ድለ

ር.ሊ.ጳ. ምስ ሓንቲ ናይ ዕድመ በዓልቲ ጸጋን ብሕማም ምስ እትሳቐይ መንእሰይ ተራኺቦም ር.ሊ.ጳ. ምስ ሓንቲ ናይ ዕድመ በዓልቲ ጸጋን ብሕማም ምስ እትሳቐይ መንእሰይ ተራኺቦም  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ምስ ሓንቲ ናይ ዕድመ በዓልቲ ጸጋን ብሕማም ምስ እትሳቐይ መንእሰይ ተራኺቦም

ምስ ሓንቲ ማሪያ ዳ ኮንሴሳው ብሪቶ ሜንዶዛ ዝበሃላ ዕለት 13 ግንቦት 1917 ዓ.ም. ኣብ ፋጢማ ማርያም ኣብ ዝተገልጸትላ መዓልትን ዓመተ ምሕረትን ዝተወልዳ 106 ዓመት ዝዕድመኣን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 4 ነሓሰ ናይ ሳልሳይ መዓልቲ ውዕሎ ንኽጅምሩ ካብ መዕረፊኦም ሕንጻ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ቅድሚ ምንቃሎም ኣብቲ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ መቐበሊ ኣጋይሽ ምስ ሓቲ ናይ ዕድመ በዓልቲ ጸጋ ዝኾና ጓል 106 ዕመት ፖርቱጋላዊትን ምስ ሓንቲ ብሕማም እትሳቐ ፖርቱጋላዊት መንእሰይ ኤድና ፒና ሎፐዝ ሮድሪገዝ ከም እተራኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲኣክን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ንግሆ ዕለት 4 ነሓሰ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ህንጻ ምስ ሓንቲ ማሪያ ዳ ኮንሴሳው ብሪቶ ሜንዶዛ ዝበሃላ ዕለት 13 ግንቦት 1917 ዓ.ም. ኣብ ፋጢማ ማርያም ኣብ ዝተገልጸትላ መዓልትን ዓመተ ምሕረትን ዝተወልዳ 106 ዓመት ዝዕድመኣን ናይ ዕድመ በዓልቲ ጸጋ ከም እተራኸቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ፍክሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ከምኡ እውን ምስ ሓንቲ ብብርቱዕ ሕማም ምስ እትሳቐ ፖርቱጋላዊት ቅዱስነቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ኣባታዊ ፍቕሮምን ቅርበቶምን ጸሎቶምን ዘረጋገጽ መልእኽቲ ምስ ዘመሓላለፉላ መንእሰይ ኤድና ፒና ሊፐዝ ሮድሪገዝ ከም እተራኸቡ ሓቢሩ። 

ር.ሊ.ጳ. ምስ ሓንቲ ናይ ዕድመ በዓልቲ ጸጋን ብሕማም ምስ እትሳቐይ መንእሰይ ተራኺቦም
ር.ሊ.ጳ. ምስ ሓንቲ ናይ ዕድመ በዓልቲ ጸጋን ብሕማም ምስ እትሳቐይ መንእሰይ ተራኺቦም
04 August 2023, 16:35