብጥንቃቕ ክሕሎ ኣለዎ። ንመንእሰያት መጻኢኦም ንምሃንጽ ጥዑይ ቦታ እንተዘይሃብናዮም ከመይ ጌርና ኢና ኣብ መንእሰያት ንኣምን ንብል?

መጻኢ ካልኣይ ናይ ህንጸት ቦታ እዩ፥ መጻኢ ድማ መንእሰያት እዩ። ብዙሓት ተስፋ ዘቑርጽዎም ረቛሒታት፥ ከም ሕጽረት ስራሕ፡ ዘጥሕሎም ዕግርግር ዝመልኦ ናህሪ፡ ምውሳኽ ዋጋ መነባብሮን ገዛ ኣብ ምርካብ ዘጋጥሞም ጸገም፡ ካብኡ ዝዓቢ ድማ ስድራ ቤት ንምጅማርን ፍርሒ ምውላድን ኣብ ኤውሮጳን ብሓፈሻኡ ኣብ ምዕራብን ዘሕዝን ምዕራፍ ናይቲ ዋሕዲ ውልደት ንዕዘብ ኣሎና። . . . መጽኢ ምስቲ ኩሉ ምዕባለታትና ነቲ እናነከየ ዝኸይድ ዘሎ መጠን ውልደትን ከምኡ እውን ምንቁልቋል ድሌት ምንባርን ንምምካት ይጽውዕ። ኣብዚ ብቑዕን ሰናይን ፖለቲካ ብዙሕ ክሰርሕ ይኽእል እዩ። ተስፋ ክፈጥር ይኽእል። ብሓቂ ስልጣን ንምሓዝ ዘይኮነስ ንሰባት ተስፋ ናይ ምግባር ሓይሊ ንምሃብ እዩ ዝጽውዕ፡ ሎሚ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ሃብቲ ዘፍሪ ግን ከኣ ዘይምዕሩይ ዝርጋሐ ዘለዎ ዕዳጋ፡ ሰባት ብጸጋታትን ርግጸይናነትን ድኻታት ዝገብር ቁጠባዊ ዘይምዕሩነት ንምእራም ዝጽውዕ እዩ። . . . ኣብ መንጎ ውለዶታት ምሕዝነት ከስፍሕ ይጽዋዕ፡ ኣብ መንጎ ወለዶታትን ምስ ኣረጋውያንን ዘሎ ምትእስሳር ምንቕቓሕ። . . . ምስ ሱርካ ኣብ ምርኻብ እዩ ዳግማይ ምውላድ ዘሎ። በዚ መንጽር ትምህርቲ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ድማ ብቑጠባ ንኽንሱግም ተግባረ እዳዊ ኣተሓሳስባታት ከመሓላልፍ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ታሪኽ - ዝኽሪ ንምትእትታው ሓደ ትውፊት ንምሃብን ንሃይማኖታዊ ድሌት ወዲ ሰብ ዋጋ ንምሃብን ማሕበራዊ ዕርክነት ንምዕባይን ዕጫኡ እዩ።

እቲ ናይ መወዳእታ ህንጸት ድማ ተስፋ እዩ . . . ናይ ሕውነት! ንሕና ክርስቲያን ካብ ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንመሃሮ። . . . ኣብ ሓፈሻዊ ኩነታት ናይ ሓደ ዘቀራርበና ግን ከኣ ሕውነታዊ ቅርበት ኣብ ዘይህበና ዓውሎማነትን ኩላትና ካብ ምድላይ እቶም ኣብ ጎንና ዝነብሩ ጀሚርና ናይ ማሕበረሰብ ስምዒት ከነማዕብል ዝተጸዋዕና ኢና። . . . ንገዝእ ርእስና ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ዳግማይ ክንረክብ ንጽጽርን ፍልልይ ኣረኣያን ገዲፍና ንሓባርዊ ረብሓ ክንሰርሕ ክንደይ ጽቡቕ እዩ። ኣብዚ እውን ኣብነት ናይቶም ብናይ ሰላም ኣውያትን ናይ ህይወት ድሌትን ነቲ ብስም ዝተፈላለየ ርእይቶን እምነት ዝተተኸል ተሪር ሓጹር ዋንነት ንምፍራስ ዝመርሑና መንእሰያት ንረክብ . . . ነታ ብዙሕ ሰናይ እተገብር ክባብያዊት ቤተ ክርስቲያን ከመስግን ከተባብዕን ድማ እፈቱ ኩላትና ንሕውነት ዝተጸዋዕና ኮይኑ ይስምዓና። ነዛ እንነብረላ ዓለም ነዛ ግርማዊት ሃገርን ተስፋ ክንህብ፥ እግዚኣብሔር ንፖርቱጋል ይባርኽ እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

02 August 2023, 16:35