ድለ

ሊቀ ጳጳሳት ፈርናንደዝ ሓድሽ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ህየንተ ሊቀ ጳጳሳት ፈርናንደዝ ሓድሽ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ህየንተ 

ሊቀ ጳጳሳት ፈርናንደዝ ሓድሽ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ህየንተ

ብጹዕ ኣቡነ ፈርናንደዝ ካብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም 2023 ዓ.ም. ሓላፍነቶም ብወግዑ ክርከቡ ምዃኖም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኣርጀንቲና ናይ ሰበኻ ላ ፕላታ ሊቀ ጳጳሳት ኮይኖም ዘገልግሉ ዘለዉ ብጹዕ ኣቡነ ፈርናንደዝ ንናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ኮይኖም ንዘገልገሉ ዘለዉ ንብጹዕ ካርዲናል ልዊስ ፍራንሲስኮ ላዳርያ ፈረር ንኽትክኡ ዕለት 1 ሓምለ 2023 ዓ.ም. ከም ዝሰምይዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እዞም ሓድሽ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽፍሐት ህየንተ ከምቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ፥ ጳጳሳዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሽማግለን ዓለም ሓቆፍ ናይ ቲዮሎጊያ ሽማግለን ብኣቦ መንበርነት ክመርሑ ከም ዝኾኑን ዝሕበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ብጹዕ ኣቡነ ፈርናንደዝ ካብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም 2023 ዓ.ም. ሓላፍነቶም ብወግዑ ክርከቡ ምዃኖም የመላኽት።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ኣርጀንቲና ናይ ሰበኻ ላ ፕላታ ሊቀ ጳጳስ ዝኾኑ ብጹዕ ኣቡነ ቪክቶር ማኑኤል ፈርናንደዝ ሓድሽ ናይ ሰረተ እምነት ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋት ቤት ጽሕፈት ህየንተ ናይ ጳጳሳዊ ሽማግለ ቅዱስ መጽሓፍን ኣህጉራው ሽማግለ ቲዮሎጊያን ብሓላፍነት ዝመርሑ ከም ዝኾኑን፡ ቅዱስነቶም በዚ ኣጋጣሚ እዚ እውን ንብጹዕ ካርዲናል ልዊስ ፍራንሲስ ላዳሪያ ፈረር ስለ ኣገልግሎቶም ከም ዘመስገንዎምን ብጹዕ ካርዲናል ላዳሪያ ፈረር ክሳብ መፋርቕ መስከረም 2023 ዓ.ም. ኣብ ሓላፍነቶም ክጸንሑ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

ብጹዕ ኣቡነ ፈርናንደዝ ዕለት 18 ሓምለ 1962 ዓ.ም. ኣብ ኣርጀንቲና ዞባ ኮርዶባ ኣብ እትርከብ ከተማ ኣልሲራ ጉኸና ዝተወልዱ፡ ዕለት 15 ነሓሰ 1986 ዓ.ም. ኣብ ኣርጀንቲና ሰበኻ ቪላ ደ ላ ኮንሰፕሲዮን ደል ሪዮ ኩራቶ ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉን ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ግረጎሪያና መንበረ ጥበብ ብስነ ቅዱስ መጽሓፍ ሊቕነት ዘመስከሩን ደሓር እውን ቦኖስ ኣይረስ ኣብ ዝርከብ ናይ ቲዮሎጊያ መንበረ ጥበብ ብቲዮሎጊያ ሊቕነት ኣመስኪሮም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ካብ 1993 ዓ.ም. – 2000 ዓ.ም. ኣብ ኮርዶባ ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስቲ ተረሲታ ቆሞስን ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ማእከል ሕያዋይ ሳምራዊ ንመምሃራን ቤተ ህንጸት ዝመስረቱን ናይታ ሰበኻ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ሓላፍን ከምኡ እውን ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስልቲያን ዘተ ዝከታተልን ማእከል ትምህርተ ክርስቶስን ኣመሓዳሪ ኮይኖም ዘገልገሉን ኣብ 2007 ዓ.ም. ኣብ ሓምሻይ ጉባኤ ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ከም ካህን ንኣርጀንቲና ወኪሎም ከም እተሳተፉን፡  ናይቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ኣሰናዳኢ ሽማግለ ኣባል እውን ከምዝነበሩ የዘኻኽር።

ካብ 2008 – 2009 ዓ.ም. ኣብ ኣርጀንቲና ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ናይ ቲዮሎጊያ ክፍሊ መጽናዕቲ ዋና ሓላፊ ካብ 2009 – 2018 ዓ.ም. ናይቲ መንበረ ጥበብ ዋና ኣመሓዳሪ፡ ዕለት 13 ግንቦት 2013 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሊቀ ጳጳስት እንክብሉ ከምዝሰመይዎምን ኣብቲ ብዛዕባ ስድራ ቤት ዝመኸረ ናይ 2014 ከምኡ እውን ናይ 2015 ዓ.ም. ሲኖዶስ ብጹዓን ጳጳሳት ከም እተሳተፉን ኣብ 2017 ዓ.ም. ናይ ኣርጀንቲና ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ባህልን እምነትን ከምኡ እውን ሰረተ እምነት ጉዳይ ዝከታተል ሽማግለ ኣቦ መንበር ኮይኖም ከም እተመርጹን ኣብ 2018 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ሰበኻ ላ ፕላታ ሊቀ ጳጳሳትን ኣባል ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት ባህልን ትምህርትን እንክብሉ እውን ከም ዝሰመይዎምን ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ስነ ቅዱስ መጽሓፍን ስነ ፍልጠትን ቲዮሎጊያን ዘተኮረ ልዕሊ 300 ናይ መጽናዕቲ ዝሑፍ ዝደረሱን ብዙሓት ካብ ጽሑፋቶም ናብ ዝተፈላለያ ቋንቋታት ከም እተተርጎመን ዜና ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

01 July 2023, 16:31