ድለ

ርክብ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሊዝበን ምስ ዝተረኽቡ 15 መንእሰያት ዩክሬይን ርክብ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሊዝበን ምስ ዝተረኽቡ 15 መንእሰያት ዩክሬይን  (Vatican Media)

ርክብ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሊዝበን ምስ ዝተረኽቡ 15 መንእሰያት ዩክሬይን

ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ዝሳተፉ ዘለዎ 15 ዩክራይናውያን ከምእተራኸቡን ናይቶም መንእሰያት ዘሕዝንን ዝትንክፍን ታሪኽ ምስ ሰምዑ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 3 ነሓሰ ናይ ካልኣይ መዓልቲ ውዕሎ መርሓ ፍጻሜታቶም ቅድሚ ካብቲ ኣብ ሊዝበን ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ሕንጻ ምብጋሶም ምስ 15 ዩክራይናውያን መንእሰያትን ከምኡ እውን ኣብ ቀረባ መዓልቲ ኣብ መበል 62 ዓመት ዕድመአን ኣብ  ሊዝበን ብዘጋጠመን ሓደጋ ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልየ ናይ ትምህርተ ክርስቶስ መምህር ፈረንሳዊት ኣባይቲ ስድራን ከምእተራኸቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ዕለት 3 ነሓሰ ንግሆ ሊዝበን ኣብ ዝርከብ መንበረ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ብናይ ዩክሬይን መንግስቲ ጉዳያት ዘተ ምስ ዝተላለያ ሃይማኖታት ኣማኻሪ ደንይስ ኮላዳ ምስ ዝተሰነዩ ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ዝሳተፉ ዘለዎ 15 ዩክራይናውያን ከምእተራኸቡን ናይቶም መንእሰያት ዘሕዝንን ዝትንክፍን ታሪኽ ምስ ሰምዑ፥ “ጸሎቶምን ቅርበቶምን” ከምዘረጋገጹን፡ እቲ ንሳላሳ ደቓይቕ ዝተኻየደ ርክብ ብሓባር ብዝዓረገ ጸሎት ኣቡነ ዘበሰማያት ከምእተዛዘመ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

03 August 2023, 11:46