ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ ዕንቅፋታት ናብ ሓደ ናይ ትሕትናን ቀጻሊ ዝኾነ ምንጻሕን ኢዮም ዝመርሑና

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ልክዕ ከምቲ ምስቶም ብለይቲ ዋላ ሓንቲ ዘይረኸቡ ገፈፍቲ ዓሳ ዝገብሮ ምርኻብ፣ አብቲ ሰባት ዚነብሩሉ ዘለዉ ዚቃለሱሉ ተስፋ ዚገብሩሉ ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ምስ ፍሽለትን ውድቀትን ዝጋጥሙሉ ቦታን ኵነታትን ክርከብ እዩ ዚደሊ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ብዛዕባ እቲ ሎሚ ንዓለም ዜዕንዋ ዘሎ ግጭታትን ምጕዳል ፍትሕን ጕድለት ተስፋን ከምኡውን ብዛዕባ እታ "ገጻ ብክፍአትና እተበላሸወ" ቤተክርስትያንን ብዛዕባ ናይ መጻኢ ተስፋን ከምኡውን "ናብ ባሕሪ ስብከተ ወንጌልን ተልእኾን ብትብዓት ብምጕዓዝ" ንቕድሚት እትግስግሰሉ ሓድሽ መገድታት ንምርካብ ብኸመይ ከም እተጸውዐት ዓሚቝ አስተንትኖ ቃል አምላኽ አቅረቡ።

አባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

አብ ዓለምለኻዊ ቅነ መንእሰያት ምስ ብዙሓት መንእሰያት ክራኸብ ብምኽኣለይ ሕጉስ ኢየ፡ ከምኡ ውን አብቲ ዘደንቕ ጕዕዞኹምን ጻዕርታትኩምን ተስፋኹምን ክካፈል ብምኽኣለይ አዝየ እሕጐስ ። እንክብሉ ቅዱስነቶም እተሰምዖም ሓጐስ ገሊጾም፣ ንብጹዕ ሊቀ-ጳጳሳት አቡነ ሆሴ ኦርኔላስ ካርቫሎ ስለቲ ዘቕረቡሎም ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኹም ቃላት አመስገንዎም፣ ቅዱስነቶም ቀጺሎም ድማ ነቲ አብ ፖርቱጋል ዝገብርዎ ዝለዉ ሓዋርያ ጕዕዞ አመልኪቶም እንክገልጹ "መደብን ራኢይን ኣምላኽ ከምኡውን ንቤተ-ክርስትያንን ንደቅሰብን ዘሐጕስን ለጋስን ዝኾነ ለውጢ እንገብረሉ መገድታት ንምርካብ ትብዓት ምእንቲ ኽንረክብ ምሳኻትኩም ክጽሊ እደሊ ኢየ።" ክብሉ ሰናይ ምዮቶም ገለጹ።

ቅዱስነቶም ቀጺሎም “ኣብታ ኣብ መንጎ ሕሉፍን መጻእን እትርከብ ዘላ ሃገረ ፖርቱጋል” ብምባል ነቲ አብታ ሃገር ዘሎ ባህርያዊ ዝኾነ ሃብታት ተፈጥሮ ብምድናቕ ብአኡ ከም እተመሰጡ ገለጹ። “እዚ ኸኣ  ናብቲ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ንመጀመርታ ግዜ አብ ገማግም ባሕሪ ገሊላ እንከልዉ ኢየሱስ ናብ ዘቕረበሎም ጻውዒት ከም ዝምለስ ገበረኒ።” እንክብሉ፣ ር. ሊ. ጳ. ምድሓና ብግብሪ ዘይኮነስ በቲ ካብ ጸጋኡ ዝኾነልና ምሕራይና ምዃኑ እንክገልጹ እንካብ ወንጌል ሉቃስ ምዕራፍ 2 ጥቒሶም አስተንትኖ ቃል አምላኽ ቐጸሉ።

ኢየሱስ "አብቲ ገብምገም ባሕሪ ኸአ ክልተ ጃልባ ደው ኢለን ረአየ፣ እቶም ገፍቲ ዓሳ ድማ ካብአተን ወሪዶም መርበቦም ይሓጽቡ ነበሩ።" (ሉቃ 5፡2)። ድሕርዚ ኢየሱስ ናብ ጃልባ ስምኦን ደየበ ካብታ ጃልባ ድማ ነቶም ህዝቢ ድሕሪ ምስትምሃሩ ኸኣ ናብቲ ዓሚቑ ባሕሪ ኣውጺኦም መርበቦም ክድርብዩ ብምዕዳም፣ ህይወት እቶም ገፈፍቲ ዓሳ ቐየረ። በቲ ሓደ ሸነኽ እቶም ገፈፍቲ ዓሳ  መርበቦም ንምሕጻብ ማለት ንምጽራይ ጽቡቕ ገይሮም ንምቕማጡን ናብ ቤቶም ንምምላስን ካብታ ጃልባ ይወርዱ ነበሩ፣ በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ኢየሱስ ናብታ ጃልባ ደይቡ እንደገና መርበቦም ኽንድርብዩ ይዕድሞም

