ድለ

ር. ሊ. ጳ. ዓለምለኻዊ ቅነ መንእሰያት ብወግዒ ከፊቶም

“ኣምላኽ ብስሙ እዩ ዚጽውዓና፣” እንክብሉ ቅዱስነቶም እዚ ድማ ኩልና አብዚ ተአኪብና ዘሎና ቍጽሪ ጥራይ ዘይኰናስ እኳ ደአ ገጽ ኣምላኽ እነርኢ ምዃና እዩ

ቅዱስ አቦና ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮስ ነቶም ንዓለምለኻዊ ቅነ መንእሰያት ንምስታፍ ካብ መላእ ዓለም እተአኻከቡ ካቶሊካውያን መንእያት አብ ዝተገብረሎም ናይ ተቕባል ስነስርዓት፣ አብ ዘስምዕዎ ስብከት፣ ስድራቤት አሕዋትን ኣሓትን ኢየሱስ ምዃን ማለት ኣወዳትን ኣዋልድን ሓደ ኣቦ ምዃን እዩ፣ ክብሉ ምስጢር ሓድነቶምን አብዚ ከምዚ ዝመስለ ዓለምለኻዊ ጉባኤ ምስታፎምን እንታይ ከም ዘመልክት ገለጹሎም።

አባ ተውልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

 ቅዱስ አቦና ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮስ “ናብ ሊዝበን እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም! ክንርእየኩምን ነቲ ተላባዒ ዝኾነ ሓጐስኩም ኽንሰምዕን ብምኽኣልና ኣዚና ተሓጐስና። ፓትርያርክ ሊዝበንን፣ ኣቡናትን፣ ካህናትን፣ ሊቃውንትን ከምኡውን መራሕቲ መንእሰያት ዓዲሞምና አብዚ ንርከብ አሎና። ስለቲ አብዚ ምሳና ምህላዎምን ዝሃቡና ምትብባዕን ብልቢ ነመስግኖም ኢና፣ እንክብሉ ስብከቱም ጅመሩ። ቅድሚ ኹሉን ልዕሊ ኹሉ ድማ ኢየሱስ ክንዲ ዝዓደመናን ብስሙ ስለ ዝተጸዋዕናን ድማ ከነመስግኖ ይግብአና ኢዩ ። ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍና ዚጽውዓና ፍቑራትን ክቡራትን ውሉዱ ስለ ዝዀንና እዩ ፣ ንኽሓቝፈናን ንኸተባብዓናን ድማ በብመዓልቱ ናባኡ ክንመጽእ ይዕድመና እዩ።

ር. ሊ. ጳ ዓለምለኻዊ ቅነ መንእሰያት ብወግዒ ከፊቶም
ር. ሊ. ጳ ዓለምለኻዊ ቅነ መንእሰያት ብወግዒ ከፊቶም

ቅዱስነቶም ስለ ዓለምለኻዊ ቅነ መንእሰያት “ነቲ ኣምላኽ ዘበገሶ ናይ ፍቕሪ ጻውዒት ክርድአና አለዎ፣ ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ዘሎና ሞገስ ድማ ብርዝነት ክንርድኦ የድሊ” ክብሉ፣ “ሎሚ ስምና ከም ትርግታ ልቢ ኣምላኽ ብዕርክነትን ብሓድነትን ይስማዕ አሎ።” በሉ። ስለዚ እዚ ምንጪ ሕይወትና ስለዝኾነ ነዚ ቅንያት እዚ ብሩህን ተስፋ ዘለዎን ንምግባር ሓቢሮም ንንኽሰርሑ አተባብዕዎም።

