ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንመንእሰያት ሊዝበን፥ ተወፋይነት ኣየፍርሕኩም!

ኣብቲ ብሕንፍሽፍሽን ዝተናወጸን ብቐጻሊ ብምግምማዕ እትሳቐ ዘላ ዓለም ነቶም ተመሃሮ ኣብ ናይ ሓባር ጉዕዞ ኣተባቢዖም፥ ሕውነትን ሓልዮትን ሓድሕዳዊ ስኒት ዝንበረላ ዓለም ንምፍጣር ኣብ ዝሕግዝ ጻዕሪ ንቕድሚት ክብሉ ምዒዶም

ቅዱስነቶም ንኣባላት “Scholas Occurrentes – ኣባይቲ ትምህርቲ መረብታዊ ርክባት ማሕበር ኣብ ካሽካይስ ክፋል ከተማ ሊዝበን ኣብ ዝርከብ ናይቲ ማሕበር ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ፖርቱጋል ምብጻሕ ኣካይዶም፥ ናይ ሓድነት ኣብ ብዙሕነት ምልክት ዝኾነ እቶም ናይቲ ማሕበር ኣባላት ተመሃሮ ኣብቲ ህንጻ ዝቐብእዎ ኣሳእል ብቐረባ ከምዝተዓዘቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ነቶም ዝተፈላለየ እምነታትን ድሕረ ባይታን ዘለዎም ኣብ 2013 ዓ.ም. ብቕዱስነቶም ዝተመስረተ ብመንፈስ ርክብ ዓለማዊ ትምህርቲ ንምልውዋጥ ዘቕረብዎ ጻውዒት ዝተደፋፉኡን ዓለም ለኻዊ ምንቅስቓስ መረብታዊ ርክባት ኣባይቲ ትምህርቲ ኣባላት ኣብ ፖርቱጋል ተራኺቦም ሓደ ካብ ወንጌላዊትን ካብ ካቶሊካዊትን ካብ ቤተ እስላም ዝተዋጽኡ ሰለስተ ተመሃሮ ድሕሪ ዘስምዕዎ ቃል ምስክርነት፤

ር.ሊ.ጳ. ንመንእሰያት ሊዝበን፥ ተወፋይነት ኣየፍርሕኩም!
ር.ሊ.ጳ. ንመንእሰያት ሊዝበን፥ ተወፋይነት ኣየፍርሕኩም!

ንሕንፍሽፍሽ ዝቕይር ሓይሊ

ኣብቲ ብሕንፍሽፍሽን ዝተናወጸን ብቐጻሊ ብምግምማዕ እትሳቐ ዘላ ዓለም ነቶም ተመሃሮ ኣብ ናይ ሓባር ጉዕዞ ኣተባቢዖም፥ ሕውነትን ሓልዮትን ሓድሕዳዊ ስኒት ዝንበረላ ዓለም ንምፍጣር ኣብ ዝሕግዝ ጻዕሪ ንቕድሚት ክብሉ ምዒዶም፥ ነቲ እቲ ርክብ ዝተኻየደሉ ጽርሓ ዝሰለሞ ሕብራዊ ስእለ መንደቕ እናሓሰቡ፥ እቲ ኣብቲ መንደቕ ዝተቐብአ ስእሊ “ሕንፍሽፍሽ” ክውንነት ቆስሞስን ህይወት ነፍሲ ወከፍናን ዘንጸባርቕ እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ንመንእሰያት ሊዝበን፥ ተወፋይነት ኣየፍርሕኩም!
ር.ሊ.ጳ. ንመንእሰያት ሊዝበን፥ ተወፋይነት ኣየፍርሕኩም!

“ህይወት ብሕንፍሽፍ ህይወትን ቆስሞስን እያ እትቕየር” እንክብሉ ድማ ኣስተብሂሎም፡ እምበኣር ናይ ሓቅን ጽባቐን መገዲ ምርካብ ናይ ነፍሲ ወከፍና ጉዳይ እዩ! . . . ኣስዒቦም ድሕሪ ዝተወሃቦም ናይ ስእሊ ብሩሽ ኣብ ቀጠሊያ ሕብሪ ኣተንኪፎም ድማ ኣብቲ ሕንፍሽፍስ ምሉእ ብዘይ ገለ ጸገም ዝግለጽ ምዃኑ ንምሕባር ኣብቲ መንደቕ ዝተቐብአ ኣሳእል ብቀጠልያ ሕብሪ ከም ዝኸበብዎን እዚ እውን ምሉእነት ፍጠረት ዝሕብር ምዃኑ ኣብሪሆም፥ ነቲ ኣዚዮም ዝፈትውዎ ምስላ ሕያዋስ ሳምራዊ ዝገልጽ ስእሊ ገጸ በረኸት ብምሃብ ድማ “እዚ እውን ብርግጽ ሓደ’ኳ ሕያዋይ ጓሳ እየ ቢሉ ንገዛእ ርእሱ ክገልጽ ዘይከኣሎ እውን እንተኾነ ኩላትና ንዅሉ ሰብ ሕያዋይ ጓሶት ንኽንከውን ዝተጸዋዕና ኢና።” ዝቖሰለን ብሓለፍቲ መገዲ ሸለል ተባሂሉን ኣብ ባይታ ወዲቑ ዝደምይ ዝነበረ ሰብ ብመሰረት ሕጊ ናይቲ እዋን ደም ዝትንክፍ ርኹስ ተባሂሉ እዩ ዝግለጽ፡ . . . ክንደይ ግዜ ስርዓታዊ ንጽሕና ካብ ሰብኣዊ ቅርበት ኢና ዝመረጽና? እንክብሉ ሕቶ ኣቕሪቦም፥ ርህራሄ እንታይ እዩ ክስምዓካ ዝገብር . . . ኣብ ህይወት ንውፉይነት ድልው ምዃን የድሊ!”

ር.ሊ.ጳ. ንመንእሰያት ሊዝበን፥ ተወፋይነት ኣየፍርሕኩም!
ር.ሊ.ጳ. ንመንእሰያት ሊዝበን፥ ተወፋይነት ኣየፍርሕኩም!

ገጸ በረኸት ኣውሊዕ

ኣብ መንጎ እቲ ዝቐረበሎም ጣቕዒት ቅዱስነቶም ጸሎትን ቡራኬኦምን ኣረጋጊጾም፥ እግዚኣብሔር ምእንቲ ክባርኸኒ፥ ንስኻትኩም ድማ ስሌይ ምጽላይ ሓደራ ኣይተቋርጹ፡. . . ቢሎም ካብቲ ጽርሃ  ተሰናቢቶም ኣብቲ ህንጻ መረብታዊ ማሕበር ኣባይቲ ትምህርቲ ናይ ሰላም ምልክት ዝኾነ ኦም ኣውሊዕ ባሪኾም ከምእ እተሰናበቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ንመንእሰያት ሊዝበን፥ ተወፋይነት ኣየፍርሕኩም!
ር.ሊ.ጳ. ንመንእሰያት ሊዝበን፥ ተወፋይነት ኣየፍርሕኩም!
03 August 2023, 16:13