ቅዱስነቶም ነዚ እንክገልጹ እቲ ፍልልያት አብዚ እቲ ፍልልያት ጐሊሑ ዝርአ ኢዩ፣ ከመይ እቶም ደቀ መዛሙርቲ እንክወርዱ ኢየሱስ ይድይብ ፣ ንሶም መርበቦም ክጥቕልሉ ደለዩ ፣ ንሱ ግና ዓሳ ንምግፋፍ ናብ ባሕሪ ኺምለሱ ይደልዮም።” እንክብሉ አስተንትኖም ቀጸሉ።

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ልክዕ ከምቲ ምስቶም ብለይቲ ዋላ ሓንቲ ዘይረኸቡ ገፈፍቲ ዓሳ ዝገብሮ ምርኻብ፣ አብቲ ሰባት ዚነብሩሉ ዘለዉ ዚቃለሱሉ ተስፋ ዚገብሩሉ ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ምስ ፍሽለትን ውድቀትን ዝጋጥሙሉ ቦታን ኵነታትን ክርከብ እዩ ዚደሊ ። ጐይታና ኢየሱስ  ክርስቶስ ነቶም ደኺሞምን አማሪሮምን መርበቦም ዚሓጽቡ ዝነበሩ ከምኡ ውን አላሽ ኢሎም ተሰናቢዶምን ዝነበሩ ስምኦንን ብጾቱን ብሕያውነት ረኣዮም እሞ ቀረቦም። 

ሓድሓደ ግዜ ኣብቲ እንጐዓዘሉ ዝነበርና ጕዕዞ ጥርሑ መርበብ ጥራይ ሒዝና ኽንከይድ ከለና ተመሳሳሊ ድኻም ይስምዓና እዩ። እዚ ኣረኣእያ እዚ ኣብተን ብዙሕ ማሕበራውን ባህላውን ለውጥታት ዚርአየለን ዓለማዊ ኣተሓሳስባን ንኣምላኽ ዘይምግዳስን ከምኡውን ካብ ህይወት እምነት እናረሓቐ ዚኸይድ ዘሎ ጥንታዊ ክርስትያናዊ ልምድታት ኣስፋሕፊሑ ኣሎ። እዚ ኸኣ መብዛሕትኡ ግዜ በቲ ገሊኣቶም ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዘጋጥሞም ጓህን ቍጥዓን ዝጋደድ ኢዩ፣ አረ ሓድሓደ ግዜስ ብሰንኪ እቲ ሕማቕ ምስክርነትናን ንገጽ ቤተክርስቲያና ዘበላሽዎ ዕልወትን ከምኡውን ካብ ብኽያትን ስቓይን እቶም ግዳያት ኣትሒዝና ወትሩ ሓንጐፋይ ኢልና ኽንቅበሎን ክንሰምዖምን ትሕትናን ንጽህናን ኽንሓትት ኣሎና።

ተስፋ ኽትቈርጽ ከለኻ ግን ካብ ጃልባ ወሪድካ በቲ ኻብ ተልኾኻ ምውጻእን ኣሉታዊ ኣረኣእያ ምሓዝን ሓደገኛ እዩ። ኣብ ክንድኡስ ድኻምን ንብዓትን ናይ ጕስነት ሒዝና ናብ ጐይታ ምቕራብ ኢዩ ዘድልየና። 

ሓዋርያት ነቲ መርበቦም ንምሕጻብ ምስ ወረዱ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናብታ ጃልባ ኣተወ እሞ እንደገና መርበቦም ክድርዩ ይዕድሞም። ሎሚ እውን ተስፋና ከበራብር ንስምኦንን ንኻልኦትን "ናብቲ ዓሚቑ ኬድኩም መበብኩም ደርብይዎ" ከም ዝበሎም ኺብለና ኢሉ ናብ ገማግም ህይወትና ይመጽእ ኣሎ። (ሉቃ 5፡4) ኣሕዋትናን ኣሓትናን እቲ እንነብረሉ ዘለና እዋን ኣጸጋሚ እዩ ሎሚ ግን ጐይታ ነዛ ቤተ-ክርስትያን እዚኣ ኸምዚ ክብል ይሓታ አሎ - "ካብታ ጃልባ ወሪድኩም ኽትጕህዩ ዲኹም እትደልዩ ወይስ አነ ክድይብ እሞ እቲ ሓድሽ ቃላተይ ከም ብሓድሽ ንህይወትኩም ኪቈጻጸሮ ትፈቕዱለይ ኢኹም? ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ በዚ ኸምዚ - ብዛዕባ ወንጌል ዘሎና ተርባጽን ታህዋኽን እንደገና ኸነበራብር እዩ ዝጽውዓና ዘሎ።

