ድለ

ኣብ ወርሓት ሓምለን ነሓሰን ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓበይቲ መርሓ ፍጻሜታት ኣብ ወርሓት ሓምለን ነሓሰን ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓበይቲ መርሓ ፍጻሜታት 

ኣብ ወርሓት ሓምለን ነሓሰን ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓበይቲ መርሓ ፍጻሜታት

ኣብቲ ካብ ዕለት 2 – 6 ነሓሰ ኣብ ሊዝበን ንኽካየድ ተበዲቡ ኣብ ዘሎ መበል 37 ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ምኽንያት ኣብ ፑርቱጋል ከምኡ እውን ካብ ዕለት 31 ነሓሰ - ዕለት 4 መስከረም ኣብ ሞንጎሊያ ሓዋርያዊ ዑደት ከካይዱ

ጳጳሳዊ ናይ ሊጡርጊያ ጽምብላት መምህር የኔታ ድየጎ ራቨሊ፥ ኣብ ወርሓት ሓምለን ነሓሰን ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓበይቲ መራሓ ፍጻሜታት ዝርዝራቱ ብወግዒ ከም ዘፍልለጡን፡ ካብቶም ዓበይቲ ቆጸራታት ኣቲ ኣብ ፖርቱጋል ርእሰ ከተማ ሊዝበን ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያትን ከምኡ እውን ኣብ ሞንጎሊያን ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻን ዝብል ምዃኖም ኣፍሊጦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ብቤት ጽሕፈት ጳጳሳዊ ናይ ሊጡርጊያ ጽምብላት መምህር የኔታ ራቨሊ ብወግዒ ዝተውሃበ መግለጺ ከም ዝሕብሮ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሓት ሓምለን ነሓሰን ዝኽተለዎ ዓውደ ኣዋርሕ ሊጡርጊያ ነቲ ኣብ ዝቕጽል ዕለት 23 ሓምለ ዝበዓል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን ምኽንያት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሰርዑ ምዃኖም እንከመላኽት፡ ኣብቲ ካብ ዕለት 2 – 6 ነሓሰ ኣብ ሊዝበን ንኽካየድ ተበዲቡ ኣብ ዘሎ መበል 37 ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ምኽንያት ኣብ ፑርቱጋል ከምኡ እውን ካብ ዕለት 31 ነሓሰ - ዕለት 4 መስከረም ኣብ ሞንጎሊያ ሓዋርያዊ ዑደት ከካይዱ ምዃኖም ይሕብር።

05 July 2023, 15:45