ድለ

San Tommaso D'Aquino, BAV Vat. lat. 797, f. 1r San Tommaso D'Aquino, BAV Vat. lat. 797, f. 1r  (© Biblioteca Apostolica Vaticana)

ር.ሊ.ጳ.፦ ቅዱስ ቶማስ ዘኣኲይኖ በዓል ዓብዪ መንፈሳውነትን ሰብኣውነትን ጥበብን ዝኾነ ወዲ ቤተ ክርስትያን

ካርዲናል ሰመራሮ ነቲ ናይ ቅዱስ ቶማስ ቅርያት አብ ዝርከበሉ ገዳመ ፎሳኖቫ ዝኸብር ክብረ በዓል ከም ተወካሊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንኽሳተፉን ናይ ዕለቱ መስዋዕተ ቅዳሴ ንኽመርሑን ተመዚዞም አለዉ

ቅዱስ አቦና ፍራንቸስኮስ ነቲ ብ18 ሓምለ ኣብ ፎሳኖቫ ዝርከብ ገዳም መበል 700 ዓመት ቅድስና ናይቲ መልአኻዊ መምህረ ቤተክርስቲያን ዝኾነ ቅዱስ ቶማስ ንምብዓል ንካርዲናል ሰመራሮ ናይታ ንመስርሕ ቅድስና እትሓላኢ ሓወርያዊት ቤትጽሕፈት ሓለቓ ብምሻም ፍሉይ ልኡኽ ናይዚ ክብረ በዓል ንክኾኑ ለአኽዎም

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ቶማስ "ወዲ ቤተ-ክርስትያን"፣ እቲ ብጸሎቱን ብጽሑፋቱን ኣቢሉ ነቲ "ዓብዪ ዝኾነ መንፈሳውነቱን ሰብኣውነቱን ጥበቡን" ዘካፈለ ካህንን ሊቀ-ሊቃውንትን ኢዩ። ክብሉ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ንቅዱስ ቶማስ ኣኲናስ ኣብታ ሎሚ 11 ሓምለ ንሽመት ካርዲናል ማርቼሎ ሰመራሮ አመልኪቶም ብቋንቋ ላቲን አብ ዝጸሓፍዋ መልእኽቶም ጠቒሶምዎ ይርከቡ። ኣብ ዚቕጽል 18 ሓምለ ውን ካርዲናል ሰመራሮ ኣብ ፎሳኖቫ ዝርከብ ገዳም ኣብ ከተማ ፕሪቨርኖ ንመበል 700 ዓመት ቅድስናኡ ንምብዓል ከም ፍሉይ ልኡኽ ኮይኖም ከም መጠን ሓለቓ ናይታ ንመስርሕ ቅድስና እትሓሊ ሓዋርያዊት ቤትጽሕፈት ንኽሳተፉ ከም ዝተመዙ አገልግሎት ዜና ቫቲካን አመልኪቱ።

"ብፍልጠቱ ፈጺሙ ዘይሕበን፣ የግዳስ ወትሩ ብህያው ዝኾነ ፍቅሩ ዝልለ ኢዩ ዝነበረ!" ብምዃኑ ድማ እዚ ዶመኒካዊ መነኮስ ምሳኡ ዝነበሩ መነኮሳት አሕዋቱ ውን "መልአኻዊ ሊቅ" ክብሉ ይጽውዕዎ ዝነበሩ፣ "ዜደንቕ ባህሊ ዝመልኦ" ምንባሩ ብምጥቃስ ድማ ቅዱስነቶም ኣብታ ዕለት 30 ሰነ ዝጸሓፍዋ ከምኡ ውን አብ ደብረ ቅዱስ ዮሓንስ ላተርን ዝኸተምዋ መልእኽቶም አጉሊሖሞ ይርከቡ። ቅዱስ ቶማስ ኣብ ፍልስፍናን ስነ-መለኮትን እቲ ዝበለጸ ሊቅነት ብምጥራይ ንማእለያ ንዘይብሎም ሰባት ዝመሃረ ቅዱስ ኢዩ ዝነበረ። ነቲ መለኮታዊ ምስጢራት ብኣኽብሮት ክምርምሮን ክትንትኖን እንከሎ ብትግሃትን ብዓሚቝ አኾነ እምነትን ኢዩ ዝገብሮ ዝነበረ።" ይብሉ ቅዱስነቶም።