እዚ ኸኣ ንዓለም ንምስዓር ዘይኰነስ በቲ ወንጌል ዜምጽኦ ምጽንናዕን ሓጐስን ንምዕራፍ እዩ ። በዚ ኣረኣእያ እዚ ነቲ ሓደ ኻብቶም ዓበይቲ ሚስዮናውያንኩም ዝነበረ ኣንቶንዮ ቪያራ "ፓያሱ " ዚበሃሉ ዓብዪ ኣቦ እተዛረብዎ ቓላት ከነንብቦ ንኽእል - ኣምላኽ ንኽትውለድ ንእሽቶ ምድሪ ኸም ዝሃበካ ኣብ ውቅያኖስ ከም እትጥምት ብምግባር ግን ብምልእታ ዓለም ክትመውት ከም ዝሃበካ ተዛረበ - "ክትውለድ ንእሽቶ ምድሪ፣ ክመውት ኵላ ምድሪ - ክትውለድ ፖርቱጋል፣ ክመውት ግን ዓለም።" (ኣ. ቪኤራ ሆሚሊስ ቍ. 8 ጥራዝ ሻምናይ ምዕራፍ 1959 ገጽ 69) አብለዎ ቃል ብምጥቃስ ናብቲ አብዚ ግዜ እዚ አብ ዓለምና ቤተክርስቲያንን ዘሎ ናይ ሞት ባህሊ አተኲሮም መግለጺኦም ቀጸሉ።

ስለዚ እዚ ግዜ እዚ ደው ኢልና ኢድና እንህበሉ ወይ ውን ነታ ጃልባ ኣብ ገምገም ባሕሪ እነቐምጠሉ ወይ ንድሕሪት እንጥምትሉ ግዜ ኣይኰነን ፣ የግዳስ ስለ እንፈርሃን ብሕሉፍ ድኻማትና ስለ ዝሰልቾወናን ክንሃድም የብልናን ። እኳ ደአ ጐይታ ናብ ባሕሪ ወንጌላውነትን ተልእኾን ክንኣቱ ዚህበና እዋን ጸጋ እዩ። 

ስለዚ እምበር ነዚ ንምግባር ምርጫታት እውን ክንገብር ኣሎና ። ቀዳማይ ናብቲ ዓሚቁ አቢልካ ምኻድ፣ መርበባና ናብ ባሕሪ ምእንቲ ኽንድርቢ ካብቲ ገማግም መሓደሞት (delusioni) ዜጥቅዓናን ዘጨንቐናን ኣተሓሳስባ ክንርሕቕ ኣሎና። ልክዕ ከምቲ ምሉእ ለይቲ እኳ እንተ ጸዓረ "ከም ቃልካ ነቲ መርበብ አውርዶ አሎኹ" ዝበለ ስምኦን ካብ ስዕረት ናብ እምነት ንምሕላፍ ከምዚ ምግባር ኣድላዪ  እዩ። እንተዀነ ግን ኣብ ጐይታን ቃሉን መዓልታዊ ምውካል ጥራይ እኹል ኣይኰነን ብዙሕ ጸሎት እውን የድሊ ።

እቲ ኻልኣይ ምርጫ ኸኣ ብሓባር አብ ጉስነት ምዕያይ ኢዩ ። ኢየሱስ ኣብታ ዘንበብናያ ጥቕሲ ንጴጥሮስ ናብቲ መዓሚቝ አቢሉ ንኽኸይን ብድሕሪኡ ድማ "መርበብኩም ደርብይዎ" (ሉቃ 5፡4) ቢሉ ተልእኾ ሓቦም። ከምቲ ጐይታ ዝበሎም ገበሩ እሞ ዘይተ ጸበይዎ ተአምራት ኮነሎም፣ በዚ ኸምዚ ድማ ወንጌል ከምዚ ይብለና "ነቶም ኣብታ ኻልአይቲ ጃልባ ዝነበሩ ብጾቶም ከአ መጺኦም ኪሕግዝዎም ብምልክት ጸውዕዎም" (ሉቃ 5፡7)። ስለዚ ሓንቲ ዘይኰነትስ ክልተ ጃላቡ መልኡ። ሓደ ንበይኑ ጽምዋ ምዕጻው ይኣኽለኒ ምባል ኢዩ ዘመልክት፣ ክልተ እንክኾኑ ግና ርክብ ሓድነት ምትሕግጋዝ ኢዩ ዘመልክት።

