ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሓዋርያዊ ጉዕዞ ናብ ፖርቱጋል ተበጊሶም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሓዋርያዊ ጉዕዞ ናብ ፖርቱጋል ተበጊሶም  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሓዋርያዊ ጉዕዞ ናብ ፖርቱጋል ተበጊሶም

ቅዱስነቶም ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ነተን ናይ ኣየር ዶባተን ንዘቋርጹለን ሃገራት ኢጣሊያ ፈረንሳን ስፐይንን ናይ ተለግራም መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፉን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ካብ ዕለት 2 – 6 ነሓሰ ዝካየድ መበል 37 ዓለም ለኸ ቅነ መንእሰያት ኣብ ሊዝበን ንኽርከቡ ናብ ፖርቱጋል ንመበል 42 ሓዋርያዊ ጉዕዞም ከምኡ እውን ኣብ መካነ ንግደት ደብረ ማርያም ፋጢማ ንኽበጽሑን ዕለት 2 ነሓሰ ሮማ ካብ ዝርከብ ፊውሚቺኒ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ሰዓት ሸውዓተን ሓምሳን ደቓይቕ ከምዝነቐሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ፍራንቸስኮ ንመበል 37 ዓለም ለኸ መዓልቲ መንእሰያት ንምጽምባል ንመበል 42 ዓለም ለኸ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ናብ ፖርቱጋል ተበጊሶም።

ቅዱስነቶም ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ነተን ናይ ኣየር ዶባተን ንዘቋርጹለን ሃገራት ኢጣሊያ ፈረንሳን ስፐይንን ናይ ተለግራም መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፉን፥

ኣብቲ ንናይ ረፓብሊካዊት ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ሰርጆ ማታረላ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥

ኣብ ኣጋጣሚ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ንኽርከብ ናብ ፖርቱጋል ኣብ ዝጓዓዘሉ እዋን ብእምነት ተደሪኽና “ተንሲእና ክንከይድ” ሃንቀውታ ስለ ዘሎና ካብቲ ምስ ክርስቶስ ዘጋጥመና ምርኻብ ብርታዐ ክረኽቡን ሓቅን ትርጉም ህይወትን ንምርካብ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ምትብባዕ ክረክብ ተስፋ እገብር፡ ነቲ ተስፋ እዚ ምሳኹም ክቡር ፕረዝደንት ብርግጽ ክካፈሎ እደሊ፡ ብኣኹም ኣቢለ ንመላእ ኢጣሊያውያን ሰላምታይ ከመሓላልፍ ድማ እፈቱ፡ ሰላምን ምዕባለን እናተመነኹ ብጸሎተይ ኣሰንየኩም ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ቅዱስነቶም ንናይ ረፓብሊካዊት ፈረንሳ ርእሰ ብሔር ኤማኑኤል ማክሮን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ተለግራም መልእኽቲ፥ “ናብ ፖርቱጋል ኣብ ዝኸደሉ እዋን ብዶብ ኣየር ፈረንሳ ክሓልፍ ከለኹ፥ ንኣኹም ክቡር ርእሰ ብሄርን ንዜጋታት ፈረንሳን ናይ ሰናይ ምንዮት ምግለጺ መልእኽቲ ሰላምታይ እሰድድ፣ ንሰላምን ንሰናይ ህይወት መላእ ሃገርን ህዝብን ጸሎተይ አረጋግጽ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ከመልክት እንከሎ፥ ንናይ ስፐይን ግርማውነቶም ፍሊፐ ሻድሻይ ንጉስ ስፓይና ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ተለግራም እውን፥ ናብ ፖርቱጋል ኣብ ዝኸደሉ እዋን ኣብ ልዕሊ ናይ በረራ ኣየር ዶብ ሃገርኩም ከቋርጽ፥ ኣብ ጸሎተይ ዝኩራት ምዃንኩም ብምርግጋጽ፡ ኣብ ልዕሊ ንጉስነትኩምን ሃገርኩምን ካብቲ ከሃሌ ኩሉ ኣምላኽ ናይ ህድኣትን ሓኣጎስን በረኸት እምሕጸን” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

  

02 August 2023, 09:40