ድለ

ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ንማርያም ሕድሪ ይብሉ!

“ንዓኣ ጉዕዞ ክርስቲያን እተብርህ ደማቕ ኮኾብ ኮሎም ነቶም ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ዝሳተፉ ሓደራ እብል”

ሰንበት ዕለት 30 ሓምለ ፍርቂ መዓልቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ዝተኣንገድሉ ጉባኤ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ብሓባር ምስ ደገሙ፥ ነቶም ካብ ኵለን ኣህጉራት ዝተዋጽኡ ኣብ ፖርቱጋል ኣብ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ንዝሳተfu እናሓሰቡ፥ ነታ ድሕሪ ብስራተ ገብርኤል፥ ብታህዋኽ ተንሲኣ ንኸተገልግል ንዝኸደት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ሓለዋ ሕድሪ ይብሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ናብቲ ናብ ፖርቱጋል ካብ ዕለት 2 – 6 ነሓሰ ዝገብሮ ጉዕዞ ብጸሎትኩም ከተሰንዩኒ ሓደራ”  ቅዱስነቶም ነዚ ዝበሉ ነቶም ድሮ ኣብ ፖርቱጋል ርእሲ ከተማ ሊዝበን ኣብ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ንዝሳተፉ ኵሎም ኣናሓሰቡ ክኸውን እንከሎ። ካብ ኩለን ሃገራት ዝመጹ ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ዝሳተፉ፥ በታ ድሕሪ ብስራተ ገብርኤል ንኸተገልግል ተንሲኣ ብታህዋኽ ዝኸደት ድንግል ማርያም ተመሪሖም ምስ እግዚኣብሔርን ኣሕዋቶምን ናይ ምርኻብ ድሌት ክነብሩ እዮም። “ንዓኣ ጉዕዞ ክርስቲያን እተብርህ ደማቕ ኮኾብ ኮሎም ነቶም ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ዝሳተፉ ሓደራ እብል” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መርሓ ግብሪ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት

ብመሰረት እቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ፖርቱጋል ካብ ዕለት 2 – 6 ነሓሰ ዘካየድዎ መበል 42 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፥ ቅዱስነቶ ዕለት 2 ነሓሰ ንግሆ ሰዓት ሸውዓተን ሓምሳን ደቓይቕ ሮማ ካብ ዝርከብ ፊውሚቺኖ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ክነቕሉን ሰዓት ዓሰርተ ሊዝበን ክበጽሑ መደብ ከምዘሎን፡ ብናይ ረፓብሊካዊት ፖርቱጋል ርእሰ ብሔር ማርሰሎ ረበሎ ደ ሱዛ ኣብ ቤለም ቤተ መንግስቲ ወግዓዊ ኣቀባብላ ክግበረሎምን ኣብኡ እውን ምስ ሰበ ስልጣንን ላዕለዎት ኣካላት በርገሳውያን ማሕበራትን ኣብ ፖርቱጋል ምስ ዝርከቡ ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታትን ናይ ሃይማኖት መራሕትን ኣብ ዝርከብሉ ጉባኤ መደረ ከምስዑ እዩም። ድሕሪ ቐትሪ ምስ ናይ ፖርቱጋል ህዝባዊ ባይቶ ኣቦ መንበርን መራሔ መንግስትን ምስ ተራኸቡ ድሕሪ ቐትሪ ምስ ጳጳሳት ፖርቱጋል ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያንት ዲያቆናትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ተዋፊሮም ዘገልግሉን ብሓባር ኣብ ጸሎተ ዘሰርክ መሪሖም ንኽሳተፉ ናብ ገዳመ ዶስ ጀሮኒሞስ ክኸዱ ከም ዝኾኑ ዜና ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሱ ይሕብር።

