ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ፖርቱጋላውያን ግዳያት ግህሰት ብውልቂ ተራኺቦም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ፖርቱጋላውያን ግዳያት ግህሰት ብውልቂ ተራኺቦም  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ፖርቱጋላውያን ግዳያት ግህሰት ብውልቂ ተራኺቦም

ኣብ ኩሉ ደረጃታት ኣተሓሳስባታት ምቕያር ከምኡ እውን ነቶም ነዚ መዓት እዚ ዝቃልዑ ንምክልኻል ወሳኒ ተወፋይነት ክህሉ እውን ኣተሓሳሲቦም ከም ዝነበሩን . . .

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 2 ነሓሰ ምሸት ምስ 13 ፖርቱጋላውያን ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ምስ ዝኾኑ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ህንጻ ብሕታዊ ርክብ ከምዘካየዱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ፍራንቸስኮ ኣብ ፖርቱጋል ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ኣደዳ ጾታዊ ዓመጽ ምስ ዝኾኑ 13 ግዳያት ብውልቂ ተራኺቦም ከምዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ከምዘፍለጡን እቲ ርክብ ኣብ ሊዝበን ኣብ ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ሕንጻ ዝተኻየደ ኮይኑ፥ እዚ እውን ቅዱስነቶም ድሕሪ ምስ ናይ ፖርቱጋል ብጹዓን ጳጳሳት ውሉደ ክህነት ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ገዳማውያንን ገዳማውያትን ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ተዋፊሮም ምስዘገልግሉን ድሕሪ ዘካየድዎ ርክብ ክኸውን እንከሎ፥ ነቶም ብናይ ፖርቱጋል ብጹዓን ጳጳሳት ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝተሰነዩ 13 ብኣባላት ውሉደ ክህነት ግዳይ ግህሰት ዝኾኑ ብናይ ፖርቱጋል ኣቆጻጽራ ምሸት ሰዓት 20.15 ደቓይቕ ተቐቢሎም ከምዘዘራርቡ ብሩኒ ሓቢሮም፥ እቲ ዝተኻየደ ርክብ ኣብ ጽዑቕ ምስማዕን ንልዕሊ ሓደ ሰዓት ዝተኻየደን ምንባሩ ኣነጺሮም፡ ቅድም ክብል ቅዱስነቶም ኣብቲ ምስ ኣቡናትን ካህናትን ዘካየድዎ ርክብ፥ ጳጳሳትን ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ንጾታዊ ዓመጽ ውሉደ ክህነት ኣብርቲዖም ክቃለሱን ንግዳያት ክሰምዑን ብኣጽንዒት ኣተሓሳሲቦም ከም ዝነበሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ወሳኒ ተወፋይነት

ናይ ፑርቱጋል ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዛዕባ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ዝሓልይ ሽማግለ መጽናዕቲ ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝምልከት ኣብ ወርሒ ለካቲት 2023 ዓ.ም. ካብ 1950 - 2022 ዓ.ም. ምስ ዘጋጠመ ጉዳያት ግህሰት ዝተኣሳሰረ ቁኑዕ ምስክርነት መሰረት ገይሩ ዘወጸኦ ናይ ምወዳእታ ጸብጻብ ብወግዒ ኣቕሪቡ ከምዝነበረን እዚ እውን ብጠቕላላ 4,815 ግዳያት ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝምልከት ክኸውን እንከሎ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘለዉ ኩሎም ነቲ ዝተፈጸመ ዓመጽ ግህሰት “መዓት” ክቃለሱን ንግዳያት ክሕግዙ ብተደጋጋሚ ጻውዒት ከምዘቕረቡን፥ ኣብ 2019 ዓ.ም. ወርሒ ለካቲት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ነዚ ጉዳይ እዚ ንምፍታሕ ፈላማይ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ጸዊዖም ከምዝነበሩ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብ ኩሉ ደረጃታት ኣተሓሳስባታት ምቕያር ከምኡ እውን ነቶም ነዚ መዓት እዚ ዝቃልዑ ንምክልኻል ወሳኒ ተወፋይነት ክህሉ እውን ኣተሓሳሲቦም ከም ዝነበሩን የዘኻኽር።

03 August 2023, 10:06