ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸኮ ንጳጳስ ቤታዚ `ተባዕ ምስክር’ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን እንክሉ ይዝክርዎም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸኮ ንጳጳስ ቤታዚ `ተባዕ ምስክር’ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን እንክሉ ይዝክርዎም 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸኮ ንጳጳስ ቤታዚ `ተባዕ ምስክር’ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን እንክሉ ይዝክርዎም

“ብፍላይ ምስ ድኻታት ብዘለዎ ቅርበት ዝተፈልየ ዓቢ ኣፍቃሪ ወንጌል፡ ብፍሉይ እዋናት ትንቢታዊ ምልክት ፍትሕን ሰላምን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስክ ዕለት 16 ሓምለ ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩ ኣቡነ ልዊጂ ቤታዚ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም፥ “ቤታዚ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ካብ ዝነኣሱ ተሳተፍትን ዘይሕለል ዘይጎነጻዊ ፍትሕን ሰላምን ዘስፍሑ” እንክብሉ ከም ዝዘከርዎም ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ነቶም መበል 100 ዕድመኦም ንኸብዕሉ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ዕለት 16 ሓምለ ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩ ጳጳስ ልዊጂ ቤታዚ ዘሕደረሎም ሓዘን ገሊጾም፡ ንስድራ ቤት ነፍሰ ሄር ቤታዚን ንዅሎም እቶም ኣብ ሓዘን ዘለዉ ቅርበቶምን ጸሎትም ከም ዘረጋገጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ኣብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም፥ ነቲ “ድሕሪኦም እውን ዝቕጽል ፍረ ዘለዎ ጻዕርታቶምን ብዝተራኸብዎም ሰባት ኣዚዩ ፍቱውን ዝምስገን” እንክብሉ ዘኪሮም፡ “ብፍላይ ምስ ድኻታት ብዘለዎ ቅርበት ዝተፈልየ ዓቢ ኣፍቃሪ ወንጌል፡ ብፍሉይ እዋናት ትንቢታዊ ምልክት ፍትሕን ሰላምን ዝኾነ፡ ብፍላይ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ከም ኣብ ዘተ ዝኣምን ሰብ ንብዙሓት ወከልቲ ህዝባውን ፖለቲካውን ህይወት ሃገረ ኢጣሊያ መወከሲ ነጥቢ ዝኾነን እዩ” እንክብሉ ከም ዝዘከረዎም የመላኽት።

ኣብ ኢጣሊያ ሰሜናዊ ዞባ ፒየሞንተ ሰበኻ ኢቨረያ ልሂቅ ጳጳስ ቤታዚ ንናይ ነዊሕ እዋን ናይ ኢጣሊያ ማሕበር ሰላመ ክርስቶስ ዓርክን ከምኡ እውን ነዚ ማሕበር እዚ ካብ 1978 – 1985 ዓ.ም. ኣብ መንበር ኮይኖም ከም ዘገልገሉን ኣብ ንጡፍ ዘይጎነጻውን ምርጋፍ ኣጽዋርን ብቅዱስ መጽሓፍ መንፈሳውነት ዝተመርሐ ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ብዙሕ መጻሕፍት ዝደረሱን ሃብትን ሓለፋታትን ኩሉ ነጺጉ ወንጌላዊ ድኽነት ዝመልኦ ኣነብራ ዝሓቖፈ ምንባሩ፡ ኣብ መንጎ  ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ፖለቲካዊ መድርኽ ኢጣሊያን ዘተ ኣብ ምድንፋዕ ዓቢ ተራ ዝተጻወተ ምስ ካልኦት ክልተ ጳጳሳት ብምዃን ጅሆ ኣሸበርቲ ቀያሕቲ ብርጌድ ኮይኑ ንዝነበረ ናይ ኢጣሊያ መራሔ መንግስቲ ኣልዶ ሞሮ ናጻ ንኽልቀቕ ብዙሕ ዝጸዓረ” እንክብሉ ከምዝዘከርዎም ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ተባዕ መስካሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ.፥ ጳጳስ ቤታዚ “በቲ ዝነበሮ ትብዓት ዝተመልኦ ምስክርነት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን” ኣመስጊኖም፥ ጐይታ ነቶም እሙናት ኣገልግልቱ ‘ዘለዓለማዊ ህይወት ወረስቲ ክኾኑ እዮም” ዝበሎ ዓስቢ ክጽግዎም ተማሕጺኖም፥ ንሃገረ ስብከት ጳጳስ ቤታዚን ኣብ ሎዕሊ እቲ ከም ካህን ድሕሪኡ ድማ ከም ተራዳኢ ጳጳስ ንዘገልግለሉ ቦሎኛን ማሕበረሰብ ቡራኬይ” አመሓላልፍ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

19 July 2023, 15:58