ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ንጉዕዞ ናብ ፖርቱጋልን ንዓ.ቅ.መ. ሊዝበን ይጽልዩ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ንጉዕዞ ናብ ፖርቱጋልን ንዓ.ቅ.መ. ሊዝበን ይጽልዩ 

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ንጉዕዞ ናብ ፖርቱጋልን ንዓ.ቅ.መ. ሊዝበን ይጽልዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዛካይድዎ መገሻን ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያትን ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ድሕነት ሮማውያን ብሕድሪ ንኽህቡ ሮማ ናብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ከም ዝነገዱ

ዕለት 31 ሓምለ ድሕሪ ፍርቂ መዓልቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ፖርቱጋል ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻን ኣብ ሊዝበን ንዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያትን ንኹሎ መንእሰያት ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ድሕነት ሮማውያን ሓደራ ንኽብሉ መንፈሳዊ ንግደት ኣካይዶም ኣብ ፊት ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ናይ ግሊ ጸሎት ከምዘዕረጉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና እቲ ካብ ዕለት 2 – 6 ነሓሰ ኣብ ሊዝበን ኣብ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ምስ ዝሳተፉ መንእሰያት ንኽራኸቡ ቅድሚ ምንቃሎም፡ ነዚ ዛካይድዎ መገሻን ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያትን ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ድሕነት ሮማውያን ብሕድሪ ንኽህቡ ሮማ ናብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ከም ዝነገዱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነትም ኣብ ፊት ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ተረኺቦም ናይ ብሕቲ ጸሎት ከም ዘዕረጉን ንኹሎም እቶም መንእሰያት ንኣደኣዊ ሓለዋኣ ሕድሪ ከም ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሰንበት ዕለት 30 ሓምለ ፍርቂ መዓልቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ዝተኣንገድሉ ጉባኤ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ብሓባር ምስ ደገሙ፥ ነቶም ካብ ኵለን ኣህጉራት ዝተዋጽኡ ኣብ ፖርቱጋል ኣብ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ንዝሳተፉ እናሓሰቡ፥ ነታ ድሕሪ ብስራተ ገብርኤል፥ ብታህዋኽ ተንሲኣ ንኸተገልግል ንዝኸደት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ሓለዋ ሕድሪ ከምዝበሉ ዝዝከር ኮይኑ፥ ቅዱስነቶም ኣብዚ መበል 42 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻኦም ዝኽተልዎ ወግዓዊ መርሓ ፍጻሜታቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፥ ቅዱስነቶ ዕለት 2 ነሓሰ ንግሆ ሰዓት ሸውዓተን ሓምሳን ደቓይቕ ሮማ ካብ ዝርከብ ፊውሚቺኖ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ክነቕሉን ሰዓት ዓሰርተ ሊዝበን ክበጽሑ መደብ ከምዘሎን፡ ብናይ ረፓብሊካዊት ፖርቱጋል ርእሰ ብሔር ማርሰሎ ረበሎ ደ ሱዛ ኣብ ቤለም ቤተ መንግስቲ ወግዓዊ ኣቀባብላ ክግበረሎምን ኣብኡ እውን ምስ ሰበ ስልጣንን ላዕለዎት ኣካላት በርገሳውያን ማሕበራትን ኣብ ፖርቱጋል ምስ ዝርከቡ ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታትን ናይ ሃይማኖት መራሕትን ኣብ ዝርከብሉ ጉባኤ መደረ ከምስዑ እዩም። ድሕሪ ቐትሪ ምስ ናይ ፖርቱጋል ህዝባዊ ባይቶ ኣቦ መንበርን መራሔ መንግስትን ምስ ተራኸቡ ምስ ጳጳሳት ፖርቱጋል ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያንት ዲያቆናትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ተዋፊሮም ዘገልግሉን ብሓባር ኣብ ጸሎተ ዘሰርክ መሪሖም ንኽሳተፉ ናብ ገዳመ ዶስ ጀሮኒሞስ ክኸዱ ከም ዝኾኑ ዜና ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሱ ይሕብር።

ንጽባሒቱ ሓሙስ ዕለት 3 ነሓሰ ንግሆ ኣብ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ፖርቱጋል ቅርዓት ምስ ተመሃሮ ክራኸቡ እዮም። ኣብ ካሺያስ ምስ መንእሰያት ኣባላት ማሕበር ኣባይቲ ትምህርቲ መረብታዊ ርክባት ክራኸቡን ኣብኡ ካብ ዝተፈላለያ ሃይማኖት ዝተዋጽኡ መንእሰያት ዘቕርብዎ ቃል ምስክርነት ቀሪቡን ቃለ ምዕዳን ክልግሱን ምስ ካልኦት ሃይማኖታት መራሕቲ ብሓባር ንምልክት ሰላም ኣውሊዕ ክተኽሉ እዮም።

ድሕሪ ቀትሪ ናብ ሊዝበን ክምለሱን ኣብ ቅርዓት ኤድዋርዶ ሻብዓይ ኣብ ኣቀባብላ ስነ ስርዓት ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ክሳተፉን ትጽቢት ይግበር። ዓርቢ ዕለት 4 ነሓሰ ንጎሆ ኣብ ቤሌም ኣብ ዝርከብ ቫስኮ ዳጋማ ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ስነ ስርዓት ምስጢረ ንስሓ ክሰርዑ እዮም፡ ኣስዒቦም ኣብ ሰበኻ “ዳ ሰራፊና” ምስ ወከልተ ማሕበራት ግብረ ሰናይ ክራኸቡን ኣብቲ ኣብዚ ምብጻሕ እዚ መዕረፊኦም ኣብ ዝኾነ ሕንጻ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ካብ ዝተፈላለያ ዓሰርተ ብሔራት ዝተዋጽኡ መንእሰያት ሓቢሮም ናይ ምሳሕ መኣዲ ምስ ተቛደሱ ምሸት ኣብ ኤድዋርዶ ሻብዓት ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ኣብቲ መንእሰያት ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣሳቲፉ ኣብ ዝዓርግ ጸሎት ፍኖተ መስቀል ክሓብሩ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

01 August 2023, 11:51