ድለ

ር.ሊ.ጳ. ናብ ሞንጎሊያ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ፥  መደባቱን መለለዪኡን መርሕ ቃሉን ር.ሊ.ጳ. ናብ ሞንጎሊያ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ፥ መደባቱን መለለዪኡን መርሕ ቃሉን 

ር.ሊ.ጳ. ናብ ሞንጎሊያ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ፥ መደባቱን መለለዪኡን መርሕ ቃሉን

ቅዱስነቶም ኣብ ሞንጎሊያ ናይ ዘካይድዎ መበል 43 ኣህጉራዊ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ፍጻሜታት ዝርዝር፥ ቅዱስነቶም ናይ ሞንጎሊያ ርእሰ ብሔርን ሰበስልጣን ናይቲ ከባቢ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዕድመ ተቐቢሎም ካብ ዕለት 31 ነሓሰ - ዕለት 4 መስከረም 2023 ዓ.ም. ኣብ ረፓብሊካዊት ሞንጎሊያ ምብጻሕ ከካይዱ እዮም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ “ብሓባር ተስፋ ንገብር” ዝብል መርሕ ቃል ዝገበረ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ መወዳእታ ወቕቲ ሓጋይ ኣብ ረፓብሊካዊ ሞንጎልያ ከካይዱ ምዃኖም ናይዚ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ዝርዝር መደባቱን ኵሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዕለት 6 ሓምለ ወግዒ ኣብ ዝገበረ መግለጺ ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ ረፓብሊካዊት ሞንጎሊያ ኣብ ዘካየድዎ ታሪኻዊ ዑደት ምስ ፖለቲካዊ ሰበስልጣን ምስ ወከልቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ክራኸቡን ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ኩለንተናዊ ዓውደ ኣኼባ ክሳተፉን ምስ ሰራሕተይናታት ግብረ ሰናይ ክራኸቡን ኣብ ዓቢይ ናይ ስፖርት ሜዳ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን እዮም።

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዕለት 6 ሓምለ ከምዝሓበሮ፥ ቅዱስነቶም ኣብ ሞንጎሊያ ናይ ዘካይድዎ መበል 43 ኣህጉራዊ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ፍጻሜታት ዝርዝር፥ ቅዱስነቶም ናይ ሞንጎሊያ ርእሰ ብሔርን ሰበስልጣን ናይቲ ከባቢ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዕድመ ተቐቢሎም ካብ ዕለት 31 ነሓሰ - ዕለት 4 መስከረም 2023 ዓ.ም. ኣብ ረፓብሊካዊት ሞንጎሊያ ምብጻሕ ከካይዱ እዮም።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 31 ነሓሰ ሮማ ካብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ፊውሚቺኖ ምሸት ተበጊሶም ዕለት 1 መስከረም ሰዓት 10 ንጎሆ ኣብ ርእሰ ከተማ ሞንጎሊያ - ኡላን ባታር ኣብ ዝርከብ “ቸንጊስ ክሃን” ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ልክዕ ሰዓት 10 ቅድሚ ፍርቂ መዓቲ ክበጽሑ እዮም።

