ድለ

ር.ሊ.ጳ.፦ ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን መንእሰያትን ፍረ ብዘለዎ ምልውዋጥ ሓቢሮም ይዓብዩ'

"ኣብዚ ፍረ ዘለዎ ምልውዋጥ ወለዶታት እዚ፣ ጽባቐ ህይወት ክንመሃር ማሕበረሰብ ክንሃንጽ ከምኡውን ኣብ ቤተ-ክርስትያን ንሓድሕድና ኽንራኸብን ኣብ መንጎ ልምድን ሓድሽ መንፈስን ክንዘራረብን ዘኽእለና ኢዩ"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ንሳልሰይ ግዜ ዝኸብር ዘሎ መዓልቲ ንኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ሽማግሌታትን መስዋዕተ ቅዳሴ የዕሪጎም፣ ኣብ መንጎ ወለዶ ዚግበር ምልውዋጥ፡ ጽባቐ ህይወት ንምፍላጥን ህይወት ቤተ-ክርስትያን ንምድልዳልን አገዳሲ ኢዩ ክብሉ ገሊጾም። 

አባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን 

ቤተ-ክርስትያን ትማሊ ሰንበት 23 ሓምለ ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ኣባሓጎታትን እኖሓጎታትን ሽማግሌታትን ንመበል 3 ግዜ ኣብ እተብዓለሉ ዘላ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ካብ መላእ ኢጣልያ ንዚመጹ ኣስታት 8,000 ሽማግሌታት እተሳተፍዎ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መስዋዕተ ቅዳሴ የዕሪጎም። 

መሪሕ ሓሳብ ናይዚ ሎም ዓመት ዝኸበረ ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ኣባሓጎታትን እኖሓጎታትን ሽማግሌታትን "ምሕረቱ ካብ ዘልዓለም ንዘልዓለም ኢዩ! " ዝብል ኰይኑ ካብ ወንጌል ሉቃስ እተወስደ መሪሕ ሓሳብ ከም ዝኾነ ዝዝክር ኢዩ ። 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ አብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ዝተነበ ሰለስተ ምስላላታት ብምምርኳስ አብ ዘቕረብዎ ስብከት "ሓቢርካ ምዕባይ" አብ ዝብል ሓሳብ ዓሚቑ ትምህርቲ ከም ዘቕረቡ አገልግሎት ዜና ቫቲካን ገሊጹ። 

ስርናይን ክርዳድን ብሓባር ይበቍል 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ እቲ ኢየሱስ ኣብ ወንጌሉ ዝጠቐሶ ናይ መጀመርታ ምስላ ዛንታ ስርናይን ክርዳድን ኣብ ሓደ ግራት ብሓባር ኸም ዚዓቢ ዝገልጽ እንክኸውን፣ እዚ ኸኣ ንዓና ንክርስትያን ኣብቲ ብዛዕባ ህይወት ዘሎና ኣረኣእያ ኣብ ክውንነት እተመርኰሰ ኣረኣእያ ክህልወና ዘዘኻኽረና ኢዩ። 

"ኣብ ታሪኽ ወድሰብ፣ ከምቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ህይወትና እንነብሮ ዘሎና፣ ብርሃንን ጽላሎትን ፍቕርን ስስዐን ተሓዋዊሱ ብሓደ ኢዩ ዘሎ" እንክብሉ። “ጽቡቕን ክፉእን ክፈላለዩ ክሳዕ ዘይከአል እውን ከይተረፈ ተጠናኒጎም ዘለዉ ኢዮም ዝመስሉ"። 

ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ክውንነት እተመርኰሰ ኣረኣእያን ኣተሓሳስባን እከይ ካብ ገዛእ ርእስና "ወጻኢ" ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ውሽጥና እውን ከም ዘሎን ብዙሕ ግዜ ዕሽሽ ከም እንብሎን ንኽንግንዘብ ዝሕግዘናን ኢዩ ክብሉ አብ ስብከቶም ገለጾም። 

ብትዕግስቲ ኣብ ጐይታ ምውካል 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም ክርስትያን ነቲ ኽርዳድ እከይ ንምምሓው ክህወኹ ኸም ዘይብሎም፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ ነቲ ጽቡቕን ሰናይን ዝኾነ ስርናይ በቲ "ታህዋኽን ቍጡዕን ዝመልኦ" ኣረኣእያኦም ክጐድእዎ ኸም ዘይብሎም አስተምሃሩ። 

"ንጹህ ሕብረተሰብ ማለት 'ንጹህ ቤተ-ክርስትያን' ንኽንሓንጽ ብተደጋጋሚ ብዙሕ ግዜ ንፍተን ኢና፣ ነዚ ንጽህና እዚ ንምርካብ ክንጽዕር ከሎና ግን፣ ነቶም ኣብ ጌጋ ዝወደቑ ዓቕሊ ዘይብልና ብትዕግዝስቲ ውን ክንርድኦም ከይፈተና፣ ሕሉፍ ሓሊፍና እውን አንጻር እቶም ዝወደቑ ዓመጸኛታት ኮይና እንርከበሉ ኩነት አሎ" ብምባል አስተንትኖኦም ቀጸሉ። 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እከይ እናኣጋጠመ ኽነሱ ቕኑዕ ኣረኣእያ ኺህልወና ዚኽእል ብትዕግስቲ ከም ምዃኑ፣ እዚ ኸኣ ንኻልኦት ብኣኽብሮትን ለዘብተኝነትን ንኽንሕዞም ዚድርኸና ከም ምዃኑ፣ ከምኡውን "ኣብ ልዕሊ እከይ መወዳእታ ዘይብሉ ዓወት መካብ ብመሰረቱ ዕዮ ኣምላኽ ክንዲ ዝኾነ ኢዩ" ዝብል ሓቂ ክርድአና ከም ዘለዎ ገለጹ።

