ድለ

ፍራንቸስኮ፥ መገዲ ሰላም ዝቐውም ኣብ ሓቅን ግብረ ሰናይን እዩ! ፍራንቸስኮ፥ መገዲ ሰላም ዝቐውም ኣብ ሓቅን ግብረ ሰናይን እዩ! 

ፍራንቸስኮ፥ መገዲ ሰላም ዝቐውም ኣብ ሓቅን ግብረ ሰናይን እዩ!

ኣብዚ እዋን እዚ ዓለም “ለውጢ መዋዕላት” የጋጥማ እኳ እንተሎ፡ ምሁራን፥ ምግባረ ሰናይ ኣብ ውሽጢ ስነ ምርምር ክሓጽሩ ወይ ኣብ ውሳጣዊ ኣተሓሳስባ” ጥራይ ክሓጽሩ ኣይክእሉን እዮም

ፍራንቸስኮ ኣብ ኢጣሊያ ሃገረ ስብከት ቴራሞ - ኣትሪ ናብ ዝካየድ ዘሎ “ስነ ፍልጥነት ንሰላም” ዘርእስቱ ካልኣይ ኣህጉራዊ ዓውደ ኣኼባ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣብ ምግባረ ሰናይ ሓቂ ምድላይ ንህንጸት ሰላማዊ ሕብረተሰብ መሰረት ምዃኑ የዘኻኽሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ስነ ፍልጠት ንሰላም - ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ፍልጠት፥ ስነ ፍልጠታዊ ኣገባብ ኣብ ዝቕየር ዘመን” ብዝብል ኣርእስቲ ናብ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ኣኼባ ዕለት 30 ሰነ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ናብ ሰላም ዝወስድ መገዲ ኣብ ሓቅን ምግባረ ሰናይን ዝቖመ እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ “ብብርሃነ ኣእምንሮ ሓቂ ኣብ ምግባረ ሰናይ ምድላይ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ንህንጸት ሰላማዊ ሕብረተአብ ዝያዳ ጽኑዕ መሰረታት ዘንብር እዩ፡ ምኽንያቱ ኣብ መወዳእታኡ ብስኒት ዝተሰርዐ ሰብ ክኽበርን ንእግዚኣብሔር ስለ ውህበታቱ ንምምስጋን ስለ ዝድርኽ” ከም ዝበሉን፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፥ እዚ መደብ እዚ ካብ ዕለት 30 ሰነ - ዕለት 1 ሓምለ ኣብ ሃገረ ስብከት ተራሞ ኣትሪ ምስ ጳጳሳዊ ተቕዋም ማሕበራዊ ስነ ፍልጠት ብምትሕብባር ዝተዳለወ ከም ዝኾነን ኣብቲ ጉባኤ ናይ ጳጳሳዊ ተቕዋም ማሕበራዊ ስነ ፍልጠት ምኽትል ሓላፊ የኔታ ዳሪዮ ቪጋኖ፥ ብዛዕባ ኣበርክቶ ስነ ፍልጠት ኣብ ሕንጸት ሰላም መደረ ከም ዘስምዑ ኣፍሊጡ።

ስነ ፍልጠት ደረጃ ሓደ ዓይነት ምግባረ ሰናይ እዩ

ብርግጽ “ናይ ስነ ፍልጠት ሰብ ምዃን ጸዋዕታ እዩ፡ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ተልእኾ እዩ፡ ስነ ፍልጠት ፍሉይ መልክዕ ግብረ ሰናይ እውን እዩ፡” ነዚ ዝበሉ ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣስዒቦም፥ “ሓቅን ምግባረ ሰናይን ብመሰረቱ ዝተኣሳሰሩ እዮም። ዝብል ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ዝነበረ ኢጣሊያ ካቶሊካዊ ካህንን ምሁርን ብጹዕ ኣንቶኒዮ ሮዝሚኒ ዝገለጾ ሓሳብ ጠቒሶም፥

ሓቂ ምድላይን ምርምርን ኣገዳሲ ኣካል ናይ ሓደ ሓቀይና ኣገልግሎት ምግባረ ሰናይ እዩ፡ ነዚ ዝነብርን ዝለማመድን ሰብ ዝያዳ ናብ ምሉእ ፍልጠ ሓቂ የብል!

ኣብ ግዜ ለውጢ ዓቢይ ምሕሳብ

ኣብዚ እዋን እዚ ዓለም “ለውጢ መዋዕላት” የጋጥማ እኳ እንተሎ፡ ምሁራን፥ ምግባረ ሰናይ ኣብ ውሽጢ ስነ ምርምር ክሓጽሩ ወይ ኣብ ውሳጣዊ ኣተሓሳስባ” ጥራይ ክሓጽሩ ኣይክእሉን እዮም፡ የግዳስ ከምቲ ኣብታ ኩላትና ኣሓዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ተመልኪቱ ዘሎ፥ “ንህንጸት ሓድሽ ኣቀራርባ ህያው ክገብሩን ክድግፉን ኣለዎም፡” ስለዚ “እቶም ኣብ ስነ ፍልጠታዊ ምርምር እተካፍሉ ነቲ ኣብ እተፈላለየ ዓውድታት ፍልጠት እትገብርዎ ጻዕሪ ታሪኻዊ ሓላፍነቱ ብምስትውዓል፡ ገዛእ ርእሶም ካብ ምንጻል ፈተና ክላቐቑን ብፍላይ ሓድሽ ናይ ፍልጠት ባህሊ ንምድንፋዕ ዝድግፉ ክኾኑ ኣለዎም። . . . ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ 1954 ዓ.ም. ገና ከም ናይ ሚላኖ ሊቀ ጳጳሳዊ ተልእኾኦም ኣብ ዝጀመሩላ ዕለት፥ “ፍልጠት ምግባረ ሰናይ ብዓቢይ ንኽትሓስብ ዝድርኽ ክኸውን ኣለዎ” ዝበልዎ ሓሳብ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣዘኻኺሮም፥

ሓቂ ብምግባረ ሰናይ ምድላይ ሰላም ንምህናጽ መሰረት እዩ

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፥ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ 1965 ዓ.ም. “ንሓቂ ኣብ ብርሃነ ምግባረ ሰናይ ምድላይ - ንህንጸት ሰላም ካብ ግዜ ናብ ግዜ ጽኑዕ መሰረታት የንብር” ዝበልዎ ሓሳብ ጠቒሶም፥ ቅዱስ ኣጉስጢኖስ፥ “ብብርሃነ እእምሮ ከይተሓለልካ ሓቂ ኣብ ምግብረ ሰናይ ምድላይ” እንክብል ዝገለጾ ኣተሓሳስባ ንህንጸት ሰላምዊ ሕብረተሰብ መሰረት እዩ” እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካ ኣፍሊጡ።

01 July 2023, 16:21