ድለ

ር. ሊ. ጳ.፡- ምስ ተማሃሮ መንበረ ጥበባት አብ ዝተራኸቡሉ ዘቕረብዎ መደረ ር. ሊ. ጳ.፡- ምስ ተማሃሮ መንበረ ጥበባት አብ ዝተራኸቡሉ ዘቕረብዎ መደረ  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር. ሊ. ጳ.፡- ምስ ተማሃሮ መንበረ ጥበባት አብ ዝተራኸቡሉ ዘቕረብዎ መደረ

ር. ሊ. ጳ. ዩኒቨርሲቲታት ነቲ ዝለዓለ ትምህርቲ ናይ ሒደት ሰባት ፍሉይ መሰል ዝዀነሉ ዓለምለኻዊ ስርዓት ብሉጻትን ዘይማዕርነትን ዘቐጽል ክኸውን የብሉን

አብ መጀምርታ መደረኦም ነታ ናይ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ፖርቱጋል ዋና-ሓለቓ ስለቲ ናይ እንቋዕ ድሓን መጻእኹም ዘቅረበትሎም ቃል ድሕሪ ምምስጋን፣ ከምቲ አብ መደረአ ዝጠቐሰቶ እወ ኩልና ገያሾን ነግድያንን ኢና ቢሎም፣ ኵላትና ሓድሽ ትርጕም ንምርካብ ካብ መዓልታዊ ንጥፈታትና ብምውጻእ ከም ነጋዶ ዝኾና ኮይኑ እዩ ዝስምዓኒ።

ኣባ ተወልደ መብራቱ - ሃገረ ቫቲካን

 ከም ነግድያን መጠን ካብ ገዛእ ርእስና ወጽእ ኢልና ክንጉዓዝ ዚኸብደና ዓበይቲ ሕቶታት የጋጥመና እዩ ። እዚ መስርሕ እዚ ንተመሃሮ መንበረ ጥበባት ዝኾኑ መንእሰያት ከም ንመንፈሳዊ ጕዕዞ ኣጸቢቖም ዝፈልጥዎን ዝርድእዎም ኢዮም። ከመይሲ ፍልጠት ብኸመይ ከም ዝውለድን መንፈሳዊ ጕዕዞ ብኸመይ ከም ዝጅምርን ኢዩ ዘመልክተልና።” ቅዱስ ነቶም ተማሃሮ “ወትሩ አብ ህይወት ቅልጡፍን ቀሊልን መልሲ ክንረክብ ኢልና ከይንሰርሕ ጥንቃቐ ክንገብር አለና፣” ብምባል እካብ ቃል ቅዱስ ወንጌል ምስላ ኢየሱስ ክርቶስ ጠቐሱሎም። ከምቲ ሓደ ነጋዳይ ክቡር ዕንቊ ንምርካብ ነዊሕ አድካምን ከምኡ እን ሓደጋ ዘለዎ መስዋዕቲ ዝሓትት መገሻ ዝኸይድ፣ ተማሃሮ ውን ነቲ ክቡር ዕንቊ ፍልጠት ንኽረኽቡ ቀሊልን አቋራጭ አኾነ መንገዲ ከይ መርጹ ትማሕጸንዎም።

ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ፖርቱጋል

ካብ ጽሑፋት ፖርቱጋላዊ ፍላስፋ ፔሶኣ ብምጥቃስ "ዕጋበት ዘይብልካ ምዃን ሰብ ምዃን ማለት ኢዩ።” ስለዚ መድሓኒት ናይ ይኣኽለኒ ምባልን ርእሰ-ምትእምማንን ክንዲ ዝኾነ፣ ወትሩ ብተግባራትናን አብ ስራሕናን ቀለልቲ ኮይና ከይንርከብ ክንፈርህ የብልናን። “ከም ዳህሰስቲ ዀነ ከም ነጋድያን መጠን ኣብ ዓለም እኳ እንተሎና ናይ ዓለም ግን ኣይኰንናን ።” ንዝለዓለ ጉዳይ ተጸዊዕና ክንዲ ዝኾና ካብ መጀመርታ እንተ ደአ ብቕልጣፈ እንተ ደአ ዘይተበገስና ኸኣ ክንበርር አይንኽእልን ኢና። በቲ ትርጕም ናይ መጻኢ ንምርካብ ዘሎና ውሽጣዊ ጽምኢ ኽንጭነቕ የብልናን የግዳስ ንህይወት ክነብራን ተስፋ ከይቆረጽና ክንጕዓዝን ኢዩ ዘሎና። ብምባል ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ ነዚ ዘመን እዚ ተስፋ ዝህብ ንመንእሰይ ከንቀሳቕስን ዝኽእል ቃል ማዕዳን አስምዑ።

