ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ መንጎሊያ፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘገድስ ቁጽሪ ኣይኮነን ር.ሊ.ጳ. ኣብ መንጎሊያ፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘገድስ ቁጽሪ ኣይኮነን  ርእሰ ዓንቀጽ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ መንጎሊያ፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘገድስ ቁጽሪ ኣይኮነን

ር.ሊ.ጳ. ሞንቲኒ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራባዊ ገማግም ደሴት ኡፖሉ ኣብ እትርከብ ቁሸት ሌውሉሞኤጋ ቱዋይ ኣብ ዘካየድዎ ምብጻሕ፡ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ “ናባኻትኩም ዘምጽኣኒ ናይ ምጉዓዝ ባህታ ኣይኮነን፡ እንታይደኣ ኩላትና ኣሕዋት ዝለ ዝኾን እየ፡ ዝመጻእኩ

ናይ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ሓረግ፥ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ እስያዊት ሃገረ ሞንጎሊያ ንዝገብረዎ ምብጻሕ ብዕምቆት ንምርዳእ ይሕግዝ፥ ነዚ ዝበሉ  ናይ ዜና ቫቲካንን ናይ ዜና ቫቲካን ርእሰ ዓንቀጽ ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኔሊ ነቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 31 ነሓሰ ክሳብ ዕለት 4 መስከረም ኣብ ሞንጎሊያ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ኣማእኪሎም ኣብ ዘውጽእዎ ርእሰ ዓንቀጽ ክኸውን እንከሎ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ፍራንቸስኮ ናብ ሞንጎሊያ ንኽብገሱ ቀሪቦም ኣለዉ፡ እዚ ምብጻሕ እዚ “ኣዝየ ዝምነዮ” እንክብል ዝገለጽዎ ሓዋርያዊ መገሻ፡ ድሮ ኣብቲ ዘይተፈጸመ ግን ብዙሕ ሃረር ዝተባህለ ንመደባት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዘዘኻኽር ኮይኑ፡ ኣብ መጀመርታት 1990 ዓ.ም. ማሕበረሰብ ክርስቲያን ክህልዋ ዝገበሩ ልኡካነ ወንጌል ዝበጽሕዋ ሃገረ ሞንጎሊያ ኣብ ማእከል እስያ እትርከብ “ብቑጽሪ ውሑድ ብእምነት ግን ህያው ብፍቕሪ ዓቢይ” ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንኸተእንግድ ትሰናደው ኣላ። ፍራንቸስኮ ምስቶም 1500 ካቶሊካውያን እታ ሃገር ጥራይ ዘይኮኑ፡ ምስቶም ኩሎም “ክቡራትን ለባናትን - ዓቢይ ቡድሃው ትውፊት ምስ ዘለዎ ህዝቢ ክራኸቡ እዮም። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንምንታይ እዮም ናብ ሞንጎሊያ ዝኸዱ ዘለዉ? እንታይ እዩ ነቲ ንእሽቶ ካቶሊካዊ ጉጅለ ንምብጻሕ ዝድርኾም ዘሎ? ናብታ ምስ ፈደራላዊት ሩሲያን ሕዝባዊት ረፓብሊካዊት ቻይና እትዳበው ሃገር ንኽበጽሑ ዘለዎም መደብ፥ “ፖለቲካዊ ስነ መልክዓ ምድራዊ ኣቀማምጣ” ዝምልከት ጉዳይ ድዩ? ኣብ ክውንነት እቲ ድርኺት ሓዋርያዊ ጉዕዞ፥ “ፖለቲካዊ ስነ መልክዓ ምድራዊ ኣቀማምጣ” ትርጉም የብሉን። እዚ ብርግጽ ናይ ኾርገ ማርዮ በርጎሊዮ ሓሳብ እውን ኣይኮነን።

ዕለት 30 ሕዳር 1970 ዓ.ም. ጳውሎስ ሻድሻይ ነዊሕ ጉዕዞ ዝሓትት ክሳብ ኣብ ፓሲፊክ ውቅያኖስ ዝርከባ ደሴታት ሳሞዋ በጺሖም እዮም። ር.ሊ.ጳ. ሞንቲኒ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራባዊ ገማግም ደሴት ኡፖሉ ኣብ እትርከብ ቁሸት ሌውሉሞኤጋ ቱዋይ ኣብ ዘካየድዎ ምብጻሕ፡ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ “ናባኻትኩም ዘምጽኣኒ ናይ ምጉዓዝ ባህታ ኣይኮነን፡ እንታይደኣ ኩላትና ኣሕዋት ዝለ ዝኾን እየ፡ ዝመጻእኩ፡ ካም ኣቦ ስድራ ቤት መጠን ድማ ካብዛ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝኾነት ስድራ ንኹሉ ሰብ ማዕረ ፍቕሪ ክረክብ መሰል ከም ዘለዎ እዩ ዘርኢ - ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን” እንታይ ማለት ምዃኑ ትፈልጡ ዶ? እወ ኵላዊ ማለት እዩ ንኹሉ ሰብ ዝቖመ እዩ፡ ኣብ ዝኾነ ቦታ ባዕዳውነት ዘይትፈልጥ ንፍሲ ወከፍ ሰብ፥ ሃገሩን ቋንቁኡን ዓሌትን ዕድመኡን ትምህርቱን ብዘይገድስ ‘ቦታኡ ዝረኽበሉ እዩ” ከም ዝበሉ ይዝከር።

ቤተ ክርስቲያን ንኹሉ ዝኸውን ቦታ ዘለዋ። ቁጽሪ ቀዳምነት ዘይኮነላን ማንም ባዕዳዊ ዘይኮነላ ቋንቋ ባህሊ ወይ ብሔር ማእከል ዘይኮነላ እያ። ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ ሊዝበን ተረኺቦም ‘ቤተ ክርስቲያ ‘para todos - ንዅሉ ሰብ እንክብሉ ገሊጾም እዮም። ድሕሪ ዓለም ለኸ ቅነ መንእሰያት ሊዝበን ጳጳስ ሮማ ናብ ካልእ ጉዕዞ ይሰናደዉ ኣለው፥ ‘ንሞንጎላውያን ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን’ ከም ሓው “ኣብ መንጎኹም ክርከብ ሓጎስ” ይስምዓኒ፥ ሓጎስ ይፈጥረለይ እንክብሉ ድሮ ከም ዝሓበሩ ቶርኔይሊ ብምዝኽኻር ዘውጽእዎ ርእሰ ዓንቀጽ ይዛዝሙ።

29 August 2023, 15:39