ዝርዝር መደብ ሓዋርያዊ መገሻኦም

ቀዳም ዕለት 2 መስከረም ቅዱስነቶም ኣብ ርእሰ ክተማ ኡሉን ባታር ኣብ ዝርከብ ኣደባባይ ሱክባታር ንኽብሮም ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ስነ ስርዓት ሰላምታ ክቐርብን ኣስዒቦም ናብ ናይ ሞንጎሊያ ቤተ መግንስቲ ንኽብሪ መግንስትን ህዝብን እታ ሃገር ምብጻሕ ከካይዱን ምስ ርእሰ ብሔር ኡክናጊን ኩረልሱክ ክሌኣዊ ርክብ ከካይዱን ኣስዒቦም ኣብ ጽርሓ ቤተ መግንስቲ ‘ኢኽ ሞንጎል’ ምስ ናይ መንግስትን ናይ ፖለቲካን በርገሳውያንን ማሕብራት ላዕለዎት ኣካላትን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖት መራሕትን ኣብ ሞንጎሊያ ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ክራኸቡን ንኽብሮም ርእሰ ብሔር ድሕሪ ዘስምዕዎ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መደረ፥ ቅዱስነቶም ቀዳማይ መደረ ከምስዑን ካብኡ ቅድሚ ምስንባቶም ድማ ምስ ናይ ሞንጎሊያ ህዝባዊ ባይቶ ኣቦ መንበርን ምስ መራሔ መግንስቲ ሞንጎሊያ ሉቭሳናምስራይን ኦዩን-ኤርደነ ክሌኣዊ ርክብ ከካይዱን ድሕሪ ቀትሪ ኣብታ ሃገር ምስ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳሳትን ካህናትን ልኡካነ ወንጌልን ምስ ሰብ ውፉይ ህይወትን ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘገልግሉን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ኣብ ካቴድራል ቅዱሳን ጴጥሮስ ወጳውሎስ ክራኸቡን መደረ ከስምዑን እዮም።

ሰንበት ዕለት 3 መስከረም፥ ቅዱስነቶም ኣብ ርእሰ ከተማ ኡላን ባታር ኣብ ዝርከብ ሁን ናይ ትያትር ኣዳራሽ ኣብ ዝካየድ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያንን ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ናይ ሓባር ዓውደ ጉባኤ ክሳተፉን ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ስተፐ ናይ ስፖርት ሜዳ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሰርዑ እዮም።

ሰኑይ ዕለት 4 መስከረም፥ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ “ቺንግስ ካን” ኣብ ዝካየድ ብናይ ስነ ስርዓት ስንብታ ቅድሚ ምፍናዎም ሓደ ማእከል ግብረ ሰናይ -  ቤተ ምሕረተ እተሰምየ ክምርቑን ምስ ሰራሕተይናታትን ወለንተይናታትን እቲ ማእከል ግብረ ሰናይ ክራኸቡ እዮም።

ብኣቆጻጽራ እታ ሃገር ፍርቂ መዓልቲ ናብ ሮማ ክነቕሉን ናብ ሓዋርያዊ መንበር ክምለሱን እዮም።

ኣብ ተስፋ ብሓባር

ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር፥ እቲ ናይ ቅዱስነቶም ሓዋርያዊ መገሻ ናብ ሞንጎሊያ፥ “ኣብ ተስፋ ብሓባር” ዝብል መርሕ ቃል ዝገበረ ኮይኑ “ናይ ቅዱስ ኣቦና ጉዕዞ ድርብ ትርጉም ዘለዎ ማለት ናይ ጉስነት ሓዋርያዊ መገሻን መንግስታዊ ምብጻሕን ዘጉልሕ” እዩ።

“ተስፋ” ንጹሕ ክርስቲያናዊ ባህርይ ኣብ ዘይክርስቲያናዊ ዓንኬላት እውን ብሰፊሕ ዝካፈል ምዃኑ እቲ መግለጺ ኣመላኺቱ፥ “ምስ ‘ብሓባር” ዝብል ቃል ብምትእስሳር እቲ መርሕ ቃል ኣገዳስነት ክልተኣዊ ምትሕግጋዝ ቅድስቲ መንበርን መንጎሊያን ዘጉልሕ” ምዃኑ ኣመላኺቱ፥ “ብሓባር ተስፋ ምግባርን ሓባራዊ ርእየት ዓለም ዝውክል ኮይኑ ከምኡ እውን  ናይቲ ጉዕዞ መለለዪ ባእታ እዩ።”