ንጽባሒቱ ሓሙስ ዕለት 3 ነሓሰ ንግሆ ኣብ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ፖርቱጋል ቅርዓት ምስ ተመሃሮ ክራኸቡ እዮም። ኣብ ካሺያስ ምስ መንእሰያት ኣባላት ማሕበር ኣባይቲ ትምህርቲ መረብታዊ ርክባት ክራኸቡን ኣብኡ ካብ ዝተፈላለያ ሃይማኖት ዝተዋጽኡ መንእሰያት ዘቕርብዎ ቃል ምስክርነት ቀሪቡን ቃለ ምዕዳን ክልግሱን ምስ ካልኦት ሃይማኖታት መራሕቲ ብሓባር ንምልክት ሰላም ኣውዕሊዕ ክተኽሉ እዮም።

ድሕሪ ቀትሪ ናብ ሊዝበን ክምለሱን ኣብ ቅርዓት ኤድዋርዶ ሻብዓይ ኣብ ኣቀብብላ ስነ ስርዓት ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ክሳተፉን ትጽቢት ይግበር። ዓርቢ ዕለት 4 ነሓሰ ንጎሆ ኣብ ቤሌም ኣብ ዝርከብ ቫስኮ ዳጋማ ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ስነ ስርዓት ምስጢረ ንስሓ ክሰርዑ እዮም፡ ኣስዒቦም ኣብ ሰበኻ “ዳ ሰራፊና” ምስ ወከልተ ማሕበራት ግብረ ሰናይ ክራኸቡን ኣብቲ ኣብዚ ምብጻሕ እዚ መዕረፊኦም ኣብ ዝኾነ ሕንጻ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ካብ ዝተፈላለያ ዓሰርተ ብሔራት ዝተዋጽኡ መንእሰያት ሓቢሮም ናይ ምሳሕ መኣዲ ምስ ተቛደሱ ምሸት ኣብ ኤድዋርዶ ሻብዓት ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ኣብቲ መንእሰያት ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣሳቲፉ ኣብ ዝዓርግ ጸሎት ፍኖተ መስቀል ክሓብሩ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

ዋዜማን መስዋዕተ ቅዳሴን

ቀዳም ዕለት 5 ነሓሰ ንግሆ ኣብ ቅዱስ ስፍራ ቅድስተ ማርያም ዘፋጢማ ምብጻሕ ከካይዱን ምስ ህሙማን መንእሰያት ክራኸቡን ቃለ ምዕዳን ክልግሱን ኣብ ጸሎት መቝጸሪያ ክሓብሩን እዮም። ብድሕሪኡ ናብ ሊዝበን ተመሊሶም ኣብ ሕንጻ ሓዋርያዊ ወኪል ቅድስቲ መንበር ኣብ ፖርቱጋል ምስ ዝገልግሉ ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን ሰዓት 18.00 ብሕታዊ ርክብ ከካይዱ እዮም፥ ኣስዒቦም ልክዕ 20.45 ደቓይቕ ኣብ ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ተኾ ኣብ ዝካየድ ዋዛማ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ክሳተፉን ቃለ ምዕዳን ክልግሱን ናይ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ዓቢይ መስቀል ንመንእሰያት ምስ ኣረከቡ ዝመጽእ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣበይ ክካየድ ምዃኑ ክእውጁ እዮም፥ ዕለት 6 ነሓሰ ናይ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት መዕጸዊ ምስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ምስቶም ኣብ ሊዝበን ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ ዝተፈላለየ ኣገልግሎት ዝነጠፉ ወለንተይናታትን ኣሰናዳእትን ምስ ተራኸቡ ድሕሪ ቐትሪ ልክዕ ሰዓት 18.15 ሊዝበን ካብ ዝርከብ ፊጎ ማዱሮ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ንኽብሮም ብዝቐርብ ናይ ስንብታ ስነ ስርዓት ተፋንዮም ሰዓት 22.15 ሮማ ፊውሚቺኖ ዓለም ሓቆፍ መዓርፊ ነፈርቲ ክኣትዉ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

31 July 2023, 14:30