ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንነጋድያን ዓ. ቅ. መ.፣ 'ምስ ካልኦት ብሓጐስ ተመላለስ' ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንነጋድያን ዓ. ቅ. መ.፣ 'ምስ ካልኦት ብሓጐስ ተመላለስ'  

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንነጋድያን ዓ. ቅ. መ.፣ 'ምስ ካልኦት ብሓጐስ ተመላለስ'

ህይወት ጕዕዞ እያ ። መንእሰያት ድማ ጕዕዞ ናይ ምግባር ጸዋዕታ ኣለዎም ። ወትሩ ናብቲ ክትበጽሖ ዘሎካ ቦታ ብምትኳር ብትብዓት ንቕድሚት ክትግስግስ ጽዓር ። ነቲ ምስጢር ጕዕዞ ናትካ ግበሮ፣ ወትሩ ምስ ካልኦት ደኣ እምበር በይንኻ አይትጉዓዝ። ኣምላኽ ይባርኽኩም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ሊዝበን ናብ ዓለም ለኻዊ መዓልቲ መንእሰያት ዝሳተፉ ነጋድያን ሓጺር ናይ ቪድዮ መልእኽቲ አመሓላለፉ፣ ምስ ክርስቶስ ብምርኻብ ተሓጒሶም ብሓባር ክጐዓዙ ድማ ኣተባብዕዎም። 

አባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን 

እታ ኣብ ኢጣልያ እትሕተም ኣቨኒረ እትበሃል ካቶሊካዊት ጋዜጣ፣ ነቶም ካብ 1-6 ነሓሰ ኣብ ሊዝበን ፖርቱጋል አብ ዓለም ለኻዊ መዓልቲ መንእሰያት 2023 ዝሳተፉ ነጋድያን መንእሰያት ካብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንስኮ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ አመሓላሊፋ። 

ኣብታ ቪድዮ ቅዱስነቶም ነቶም ኣብ ዓለም ለኻዊ መዓለቲ መንእሰያት ንምስታፍ ዝብገሱ ዘለው መንእሰያት ኢጣልያውያን ቡራኬን ምትብባዕን ለኣኹሎም። 

"ህይወት ጕዕዞ ኢዩ " እንክብሉ ። "መንእሰያት ደማ ብቐንዱ ጕዕዞ ናይ ምግባር ጸዋዕታ ኣለዎም።" 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንነጋድያን ዓ. ቅ. መ.፣ 'ምስ ካልኦት ብሓጐስ ተመላለስ'

የዒንትኹም ናብቲ ትበጽሕዎ የቋምታ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ መንእሰያት ነጋድያን ምስ ካልኦት ተሓጒሶም አብ ዝጕዓዙሉ ዘለዉ እዋን፣ ናብቲ ክበጽሕው ዝደልዩ ቦታ ኼተኵሩን ከቋምቱን ተማሕጸንዎም። 

"ወትሩ ናብቲ ክትበጽሖ ዝደለኻ ቦታ እናጠመትካ ብትብዓት ንቕድሚት ክትግስግስ ጽዓር" ክብሉ። “ኵሉ ሳዕ በይንኻ ኸይኰንካ ምስ ካልኦት እናተጕዓዝካ ነቲ ምስጢራዊ መገዲ ጕዕዞኻ ግበሮ" በልዎም። 

ጕዕዞ እምነት 

ኣስታት 600,000 ዚዀኑ ነጋድያን ኣብቲ ኣብ ሊዝበን ዝካየድ ዓለም ለኻዊ መዓልቲ መንእሰያት ንኽሳተፉ ተመዝጊቦም ይርከቡ ፣ ብዙሓት ከኣ ድሮ ናብታ ርእሲ ኸተማ ፖርቱጋል ኪጐዓዙ ጀሚሮም ኣለዉ ። 

ገለ ጕጅለታት ድማ ኣብ ጕዕዞኦም እንተላይ ኣብታ ቕድስቲ ሃገርን፣ ኣብ ስጳኛ አብ ዝርከብ ጕዕዞ ቅዱስ ዲየጎ አብ ዝበሃልን፣ ከምኡውን ኣብ መላእ ኤውሮጳ ኣብ ዚርከቡ ካልኦት ቅዱሳት ቦታታት ምብጻሕ ይገብሩ ምህላዎምን ተፈሊጡ አሎ ። 

እዚ ኣጋጣሚ እዚ ካብ 1 ነሓሰ ጀሚሩ ብእተፈላለዩ መደባት ትምህርተ ክርስቶስ ምስ ተጀመረ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንስ ከኣ ንጽብሒቱ ካብ ዕለት 2 ነሓሰ ጀሚሮም ነቶም መንእሰያት ኣብቲ ናይ እምነትን ሕውነትን ጕዕዞኦም ከሰንይዎም ምስኦም ከም ዝክሳተፉ ተፈሊጡ አሎ። 

ትርጕም መልእኽቲ ቅዱስነቶም

እዚ ዝስዕብ ዘይወግዓዊ ትርጕም ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ኢዩ - 

ንዓለምለኻዊ መዓልቲ መንእሰያት ናብ ሊዝበን እትኸዱ ፍቑራት መንእሰያት ጽቡቕ ጕዕዞ ክኾነልኩም እምነ። ኣብቲ እንራኸበሉ ኣጋጣሚን ቦታን ብሓጐስ ክትበጽሑ ተስፋ እገብር። በዚ መገዲ እዚ ሰጒምኩም ሓደ ጕዕዞ ግበሩ። ህይወት ጕዕዞ እያ ። መንእሰያት ድማ ጕዕዞ ናይ ምግባር ጸዋዕታ ኣለዎም ። ወትሩ ናብቲ ክትበጽሖ ዘሎካ ቦታ ብምትኳር ብትብዓት ንቕድሚት ክትግስግስ ጽዓር ። ነቲ ምስጢር ጕዕዞ ናትካ ግበሮ፣ ወትሩ ምስ ካልኦት ደኣ እምበር በይንኻ አይትጉዓዝ። ኣምላኽ ይባርኽኩም። ስለቲ ዝገበርኩምዎ ጻዕርን ድኻምን ድማ አመስግነኩም ። ፅቡቕ መዓልቲ ይኹነልኩም!

24 July 2023, 14:43