“ኣምላኽ ብስሙ እዩ ዚጽውዓና፣” እንክብሉ ቅዱስነቶም  እዚ ድማ ኩልና አብዚ ተአኪብና ዘሎና ቍጽሪ ጥራይ ዘይኰናስ እኳ ደአ ገጽ ኣምላኽ እነርኢ ምዃና እዩ ። ብዙሓት ሰባት ስምና ይፈልጡ እኳ እንተ ዀኑ ፍሉያት ብምዃንና ግና ኣይቀርቡናን እዮም ። ናይ ሓሶት ሰናይነትን ናይ ሓሶት መብጽዓታትን ኬታልለናን ብውሽጥና ባዶ ክገብረናን ይኽእል እዩ። ኢየሱስ ግና ንዓና ስለ ዚኣምነናን ብሓቂ ኣገዳስቲ ሰባት ስለ ዝገብረናን ንሱ ንዓና ፍሉይ እዩ። ስለዚ ኣብዛ ብኢንተርነት እትርአ ዓለም ብዚርአ ሕልሚ ብዝኾነ ነገራት ኸይንታለል ክንጥንቀቕ ኣሎና።

ቤተ-ክርስትያን ማሕበር ናይቶም ጽዉዓት ኢያ፣ ነቶም ንጸዋዕታኦም ከም ህያብ ሓንጐፋይ ኢሎም ዝቕበልዎ ድማ ኢዳ ዘርጊሓ ትቕበሎም። ንሳ ስድራቤት ኣሕዋትን ኣሓትን ኢየሱስ ኢያ፣ ማለት ኣወዳትን ኣዋልድን ሓደ ኣቦ እያ ። ንዅሎም ኣባላት ቤተ-ክርስትያን እንተላይ ነቶም ዝወደቁን ሓጥአንን ወይ ውን ዚቃለሱ ዘለውን ቦታ ክህልዋ ኣገዳሲ እዩ። ቤተ-ክርስትያን እቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ በብስሙ ዝጽውዓሉ ድምጺ ዝስምዓሉ ቤት ክትከውን ኣለዋ፣ ናብአ ንኽአተዉ  እትዕድሞምን ሓንጐፋይ ኢላ እትቕበሎምን ክተከውን አለዋ።

ቅዱስነቶም ቀጺሎም ቤተክርስቲያን “ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ፍቕሪ ዝሃቦ መልእኽቲ እተተሓላፍ፣ ንኻልኦት ብስሞም እትጽውዕ ብዛዕባ እቲ ክቡር መንነቶም እተዘኻኽሮምን ኢያ።” እንክብሉ ናይ ቤተክርስቲያን ጸዋዕታን ሓላፍነትን ገለጹ። ኩሎም ድማ ከም አባላታ መጠን ኣብ ንሓድሕድዶም ምትእማማን ክህልዎምን ከምኡ ውን አኽብሮትን ተቐባልነትን ክህልዎም አዘኻኸርዎም።

ር. ሊ. ጳ ዓለምለኻዊ ቅነ መንእሰያት ብወግዒ ከፊቶም
ር. ሊ. ጳ ዓለምለኻዊ ቅነ መንእሰያት ብወግዒ ከፊቶም

ቅዱስ አቦና ቀጺሎም አብ ህይወት “ሕቶታት ምሕታት ንግላዊ ዕቤትና አገዳዊ ምዃኑን ንልምድታትና ብዝሓሸ መገዲ ንምፍዋስ ዘድልየና ኢዩ፣” ክብሉ መንእሰይ ካብ ትርጉም አልባ ዝኾነ ህይወት ንኽወጹ ዓሚቍ መልእኽቲ ዘለዎ ቃል ማዕዳ አስምዕዎም። በዚ ኸምዚ እምበር መንእሰያት ሕቶታቶም ንርእሶም ክሕዝዎ ዘይኮነ ኣብ ክንድኡ ናብ ኢየሱስ ከቕርብዎን ብዛዕባ ድሌታቶምን ትምኒታቶምን ከምኡ ውን ተስፋታቶም አብ ህይወት ትርጕም ምእንቲ ክረኽቡ ምስ ጐይታ እሂን ምሂን ክባሃሃሉ አዘኻኸርዎም። እዚ ኸኣ ንውሽጣዊ ህይወት ዝቕይርን ሓደስቲ ዝገብርን ምዃኑ ገለጹሎም። ቅዱስነቶም አብ ሰብከቶም  “ኣምላኽ ከምዚ ብምግባር ምሳና አብ ዝርርብ ይአቱ፣  ኣብቲ ብሓቂ ዘገድስ ነገር ከም እንዓብን እንስልጥንን ይገብረና ህይወት እውን ይህበና፣” በልዎም።