ቀጺሎም ቅዱስነቶም ንዓለም ከም መስርሕ ሕርሲ ገይሮም ንኽርእይዋ ደአ እምበር ከም ናይ ሞት መስመር ጌሮም ከይግንዘብዋ አተባብዕዎም። ከመይሲ እንክብሉ ቅዱስነቶም ህይወት ወትሩ ከም ጅማሬ ናይ ሓድሽ ምዕራፍ ታሪኽ ገይርካ ገይሮም ንኽርእዋ አገዳሲ ምዃኑ ገለጹ ። ነቲ ኣብ ህይወት ዚርአ "ኩሉ ዓይነት ምንቅስቓሳት" ዜኽብርን ንሰብ ኣብ ማእከል ዝገብረ ሓድሽ ናይ ምህሃድ ጥበብ ንምርካብ ጽዓሩ። ርእስኻ ምዕቃብ ፈተና እኳ እንተዀነ ንጥርጥራትና ብሕልምታት ምትካእን ሸቶታት ንምውቃዕ ምጽዓርን ግን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ር. ሊ. ጳ. ዩኒቨርሲቲታት ነቲ ዝለዓለ ትምህርቲ ናይ ሒደት ሰባት ፍሉይ መሰል ዝዀነሉ ዓለምለኻዊ ስርዓት ብሉጻትን ዘይማዕርነትን ዘቐጽል ክኸውን የብሉን። ፍልጠት ከም ሓላፍነት ጌርካ ኺርአ ኣለዎ እቶም ካብ ዝለዓለ ትምህርቲ እተጠቕሙ ኸኣ ገለ ነገር አምሳያኡ ንሕብረተሰብ መልሲ ንምሃብ ክጽዕሩ ኣለዎም ። ኦሪት ዘፍጥረት "ኣበይ ኣለኻ?" ከምኡውን "ሓውካ ኣበይ ኣሎ?" ክብል ይሓተና አሎ። እዚ ድማ  ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ አገዳሲ ሕቶ ኢዩ፣ ከምይሲ ነቲ ዘሕለፍዎ ተመክሮ ኸም ኣገልግሎት ኣሕዋት ገይሮም ኪርእይዎን ዝያዳ ፍትሕን ማዕርነትን ዘለዎን ሕብረተሰብ ንምምጻእ ኪጽዕሩን ኣለዎም። ዩኒቨርሲቲታት ከም "ነጋድያን ፍልጠት" ነዚ ለውጢ እዚ ንምምጻእ ክሰርሑን አብ ሕብረተሰብ ፍትሕን ማዕርነትን ንምቛም ኣበርክቶ ኽገብሩ ኣለዎም።

አስዒቦም ቅዱስ አቦና ነቶም ቢያትሪስ፣ ማሁር፣ ማሪያና፣ ከምኡውን ቶማስ እተባህሉ "ቀንዲ ቀለስቲ ለውጢ" ብምዃን ነቲ ንለውቲ ዘለዎም ውዕዉዕ ስምዒትን ክውንነትን ብምስክርነት ኣካፊሎምና ኢዮም። ነቲ ሆሴ ደ ኣልማዳ "ኵሉ ሰብ መምህር ዝኾነሉ ሃገር ኢየ ዝሓልም ነይረ!" ዝብሎ ሓረግ ጠቒሶም። ንደቅሰብ ድንጋጸን ሰብአውነትን ከምኡውን ንምድርናን ንተቐማጦኣን ሓድሽ መጻኢ ዘስፋሕፍሑ መምህራን ወለዶ ክዀኑ ተስፋ ይገብር ክብሉ ቅዱስ አቦና አብ ልዕሊ እዞም መንእሰያት ዝኾኑ ተመሃሮ መንበረ ጥበባት ዘለዎም ተስፋ ብምግላጽ ተላበውዎም ።

