ድለ

ካርዲናል ጹፒ ምእንቲ ሰላም ዩክረይን ዝዓለመ ተልእኾ ኣብ ዋሽንግተን ካርዲናል ጹፒ ምእንቲ ሰላም ዩክረይን ዝዓለመ ተልእኾ ኣብ ዋሽንግተን  

ካርዲናል ጹፒ ምእንቲ ሰላም ዩክረይን ዝዓለመ ተልእኾ ኣብ ዋሽንግተን

ዕለት 17 ሓምለ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት አብ ዘውጽኦ መግለጺ ዕላማ ምብጻሕ ካርዲናል ጹፒ ናብ ዋሽንግተን "ኣብ ዩክረይን ሰላም ንምድንፋዕ"

ካርዲናል ማቴዮ ማሪያ ጹፒ ነቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ፍሉይ ልኡኽ ኰይኖም ናብ ርእሰ ከተማ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ምብጻሕ አካይዶም። 

አባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን 

ኢጣልያዊ ካርዲናል ማተዮ ጹፒ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ፍሉይ ልኡኽ ኰይኖም ንሰለስተ መዓልቲ ናብ ዋሽንግተን ዲ. ሲ. ምብጻሕ የካይዱ ምህላዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዕለት 17 ሓምለ አብ ዘውጽኦ መግለጺ አፍሊጡ። እዞም ሊቀ-ጳጳሳት ቦሎኛን ናይ ኢጣሊያ ጉባኤ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ዝኾኑ ካርዲናል ብሓደ በዓል ስልጣን ናይ መንግስቲ ቫቲካን ተሰንዮም ምብጻሕ የካይዱ አለዉ። 

እቲ ናብ ርእሰ ከተማ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝግበርዎ ዘለዉ ምብጻሕ ካብ 17-19 ሓምለ ዝካየድ ዘሎ እንክኸውን ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣቐዲሞም ናብ ክየቭን ሞስኮን ዝገበርዎ ምብጻሕ ምዃኑ ተገሊጹ። 

'ኣብ ዩክረይን ሰላም ንምስፋን' 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣብ መጀመርታ ሰነ ነዞም ኢጣልያዊ ካርዲናል ፍሉይ ልኡኹ ሰላም ገይሮም ድሕሪ ምሻም፡ ኣብታ ብውግእ ትሕመስ ዘላ ዩክረይን ዝርርብ ናይ ምጅማርን ምንገዲ ሰላም ናይ ምሕናጽን ተልእኾ ክፍጽሙ መዝነት አልበስዎም። 

ዕለት 17 ሓምለ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት አብ ዘውጽኦ መግለጺ ዕላማ ምብጻሕ ካርዲናል ጹፒ ናብ ዋሽንግተን "ኣብ ዩክረይን ሰላም ንምድንፋዕ" ምዃኑ ገለጹ። 

እቲ መግለጺ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ከም ዝሕብሮ "ብዛዕባ እዚ ሕጂ ዘሎ ዘሕዝን ኵነታት ዩክረይን ሓሳባትን ርእይቶታትን ንምልውዋጥ ከምኡውን ስቓይ ናይቶም ኣዝዮም ንሓደጋ እተቓልዑ ሰባት ብፍላይ ከኣ ቈልዑን ሕጻናትን ንምቅላል ንዝግበር ናይ ግብረ - ሰናይ ተበግሶታት ንምድጋፍን ንምስራሕን…" ምኹኑ ተገሊጹ።

ናብ ዩክረይንን ሩስያን እተገብረ ተልእኾ 

ካርዲናል ጹፒ ካብ 5-6 ሰነ ናብ ርእሲ ኸተማ ዩክረይን ዝዀነት ኪየቭ ብምኻድ ምስ ርእሰ-ብሔር ቭሎዲመር ዜለንስኪን ምስ ካልኦት ላዕለዎት ሰበ-ስልጣንን ሃገረ ዩክረይን ከም እተራኸቡ ዝዝከር ኢዩ። 

ብድሕርዚ ካርዲናል ጹፒ ካብ 28-30 ሰነ ናብ ሞስኮ ርእሲ ከተማ ሩስያ ውን ምምብጻሕ ብምክያድ ምስቶም ብዛዕባ ጉዳይት ወጻኢ ዝግደሱ ምኽትል ርእሰ-ብሔር ፈደራላዊት ሩስያ ዝኾኑ ምስ ዩሪ ኡሻኮቭን ከምኡውን ምስታ አማኻሪት መሰላት ቈልዑ ዝዀነት ማሪያ ልቮቫ-ቤሎቫ ተራኺቦም። 

ካርዲናል ጹፒ ኣብ ሩስያ ምብጻሕ አብ ዝገበረሉ እዋን ምስ ይ ሞስኮን መላእ ሩስያን ፓትርያርክ ኪሪል  ተራኺቦም ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሰላምታ አብጽሑሎም ከምኡ ውን ኣብ ዩክረይን ሰላም ከምጽእ ዝኽእል ናይ ግብረ - ሰናይ ተበግሶታት ክግበር ድማ ተመያይጦም ። 

ተልእኾ ሰላም ኣብ ክንዲ እቶም ተነቀፍቲ አካላት ሕብረተሰብ 

ካርዲናል ጹፒ ድሕሪ እቲ ናብ ሞስኮ ዝገብርዎ ምብጻሕ አብ ዝሃብዎ መግለጺ ቐዳምነት ኪወሃቦ ዘለዎ ነገር ነቶም ኣዝዮም ተነቀፍቲ ዝኾኑ አካላት ሕብረተሰብ ንምሕጋዝ ምዃኑ ገለጹ ። 

"ቈልዑን ሕጻናት ናብ ዓዶም ናብ ዩክረይን ክምለሱ ክኽእሉ ኣለዎም" ክብሉ አብቲ ንጋዜጠኛታት ዝሃብዎ መግለጺ ተዛሪቦም። ስለዚ እቲ ቐጺሉ ዘሎ ስጕምቲ ፈለማ ነቶም ቈልዑን ሕጻናትን ምርአይን  ብቐዳምነት ድማ ነቶም አዝዮም ተነቀፍቲ ዝኾኑ ምዕዛብን እንክኸውን ብድሕሪኡ ብኸመይ ናብ ዓዶም ከም ዝምለሱ መጽናዕቲ ምክያድ ክኸውን ኢዩ ።" 

ካርዲናል ጹፒ ካብቲ ናብ ኪየቭን ሞስኮን ዝገበርዎ ምብጻሕ ምስ ተመልሱ ብዛዕባ ውጽኢት ናይ እቲ ብስም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝገበርዎ ምብጻሕ ሰላም ንምዝርራብ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ከም እተራኸቡ አገልግሎ ዜና ቫቲካን ገሊጹ። 

18 July 2023, 15:08