ስሉስ ዓመታት ቅዱስ ቶማስ 

ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ 28 ሰነ ናብ ኣቡናት ላቲናን ሶራን ፍሮዚኖንን ዝጸሓፍዋ መልእኽቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ብዘይካ ነቲ ዕለተ ቅድስናኡ ብምዝካር ዝኸብር መበል 700 ዓመት ዝኸብሪ ቅድስናኡ፣ ዕለተ ዕረፍቱ ውን ንምዝካር ኣብ 2024 ዝኸብር መበል 750 ዓመትን፣ ከምኡ ውን አብ 2025 ንእተወልደሉ መበል 800 ዓመት ንምዝካር ዝኸብር ሰለስተ ዓመታት፣ ስሉስ ዓመታት ቅዱስ ቶማስ ክብሉ ይዝክርዎ። "ብዓቢይ ሓጐስን ምንፈሳውነትን፣ ነቲ ልዕል ዝበለ ሊቅን ብቅድስናኡ ፍሉጥ ብመጽናዕቲ ስነ መለኮት ግኑን ንዝኾነ ንምኽባር ንዝግበር እተፈላለየ መደባት ቤተ-ክርስትያን ተቐቢልናዮ አሎና" ኢሎም፣ አብ መልእኽቶም ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ ንሕቶ ኣቡናት ማለት አቡነ ማሪያኖ ክሮቺያታ ጓሳ ናይ ላቲና፡ ተራቺና፡ ሴዜ፡ ፕሪቨርኖ ዝኾኑ፣ ከምኡ ውን አቡነ ጀራርዶ ኣንቶናዞ ጓሳ ናይ ሶራ፡ ካሲኖ፡ ኣኲኖ፡ ፖንተኮርቮ፣ ከምኡ ውን አቡነ ኣምብሮጆ ስፕራፊኮ ጓሳ ናይ ፍሮሲኖነ፡ ቨሮሊ፡ ፌረንቲኖ፡ ከምኡውን ኣናኒ-ኣላትሪ ዝኾኑ ተቐባልነት ብምሃብ ፍሉይ ልኡኽ ቅዱስነቶም ንዝኾኑ ሓደ ካርዲናል ብምልአኽ ንኽብሪ ቅዱስ ቶማስ ኣብ ወርሒ ሓምለ ንዝኸብር በዓል ከም ዝመርሕዎን "ቃል አምላኽን መንፈሳዊ ቃል ማዕዳን" ከም ዘስምዑን ቅዱስነቶም አመልኪቶም። 

ክብረ በዓል ቅዱስ ቶማስ

ስለዚ ካርዲናል ሰመራሮ ነቲ ናይ ቅዱስ ቶማስ ቅርያት አብ ዝርከበሉ ገዳመ ፎሳኖቫ ዝኸብር ክብረ በዓል ከም ተወካሊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንኽሳተፉን ናይ ዕለቱ መስዋዕተ ቅዳሴ ንኽመርሑን ተመዚዞም አለዉ። ቅዱስነቶም አብታ መልእኽቶም "ኵሎም እቶም ኣብዚ ኣጋጣሚ ዝሳተፉ ምእመናን ብጸሎት ኣቢሎም ነታ ንክርስቶስን ንወንጌሉን ዘላቶም ፍሉይ ፍቕሪ ብሓድሽ ብርታዐን ብሓድሽ ቅንኣትን ከንጸባርቑ ከምኡውን "በዚ ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ዘለዎም ቅንኣትን እምነትን ንኽሞቑ" ክተባብዑ ከም ዘለዎም አመልኪቶም። 

ካልእ ፍጻመታት 

አብታ ብ19 ሰነ እተጻሕፈት ግን ከኣ ብ28 ሰነ እተዘርግሐት መልእኽቶም ኣብ እተሓትመትሉ ኣጋጣሚ ኣቡናት ክሮስያታ ኣንቶናዞን ከምኡውን ስፕራፊኮን ነቲ ጠበቓኦም ዝኾነ ቅዱስ ቶማስ ንምኽባር ክግበር ዘለዎ ኩሉ መደባቶም ገሊጾም ይርከቡ። ሎሚ ድሕሪ ቐትሪ ሰሉስ 11 ሓምለ ኣብ ላቲና ናይ አስተንትኖ ጉባኤ ክካየድ ምዃኑን፣ ዓርቢ 14 ሓምለ ድሕሪ ቐትሪ ድማ ኣብቲ አብ ፎሳኖቫ ዝርከብ ገዳም ናይ ጸሎት መደባትን ልክዕ ሰዓት 6 ድ.ቀ. ድማ መስዋዕተ ቅድሴ ምስ ቃል አምላኽ ክግበር ምዃኑን አፍሊጦም።

12 July 2023, 15:50