ቤተ-ክርስትያን ሲኖዶስ ኢያ ሓሳብ ንሓሳብ እትለዋወጥ፣ ሕድሕዳዊ ምትሕግጋዝ፣ ሓባራዊ ጕዕዞ ኢያ። ዕላማ ናይ እዚ ሕጂ አብ ቀረባ እነካይዶ ሲኖዶስ እዚ እዩ ዕማላማኡ። ኣብታ ብጃልባ እትምሰል ቤተ-ክርስትያን ዅሉ ሰብ ቦታ ክረክብ ኣለዎ - ኵሎም እቶም እተጠምቁ ናብኣ ደይቦም መርበቦም ክድርብዩ ተጸዊዖም ኢዮም፣ ነቲ ወንጌል ክሰብክዎን ክነብርዎን በብግሎም ቃል ኣትዮም ኢዮም።

ስለዚ መራኸቢ እቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ ምስሊ እታ ሰብኣውን መንፈሳውን ኣገዳስን ዘለዋ ቤተ-ክርስትያን ይኸውን አሎ ማለት ኢዩ። ምይይጥ ሓላፍነት ከምኡውን ተሳትፎ እንተ ዘይተገይሩ እታ ቤተ-ክርስትያን ትኣርግ።

ቀጺሎም ድማ ቅዱስነቶም ፦ ሓደ ጳጳስ ብዘይ ካህናቱን ብዘይ እቶም ሕዝቢ አምላኽ ዝኾኑ መጓሰኡን ጳጳስ አይኮነን፣ ከምኡ ውን ሓደ ካህን ብዘይ አሕዋቱ ካህናትን ከምኡ ውን እቶም ኩሎም መሳርሕቱን ሰብ ውፍይት ህይወትን ካህን አይኮነን። ቤተ ክርስቲያን ድማ ብዘይ እቶም ካልኦትን ብዘይ ዓለምን ቤተክርስትያን አይኮነትን።

ኣብ መወዳእታ ሳልሳይ ምርጫ ገፈፍቲ ሰብ ምዃን እዩ ። ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ካብ መዓሙቝ ባሕሪ ዓለም ንሰባት ናይ ምውጻእ ሓላፍነት ሂብዎም ኢዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ባሕሪ ምስቲ ሰባት ኪቈጻጸርዎ ዘይክእሉ እኩይን ሕማቕን ሓይሊ ዘለዎ ቦታ እዩ ዚተሓሓዝ ። ስለዚ ዓሳ ምግፋፍን ካብ ማይ ምውጻእን ኪበሃል ከሎ ካብቲ ኸም ዚጥሕሉ ዚገብሮም እከይ ብምድሓን ካብ ኵሉ ዓይነት ሞት ከውጽእዎምን ከናግፍዎምን ማለት ኢዩ ።

ኣብዚ ሎሚ ዘሎ ሕብረተሰብ አረ እኳ ደአ ኣብዚ ፖርቱጋል እውን ከይተረፈ ብዙሕ ጸልማት ኣሎ። ውዕዉዕ ስምዒት ንኽሓልሞ ዘሎና፣ ትብዓትን ብድሆታትን ንኽንዋጽኣሉ ዘበርትዓና፣ ከም፤ኡ ውን ኣብ መጻኢ ዘሎና ምትእምማን ዝጐደለ ዀይኑ ኢዩ ዝስምዓና ። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ድማ ኣብ ስግኣት ቍጠባዊ ጸገም ኣብ ድኽነት ማሕበራዊ ጸገማት ከምኡውን ኣብ ጕድለት ተስፋ ኢና እንጓዓዝ ዘሎና። ንሕና ኸም ቤተ-ክርስትያን መጠን ኣጻብዕና ኸየመልከትና መርበብ ወንጌል ብምድርባይ የግዳስ ነቶም ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ሰባት ናይ ምድሓን ናብ ኢየሱስ ሓድሽ ህይወት ናይ ምርካብ ሓላፍነት ተዋሂቡና ኣሎ ።

አብ መወዳእታ ንቤተ-ክርስትያን ፖርቱጋል ንዝዀነ ይኹን መስቀላዊ መገዲ ዝረኸቦ ሰብ መሪሕ፣ ብማዕበል ንእተሰብረት መርከብ "ወደብ ድሕነት ዝዀነት መዕቈቢ" ኽንገብራ ንሕልም! እክብሉ ነቶም አብኡ ተረኺቦም ዝነበሩ ኩሎም ድሕሪ ምምስጋን፣ ንኽጽልዩሎም ውን ተማሕጺኖም ስብከቶም ዛዘሙ።

02 August 2023, 23:07