ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሊዝበን ኣትዮም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሊዝበን ኣትዮም  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሊዝበን ኣትዮም

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መበል 42 ዓለም ለኸ ሓዋርያዊ መገሻ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ካብ ዕለት 2 – 6 ነሓሰ ዝካየድ መበል 37 ዓለም ለኸ ቅነ መንእሰያት ኣብ ሊዝበን ንኽርከቡ ናብ ፖርቱጋል ንመበል 42 ሓዋርያዊ ጉዕዞም ከምኡ እውን ኣብ መካነ ንግደት ደብረ ማርያም ፋጢማ ንኽበጽሑን ዕለት 2 ነሓሰ ሮማ ካብ ዝርከብ ፊውሚቺኒ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ሰዓት ሸውዓተን ሓምሳን ደቓይቕ ከም ዝነቐሉን፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ፍራንቸስኮ ንመበል 37 ዓለም ለኸ መዓልቲ መንእሰያት ንምጽምባል ንመበል 42 ዓለም ለኾ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ናብ ፖርቱጋል ተበጊሶም ብናይ ኢጣሊያ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት 10.43 ደቓይቕ ሊዝበን ኣብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ፊጎ ማዱሮ ምስ ኣትዉ ብናይ ረፓብሊካዊት ፖርቱጋል ርእሰ ብሔር ማርቸሎ ረበሎ ደ ሶዛን ኣብ ፖርቱጋል ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ኢቮ ስካፖሎን ኣቀባብላ ምስ ተገብረሎም ንኽብሮም ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ሃገረ ፖርቱጋል ሰንደቓዊ መዛሙር ምስ ተሰምዐ ንኽብሮም ብናይታ ሃገር ክቡር ዘበዐይና ናይ ክብሪ ሰላምታ ምስ ቀረበ ተሰናቢቶም ንኽብሪ መግንስትን ሃገርን ህዝብ ፖርቱጋል ካብ ቤለም ቤተ መግንስቲ ከም ዝኸዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

02 August 2023, 11:53