ድለ

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ወርሒ ሓምለ ናይ ጸሎት ሓሳብ፥ ቅዱስ ቁርባናዊ ህይወት

“ቅዱስ ቁርባን ዝልውጠና ህላወ ኢየሱስ ስለ ዝኾነ - ቅዱስ ቁርባን ኢየሱስ ገዛእ ርእሱ ንዓና ዘወፍየሉን ንዓና ዝህበሉን ንኣኡ እናተመገብና ንህይወት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንምግብ ዝድርኸና እዩ”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ልሙድ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣብ ኩላዊት ቤተ ክርስቲያን ዘቕርብዎ ናይ ጸሎት ሓሳብ መሰረት፡ ወርሒ ሓምለ ንቕዱስ ቁርባን ዝተወፍየ ክኸውን ሓሳብ ብምቕራብ፡ ቅዱስ ቁርባን ናይ ሕይወትና ማእከል ክንገርብሮ ይምዕዱ፥ 

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ኩላዊት ቤተ ክርስቲያን ዘቕረብዎ ናይ ጸሎት ሓሳብ፥ ቁርባናዊ ህይወት ዕላማ ዝገበረ ኮይኑ፥ ኣብቲ ብጳጳሳዊ ዓለም ሓቆፍ መርበባዊ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት ሓሳብ ማሕበር ብምስማዐ ርእየት ዝተዘርገሐ ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት ሓሳብ፥ “ኣብ መወዳእታ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምቲ ኣብ መጀመርታ ዝነበርካዮ ኴንካ እንተተሪፍካ ሽግር ኣሎካ ማለት እዩ!”  ብዝብል ሓሳብ ነቲ ናይ ጸሎት ሓሳብ ኣንቂሎም፡ ቅዱስ ቁርባን ከም ግዴታዊ በዓል ዘይኮነስ ምስቲ ዝተንስአ ኢየሱስ እንራኸበሉ እዩ፡ ከመይሲ “ቅዱስ ቁርባን ዝልውጠና ህላወ ኢየሱስ ስለ ዝኾነ - ቅዱስ ቁርባን ኢየሱስ ገዛእ ርእሱ ንዓና ዘወፍየሉን ንዓና ዝህበሉን ንኣኡ እናተመገብና ንህይወት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንምግብ ዝድርኸና እዩ” ዝብል ሓሳብ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ካብ ገዛእ ርእስና ምውጻእ፥ ገዛእ ርእስና ንኽልኦት ምኽፋት

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ድማ፥ “ስነ መጐት ቅዱስ ቁርባን” ይገልጹ፡ ማለት፥ “ንኻልኦት ክንራኸብ ካብ ገዛእ ርእስና ንኽንወጽእ፡ ገዛእ ርእስና ንኻልኦት ብፍቕሪ ንኽንከፍት ትብዓት ይህበና” እንክብሉ ኣብሪሆም፥ ኣብ ቅዱስ ቁርባን ምስ ህያው ክርስቶስ ክንራኸብ ድማ ኣተባቢዖም፥ ምኽንያቱ ኣብኡ ኢና ንኻልኦት ናይ ምፍቃርን ብእኡ ክንልወጥን ናይ ምፍቃድ ዓቕሚ እንረክብ . . . ካቶሊካውያን - ይብሉ ኣብ መደምደምታ መልእኽቶም - ንርክባት ደቂ ሰባት ዝቕይርን ምስ እግዚኣብሔርን ኣሕዋትን ኣሓትን ርክብ ዘሀልው ጽምብል ቅዱስ ቁርባን ኣብ ማእከል ህይወቶም ከቐምጥዎ” ክንጽልይ የተባብዑ።

04 July 2023, 15:42