“ህላወ ቅዱስ ኣቦና ነዚ ኣብ መንጎሊያ ዝርከብ ውሁድ ህዝበ እግዚኣብሔር ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምልክት ዓቢ ተስፋን ምትብባዕን ዝውክል ኮይኑ፡ ብኻልእ ወገን ድማ እታ ኣብ ሞንጎሊያ ዘላ ቤተ ክርስቲያን ውሑዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ ምዃና ኣብ ወሰናስን - ክፋል ዓለም ኵላዊ ምልክት ተስፋ ከተቕርብ ከም እተኽእልን ተልእኾኣ እውን ምዃኑ ዘዘካኽር እዩ።

መለለዪ ምስሊ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ብተወሳኺ፥ ቐይሕን ሰማያውን ሕብሪ ናይ ሞንጎሊያ ሃገራዊ ሰደቕ ዕላማ ብዝውክል ናይ ሞንጎልያ መልክዓ ምድሪ ዘርእይን እቲ ናይታ ሃገር ባህላዊ ቤት ቢጫ ሕብሪ - ሰንደቕ ዕላማ ሃገረ ቫቲካን ዝውክል መብራህትን መስቀል ብጎድኒ ዝተነብሩ እቲ ካልእ ኣብ ጎድኒ እቲ ባህላዊ ቤት ድማ ብቋንቋ ሞንጎሊያ “ብሓባር ተስፋ ምግባር’ ዝብል ናይቲ ሓዋርያዊ መገሻ መርሕ ቃል” ዝገልጽ ምዃኑ ይሕብር።

ፍራንቸስኮ ንሞንጎሊያ ዝበጽሑ ቀዳማይ ር.ሊ.ጳ.

ፍራንቸስኮ ኣብታ ምስ ሩሲያን ቻይናን እተዳብዎ ሃገር ምብራቕ እስያ ዝበጽሑ ናይ መጀመሪያ ር.ሊ.ጳ. ክኾኑ እዮም። ሞንጎሊያ 3.3 ሚሊዮን ብዝሕዚ ህዝቢ ዘለዋ ኮይና ኣብ ዓለም እታ ዝወሓደ ህዝቢ ዘለዋ ሉኣላዊት ሃገር እያ።

ድሕሪ ምፍራስ ስርወ መንግስቲ ቺንግ ቻይና ኣብ 1911 ዓ.ም.፥ ሞንጎሊያ ኣብ 1929 ዓ.ም. ካብ ሪፓብሊካዊት ቻይና ናጽነታ ረኺባ ድሕሪኡ ካም ናይ ነበር ሶቪየት ህብረት ሳታላይት ኮይና ትዓዪ ከም ዝነበረትን ድሕሪ ሰላማዊ ደሞክራሲያዊ ሶውራን ውድቀት ሕብረትር ሶቪየት ኣብ 1991 ዓ.ም. ምዃኑ እዩ፡ እቲ ሕጂ ዘሎ ማሕበራዊ ደሞክራሲያዊ ህዝባዊ ሰልፊ ሞንጎሊያ ንፖለቲካዊ መልክዕ እታ ሃገር ዳግማይ ቅርጺ ብምሃብ ሓድሽ ቅዋም ከም ዘተኣታተወን ኣብ 1990 ዓ.ም. እቲ ዝነበረ ሃይማኖታዊ ዓፈና ተቐንጢጡ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ከም እተመልሰን ዝበዝሐ ህዝባ ሰዓቢ ሃይማኖት ቡድሃ ክኸውን እንከሎ ኣብ 1992 ዓ.ም. ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዳግም ንምሃንጽ ልኡካነ ወንጌል ዳግማይ ከም እተመስሉን ኣብዚ እዋን እዚ ኣብታ ሃገር 1300 ዝተጠመቑ ካቶሊካውያን ከም ዘለዉን ብኢጣሊያዊ ካርዲናል ጆርጆ ሞሬንጎ እውን እትመሓደር ምዃና ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ይሕብር።

07 July 2023, 15:37