ንምስጢር ህይወት ምቕባል 

ኣስዕብ ኣቢሎም ቅዱስ አቦና፣ መብዛሕትኡ ግዜ ዝሸምገሉ ሰባት ንህይወቶም ብጣዕሳ ኸም ዚርእይዋን ንዝሓለፈ ጌጋታቶም ኬዐርይዎ ኸም ዚደልዩን ዘከሩ ። እንተዀነ ግን ኢየሱስ ንኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ሽማግሌታትን "ንምስጢር ህይወት ብህድኣትን ብትዕግስትን ተቐበልዎ፣ ፍርዲ ንዓኡ ንጐይታ ሕደጉሉ፣ ጣዕሳን ምጉርምራምን ዝመልኦ ህይወት መታን ከይትነብሩ" ክብሉ መዓድዎም። 

ከምዚ ድማ በልዎም - "እርጋን ብርግጽ እተባረኸ ግዜ ኢዩ፣ ከመይሲ ክንዕረቖ ዘሎና ወቅቲ ህይት ኢዩ፣ ወላኳ ደበንገረን ጽላሎት ዝሸፈኖ እንተ መሰለ ናብቲ ብርሃን አቢልና ክንጥምት አሎና፣ እቲ ድያብሎስ ንልብና ክሰብር ዝደሊ ዝዘርኦ ጻህያይ ከም ዘይዕወት ክንፈልጥን፣ እኳ ደአ ኣምላኽ ዝዘርኦ ጽቡቕ ስርናይ ከም ዝዕወት ርግጸኛታት ኴንና አብ ተስፋ ክንጸን ይግባእ ኢዩ።" 

ምስ ማሕበረሰብ ኣሕዋት ዚግበር ፍረ ዘለዎ ምልውዋጥ 

ድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንስኮ ናብቲ ካልይቲ ምሳሌ ምልስ ብምባል፣ መንግስተ ሰማያት ከመይ ቢላ አብ ታሪኽ ወድሰብ ከም እትዓቢ ንምግላጽ ልክዕ ከምታ ንእሽቶ ዘርኢ ኣድሪ እክብሉ ወንጌላዊ ምሳሌ ተጠቐሙ። 

እታ ዘርኢ ኣድሪ ዓባይ እና ኾነትን እናዓበየን ምስ ከደት ከም ሓንቲ ኦም ኻልኦት ጽላልን ምጽንናዕን ዝረኽቡላ ከም ዓባይ ኦም ከም እትምሰለ ገለጹ ። 

ኣስዕብ ኣቢሎምውን ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን፣ ውሉዳትን ደቂ ደቆምን ምዉቕ ስምዒት ቤት ንኺመሃሩ ሓልዮትን ለውሃትን ከኣ ንኺረኽቡ ዝገብሩ ምኹኖም ገለጹ ። 

"ኣብዚ ፍረ ዘለዎ ምልውዋጥ ወለዶታት እዚ፣ ጽባቐ ህይወት ክንመሃር ማሕበረሰብ ክንሃንጽ ከምኡውን ኣብ ቤተ-ክርስትያን ንሓድሕድና ኽንራኸብን ኣብ መንጎ ልምድን ሓድሽ መንፈስን ክንዘራረብን ዘኽእለና ኢዩ" ክብሉ ስብከቶም ቀጸሉ።  

እምነት ንምውራስ 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብቲ ሳልሳይ ምሳሌ ወንጌል ብምህላፍ ነታ ብሑቝ ንምልዋስ መባዅዕቲን ሓርጭን ብዛዕባ ምትሕውዋስ እትዛረብ ምሳላ ወሲዶም፣ ነታ "ምትሕውዋስ" እትብል ግሲ ኣብ መንጎ ወለዶታት ዚግበር ምልውዋጥ ከም ምኹኑ ገይሮም አነጸርዋ። 

ስለዚ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ብጽምዋ ምእንቲ ብልዑ ወይ ምእንቲ ከይንጸሉ ርእሰ-ፍትወትን ስስዐን ከውገድ ከም ዘሎና ረዚን ማዕዳኦም አቕረቡ ። 

ኣብ መደምደምታ ቅዱስነቶም ንመንእሰያትን ንኣረጋውያንን ህያቦቶም ክልውዋወጡን ብሓባር ኪዓብዩን ክዓዩን፣ ንሓድሕዶም ኪሰማምዑን ኪዘራረቡን፣ ንሓድሕዶም ኪደጋገፉን ተማሕጸንዎም ። 

ኣብ መወዳእታ መስዋዕተ ቅዳሴ እተወሰኑ ሽማግሌታት ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብምሳሌ ዝተዛረብዎ ዘመልክት መስቀል ዓለም ለኻዊ መዓልቲ መንእሰያት ከም ምልክት ንገለ ካብቶም ካብ 1-6 ነሓሰ ኣብቲ ኣብ ሊዝበን ፖርቱጋል ዝካየድ መዓልቲ መንእሰያት ዝሳተፉ መንእሰያት ከም ምልክት ህያብ ከም ዝሃብዎም አገልግሎት ዜና ቫቲካን የመላኽት። 

24 July 2023, 14:49