ቅዱስነቶም ነዚ ሓባራዊ ቤትና ብህጹጽ ክንከናኸኖ ኸም ዘሎና ምግንዛብ አብ ልቦናን ሰብኣዊ ኣተሓሳስባን ለውጢ ኽንገብር ኣሎና ። ነቲ ስልጣነን ዕቤትን ዓለምና እንደገና ንምምሕያሽ ዜድሊ ግዜ ወሲድና ክንሰርሓሉን ኽንቃለስን ኣሎና። ምዕቡል ስነ-ፍልጠታውን ተግባረእዳዊ ስልጣኔ ዝኾነ መሳርሒታት ስለ ዘሎና ካብ ብስለት ዝጐደሎን ከፊላዊ ዝኾነ አገባባት ክንርሕቕ ኣሎና። እተፈላለየ ኣተሓሳስባ ኣብ ክንዲ ዚህልወና ንመላእ ዓለምና ብፍላይ ድማ ድኻታትን መሳኪንን ንዜጋጥሞም ስቓይ መፍትሔ ዝኸውን ሓድነት ዘለዎ ራእይ የድልየና ።

ብድሕሪ እዚ ቅዱስነቶም ባዕባ ነቲ ን"ፍራንቸስካዊ ቁጠባ" እተወፈየ ሓድሽ ናይ ትምህርቲ መንበር ንኣገዳስነት ቍጠባ ደቂ ኣንስትዮ ንምጕላሕ ብስም ቅድቲ ክላራ ከም እተሰምየ ብምጥቃስ። ደቂ አንስትዩ ኣብ ክንክን ብሓባር ንምንባር፣ ከምኡውን ኣብ ጥዕና ዅሎም እንተላይ ኣብ ድኻታትን ጓኖትን ብምትኳር መራሕቲ ስድራ ቤታት እየን ቢሎም። እቲ ዓለምለኻዊ ወዕሊ ትምህርቲ ዝሃቦ ሸውዓተ መሰረታዊ ስርዓታቱ ነቲ ሓባራዊ ቤትና ንምክንኻን ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ከምኡውን ብዛዕባ ቝጠባን፣ ፖለቲካን፣ ስልጣኔን ከምኡውን ምዕብላና ሓድሽ ዝኾነ ምርዳእ ዝኣመሰሉ ጕዳያት መፍትሔ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ስለዚ ነዚ  ዓለምለኻዊ ውዕል ምጽንዑን ምምርማሩን ከምኡውን አብ ኩሉ ተቐባልነት ንኽረክብን ዘተባብዕ ኢዩ ። እተን ኢየሱስ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ እተዛረበን ቃላት ምቕባል ጋሻን ምስ ሰባት ምርኻብን ንዘለዎ ኣገዳስነትን ነቲ ዘሎናዮ ዅነታት ናይ ምቕያር ሓይልን ከም ዘለዎ ዘጕልሕ ኢዩ። ክብሉ ነቶም ብዙሓት መንበረጥበብ ፕርቱጋል ተአኪቦም ዝነበሩ ተማሃሮ ቃለ ማዕዳን አስምዕዎም።

አብ መወዳእታ ድማ ቅዱስነቶም ነቶም ኣብ መንበረ-ጥበባት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ዚርከቡ ምሁራት ብወንጌል ዝመቀሩን ብመንፈስ ዝተነቓቕሁን ምኹኖም ጠቀሱ። ተመሃሮ ፍልጠትን ክእለትን ኬጥርዩ ኸለዉ ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ዘለዎም ፍልጠት ይዓብዩን ንመጻኢ መገዶም የስተውዕሉን ምዃኖም እውን አመልከቱ ሎም። በዚ ኸምዚ ድማ ማሕበረሰብ ሓድነት ከም ዚህልዎ ብምግባር ንቕድሚት ኪግስግሱን ካብኡ ንላዕሊ ኺጽዕሩን አተባብዕዎም ።

03 August 2023, 11:59