ኣብ ወንጌል ከም እንረኽቦ ጐታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ ማእከል ተዃሉ ኸም አባጊዕ እንክልእኾም ስለ አዝአምኖምን ደአ እምበር ግቡእ ምድላው ወይ ምሉእ ውሕስነት ሂቡ አይኮነን ዝለአኾም። ጐይታ ኣብ ነፍሲ ወከፍና ተመሳሳሊ እምንቶ ስለ ዘለዎ ንህይወትና ኣብ መንጌላዊ መስመር ብምእታው ሓጐስን ምልአትን ንኽህበና የዳልወና እዩ ። ንዓለም ክንህባ እንኽእል ብዙሕ ነገራት ስለ ዘሎ፣ ናብአ ክንከይድ ነገረና ። እቲ ንኻልኦት ክንህቦም እንኽእል ነገር እንተሎ እቲ መልእኽቲ ወንጌል ዝኾነ “አምላኽ ቀረባ ምዃኑ” ክነግሮምን ንሱ ድማ ምልአት ህይወትና ምዃኑ ንኽንገልጸልም ኢዩ።

ር. ሊ. ጳ ዓለምለኻዊ ቅነ መንእሰያት ብወግዒ ከፊቶም

ኵላትና ንፈርህ እኳ እንተ ዀንና እቲ ቐንዲ ክንዋጽኣሉ ዘድልየና ነገር ግና ኣብ ኣምላኽ ምውካል እዩ። አምላኽ ኣብ ኩነት ፍርህናን ዕጹውነትናን ተነጽሎናን እዩ ዚጽውዓና ፣ እዚ ኸኣ ክኢላታት ከም ምዃና ዀይኑ ንኽስምዓና ዝገብር ኢዩ። ምስ ጐይታ ሕብረት ንኽህልወና ዝገብር ምስጢር እንተሎ ኣብቲ ቐሊል ዘይኰነ ነገራት ማለት ናብ ሰማይ ገጽና ምስ እነተኵር እዩ ። እዚ ድማ ከም መርበብ ተተሓሒዝና ብውህደት ከም ጻውዒት ኣምላኽ ምስ እንዓዪ፣ ንፍርህና ኸነሸንፎን ኣብ ህይወትና ዘጋጥመና ጸገማት ክንዋጽኣሉን ንኽእል ሓይሊ ንረክብ ማለት ኢዩ። ማርያም ኣደና ወትሩ ምስ ኣምላኽ አብ ምርኻብን አብ ምምራሕናን፣ ኣብ ህይወትና ብዙሕ ትሕግዘና እያ። ንሳ ፈጺማ ካብ አምላኽ ከይረሐቐት ንዓለም ተስፋን ሓጐስን እተምጽእ አደ ኢያ።

አብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ኣብ እምነትና ምእንቲ ኽንዓቢ ጸዋዕታና ንዘክር አምላኽ ክሳዕ ክንደይ ከም ዘፍቅረና እውን ንዘክር። ንሓድሕድና ብብስምና ምጽዋዋዕ፣ ንኢየሱስ ድማ ዝሎና ሕቶታት ንሕተቶ ምስኡን ምስ ፍቕሩን ወትሩ ሕብረት ንኽህልወና ንለምኖ ። እንክብሉ አብ መደምደምታ ንዅልኹም ሰናይ ቅነ መንእሰያት እምነየልኩም ብምባል ስብከቶም ዛዘሙ።

04 August 2023, 09:26