ድለ

ር.ሊ.ጳ. መንእሰያት ዝመጽእ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት “ብጽዑቕ” ክነብርዎ ይዕድሙ ር.ሊ.ጳ. መንእሰያት ዝመጽእ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት “ብጽዑቕ” ክነብርዎ ይዕድሙ 

ር.ሊ.ጳ. መንእሰያት ዝመጽእ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት “ብጽዑቕ” ክነብርዎ ይዕድሙ

. . . ኣብዚ ግጥም እግሪ ኩዕሶ ሰዓርን ተሰዓርን ዘሎ እንተኾነ ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ግና ኩሉ ተዓዋትን ኩሉ ድማ ናይ ሕውነት ጽዋዕ ዝዓትር ምዃኑን ነቲ ክልቲኡ ተመክሮ ኣዛሚዶም ዝገለጽዎ ሓሳብ ብሓቂ ንኹላትና ተንኪፉና”

ፍራንቸስኮ ካብ ኣርጀንቲና ንወከልቲ ርእሰ ሰበኻ ኮርዶባ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ንዝኾነ ሰብ ከይነጸግካ ካብ ገዛእ ርእስኻ ብምውጻኣ ምስ ካልኦት ምርኻብ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጾም፥ ናይ ምርኻብ ባህሊ ክነብሩን ከስፍሑን ይምዕዱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ከም ማርያም ተንስእካ፥ ነቲ ትፈልጦ - ስድራኻ፡ ምቾትካ ገዲፍካ ምስ ካልኦት ክትራኸብ ብታህዋኽ ምብጋስ” ነዚ ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ነቶም ካብ ዕለት 1 – 6 ነሓሰ ኣብ ሊዝበን ኣብ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ንኽሳተፉ ናብ ፖርቱጋል ዝኸዱ ካብ ኣርጀንቲና ርእሰ ሰበካ ኮርዶባ ዝመጹ ጉጅለ መንእሰያት ሰላምታኦም ኣብ ዘቕረብሉ መደረ ክኸውን እንከሎ፥

ኩላትና ተዓወትቲ ኢና

ቅዱስነቶም እቲ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ምስቲ ናይ ምሕዝነት መግለጺ ዝኾነ ዓለም ሓቆፍ ውድድር እግሪ ኩዕሶ ኣነጻጺሮም፥ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት “ሰዓርቲ ወይ ተሳዓርቲ ዘይብሉ” ኩላትና ግን እንዕወተሉ ካብ ገዛእ ርእስና ወጺና ምስ ካልኦት ክንራኸበሉ፡ ዘለና ክንህብን ካልኦት ዘቕርብዎ ክንቅበልን ክፉታት ክንከውን ከለና ፥ “ኩላትና ተዓወትቲ ኢና፡ ጽዋዕ ሕውነት ድማ ብሓባር ከነልዕል ንኽእል” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጋንታ ኩኑ

ኣስዒቦም ነቶም መንእሰያት፥ ኣስር ናይ ብዙሓት ክሳብ መወዳእታ ንኢየሱስ ዝሰዓቡ ክርስቲያን ክጥምቱ ድማ ኣተሓሳሲቦም፥

እዚ መንፈስ እዚ ድማ ምስ ጋንታ ክርስቶስ እቲ ጻወታ ክሳብ መወዳእታ ደቒቕ ክንቅጽል የብቅዓና። ኣተኩሮና ክንስሕት ኣይንኽእልን ኢና፡ ንቑሓት ኮይንና ከም ጋንታ ክንጻወት የብቅዓና!

ሓደ ኢና

እቶም መንእሰያት ንዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት “ብጽዑቕ” ክነብርዎ ኣተባቢዖም፡ እዚ ድማ “ብዓቢ ብዙሕነት ገጻት፡ ባህልታት ተመኮርታት ዝተፈላለየ መርኣያታትን መግለጽታት እምነትናን” ዘሀብትም ኣጋጣሚ እዩ፡ “ልዕሊ ኩሉ ኣብ መወዳእታ  ሓደ ምእንቲ ኪኾኑ ዝብል ሃረርታ ኢየሱስ ክትመሃሩ ክትኽእሉ ኢኹም፡ እዚ ድማ ዓለም ምእንቲ ክትኣምን “ሓደ ምዃና” እዩ። በዚ መሰረት ድማ “ንብዙሓት ካልኦት ትርጉም ህይወት ዘይረኸቡ ወይ ንቕድሚ ዝወስድ መገዲ ዝሰኣኑ መንእሰያት ‘ናይ ወንጌል ሓሴት’ ንምምስካር ኣገዳሲ ክኸውን እዩ!” እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያትን ዋንጫ ዓለምን

ሓደ ካብ ኣባላት ልኡኻት ኣርጀንቲና ርእሰ ሰበኽ ኮርዶባ፥ ማርቲን ኣሎንዞ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት፥ ብዛዕባ እቲ ምስ ቅዱስ ኣቦና ዝተኻየደ ርክብ ዘሕደረሎም ጦብላሕታ፥ “ንኹላትና ኣብ ቤትና ከም ዘሎና ኮይኑ ክስምዓና ገይሮምና . . . ዋላ ንሓደ ድቒቕ እውን እንተነበረ ንኹላትና ሓደ ብሓደ ቀሪቦም ተዛሪቦምናን ሰሚዖምናን እዮም፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መንጎ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያትን ናይ ዓለም ጽዋዕ ዝገበርዎ ምንጽጻር፥ ነቲ ክሳብ ሕጂ ገና ኣብ ኣእምሮና ዘሎ ኣብ ቃጣር ናይ ዝተኻየደ ናይ ዓለም እግሪ ኵዕሶ ውድድር፥ ዓወት ሕርይቲ ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና . . . ኣብዚ ግጥም እግሪ ኩዕሶ ሰዓርን ተሰዓርን ዘሎ እንተኾነ ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ግና ኩሉ ተዓዋትን ኩሉ ድማ ናይ ሕውነት ጽዋዕ ዝዓትር ምዃኑን ነቲ ክልቲኡ ተመክሮ ኣዛሚዶም ዝገለጽዎ ሓሳብ ብሓቂ ንኹላትና ተንኪፉና”ኢሎም።

እምነት ኣብ ኩሉ እዩ!

ኣብ ሊዝበን ኣብ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት፥ ብኣካል ክሳተፉ ዘይክእሉ መንእሰያት “ብእምነት ክነብርዎ ዘኽእሎም ብዙሕ መገድታት ኣሎ። ኣብ ኩለን ከባብያውን ኣቢያተ ክርስቲያን እውን ተመሳሳሊ መደባት ዝካየድ ኮይኑ፡ እዚ እውን ምስቲ ኣብ ሊዝበን ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ዝተኣሳሰረን በቲ ናይቲ ቅነ መንእሰያት መደብ መሰረት ዝምራሕ ኮይኑ እውን ስለ ዝፍጸም ብእምነት ኩላትና ንሳተፈሉ ኣጋጣሚ እዩ” ኢሎም።    

17 July 2023, 16:29