ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ጉባኤ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ ግብሪ ኣምላኽ ምርኣይን ምዅስኳስን ንመሃር ር.ሊ.ጳ. ኣብ ጉባኤ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ ግብሪ ኣምላኽ ምርኣይን ምዅስኳስን ንመሃር 

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ጉባኤ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ ግብሪ ኣምላኽ ምርኣይን ምዅስኳስን ንመሃር

እግዚኣብሔር ኣብ ዓውዲ ህይወት ዘርእዮ ትዕግስቲ ከነማዕብል ድንግል ማርያም ትሓግዘና!

ሰንበት ዕለት 23 ሓምለ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሳልሳይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለት ቅዱስነቶም ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ተቐቢሎም ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም፥ ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ኣማእኪሎም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፡ “ነቲ ጐይታ ኣብ ልዕሌናን ኣብ ካልኦትን ኣብ ዓለምን ዝዘረኦ ጽባቔ ብምርኣይን ብምምሳውን፥ ፍድፋደ ምሕረት ከነፍሪ መታን “ግራውቲ ህይወት ከነልምዕ” ይምዕዱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፥ ብዛዕባ ምሳሌ ስርናይን ክርዳድን ዝገልጽ ናይ ዕለቱ (ሰንበት ዕለት 23 ሓምለ) ካብ ማቴዎስ ወንጌል 13, 24 – 43 ዝተወስደ ምንባብ ኣማእኪሎም፥ ሓደ ኣብ ግራቱ ጽቡቕ ዘርኢ ዝዘረኣአ ሓረስታይ ብለይቲ ጸላኢ ኣብ ማእከል እቲ ሰናይ ዘርኢ ክርዳድ ከም ዝዘርአ የስተውዕል። ጐይታ ንዓለምና ከም ሓደ ዓቢ ግራት ይገልጻ፡ እግዚኣብሔር ስርናይ ዝዘራኣላ ዲያብሎስ ድማ ክርዳድ ዝሰርኣላ እቲ ጽቡቕን ሕማቕን ድማ ብሓባር ይቦቁል፡ ነቲ ክርዳድ ካብ ሱር ንምእላይ ክንፍተን ንኽእል፡ እንተኾነ ግን ፍጹም ዝኾነ ዓለም ንምፍጣር ኣብ እንፍትነሉ ጻዕሪ ኩሉ ብሓንሳብ ንምእላይ ሓደጋ የቃልዓና፡ ኣብዚ ነቲ ሰናይ ናይ ምጉዳእ  ሓደጋ ኣሎ።

ልቢ ምዅስኳስ

ቅዱስነቶም ካብ ዓውዲ ዓለም ቀጺሎም ናብ ዓውዲ ልቢ ብምባል፥ ብጭቡጥ ግብረ ምጽራይ ክንፍጽም ኣገዳሲ ይኸውን። እቲ ብስርናይን ክርዳድን ዝተለለየ ልብና፥ “ግራት ሓርነት” ዝውክል ምዃኑ ኣብሪሆም። ስለ ዝኾነ ድማ ናብ ሜዳ ዓለም ዝሰፍሕ ክፉኣትን ተቓላዓይን ቦታ ይኸውን፡ ነቲ ጻሃይ እናለለየን እናገጠመን “ቀጻሊ ክንክን ናይቲ ተኣፋፊ ጨናፍር ሰናይ” ዝሓትት እዩ። “ብብርሃን እግዚኣብሔር ኣብ ዓውዲ ልቢ ዝፍጸም ዘሎ ንምርግጋጽ ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ብናይ ሕልና መርመራ ኣብ ውሽጢ ገዛእ ርእስና ክንጥምት የድልይ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመልእኽጥ።

ነቲ ጽቡቕ እኽሊ ምርኣይ

ቅዱስነቶ ብሳልሳይ ደረጃ ድማ “ግራት ጎረቤት” ዝብል ሓሳብ ኣቕሪቦም፡ማለት ኣብ ህይወትና ዘለዉ ሰባት ዝውክል ምዃኑ እውን ገሊጾም፡ ነቲ ኣብ ውሽጦም “ዝበቁል ዘሎ ጽቡቕ እኽሊ” ኣክንዲ እነተኩርን ነልምዕን ንቃወዎምን መብዛሕቲኡ ግዜ ድማ  ኣብ “ኽርዳኖም” ጥራይ ብምትኳር ክንፈርዶም ንርከብ።

ኩሉ ሰብ ጐይታ ኣብ ካልኦትን ኣብ ዓለምን ኣባናን “ዝዘርኦ ጽቡቕ ዘርኢ” ክንርኢ ቅዱሰንቶም ኣተባቢዖም፡ እዚ “ገርሀይና ልምምድ ዘይኮነስ” ሓደ ኣማኒ ክገበሮ ዘለዎ እዩ፥ “ምኽንያቱ እግዚኣብሔር ሓረስታይ ናይቲ ዓቢ ግራታ ዓለም፥ ሰናይ ነገር ምርኣይ ስለ ዝፈቱን  ነቲ ዓጺድ በዓል ክግበሮ ስለ ዝደሊ፡” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ናይ ግራት ኣገልግት ዕዮና

ቅዱስነቶም ኣብ መደምደምታ፥ ንህይወትና ክንምርምር ከምኡ እውን ንድኽመታትና ዕሽሽ ከይበልና ሰናይ ዘበለ ክንርኢ ክንጽዕር እንኮለና፥ “ንኹሉ ሳዕሪ ብሓደ ንኽንእክቦ” ንዚወርደና ፈተና ብኸመይ ክንቃወሞ ከም ዘሎና ገሊጾም፡ ነቲ ኣብ ገዛእ ርእስና ዘሎ ክርዳድ ብቕንዕና እናናደና “ናብ ሓዊ ምሕረት ኣምላኽ ንድርብዮ ዲና? እንክብሉ ንኹላትና ነዛ ሕቶ እዚኣ ከነቕርብን ብዙሕ እኽሊ ምእንቲ ክህሉ ብሓባር ክንዓዪን ኣተባቢዖም፥

እግዚኣብሔር ኣብ ዓውዲ ህይወት ዘርእዮ ትዕግስቲ ከነማዕብል ድንግል ማርያም ትሓግዘና!

ቢሎም ብሓበር ምስቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ምእመናን ሓቢሮምን መሪሖምን ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ከምዝደገሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

24 July 2023, 14:54