ድለ

ኣባ ፓውሎ ዳሎሊዮን ማሕበረሰብ ደይር ማር ሙሳ ኣባ ፓውሎ ዳሎሊዮን ማሕበረሰብ ደይር ማር ሙሳ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ጸዋዕታ ሓሴት ኣባ ፓውሎ ዳሎሊዮ

ኣብዚ ኩነት እዚ መገዲ ሕውነት ከም ፍልዩ ጸዋዕታ ናይ ኣገልግሎቶም ናይቲ ዘቖምዎ ገዳማዊ ማሕበረሰብ ገበሩ። . . . ፍቕሪ ኣምላኽ ንዅሉ ምዃኑ ኣብቲ ኪዳነይ ዝብል መንፈሳውን ሰብኣውን ኣስተንትኖኦም ተመስኪሩ ንረኽቦ

እቶም ቅድሚ 10 ዓመት ዕለት 29 ሓምለ ኣብ ሶርያ ዝተጨውዩ ክሳብ ሎሚ ሃለዋቶም ዘይተረኽበ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ፓውሎ ዳሎሊዮ “ኪዳነይ” ብዝብል ኣርእስቲ መንፈሳውን ሰብኣውን ምስክርነቶም ኣብ ሓደ ተጠርኒፉ ንንባብ ናይ ዝበቕዐ መጽሓፍ መቕድም ደራሲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ነቢያዊ ጉድንታቱ የጉልሑ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣባ ዳሎሊዮ ብዛዕባ እቲ ዘቖምዎ ገዳማዊ ማሕበረሰብ ዳይር ማር ሙሳ ብዛዕባ ምሕደራኡን መምርሕታቱ ዝምልከት ዘንበርዎ መንፈሳውን ሰብኣውን ሓሳባት ነቲ ኣዚዩ ጥንታዊ ሶርያዊ ገዳማዊ መንፈስ ሓድሽ ህይወት ከስተንፍስ ከም ዝገበሩን ኣዚ ድማ ካብ’ቲ ካብ ሻድሻይ ክፍለ ዘመን ጀሚሩ ነቲ ዓቢ መንፈሳዊ ትውፊት ገዳማውያንን ባሕታውያን ኣበው ክምለስን ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ድማ ሓድሽ ኣብ ዓረብ እስላማዊ በረኻ ንፍቕሪ ክርስቶስ ዘነቓቕሕ ምስክርነት ምዃኑ ቅዱስነቶም ኣብ ዝደረስዎ መቕድም የመላኽቱ።

ማር ሙሳ ኣል ሓባሺ - ገዳም ቅዱስ ሙሴ ዘሓበሻ ብምቛም ብዓሚዩቝ ፍቅሪ ዝሓሰበዎን ብዛዕባ ትርጉም ሕጊ ዘብርህ ናጻን ንወግዓውነትን ሓረጋት ኵነታትን ዝነጽግ ኣብ ፍቕሪ ብዝጸንዐ ብዓብይን ዓሚቝን ትርጉም የመሓላልፍዎ፡ እዚ ዝጽሕፍዎ ኣስተንትኖ ዕምቆት ራእይን ፈልፋሊ ኪዳንን እውን ይገልጽ . . . ኣባ ዳሎሊዮ ካብ ዝጭወዩን ሃለዋቶም ካብ ዝጠፍእ ዓሰርተ ዓመት ሓሊፉ ኣሎ፡ ብዓቢ ትብዓት ኣብ ሰሜናዊ ሶርያ ምስቶም ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ዝተጨውዩ ክልተ  ሓደ ሶሪያዊ ኦርቶዶክሳዊ እቲ ካልኣይ ድማ ናይ ግሪኽ ስርዓት ናይ እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳስ ኩነታቶም ክፈልጡ ይጽዕሩ ከም ዝነበሩን ኣብዚ ኩነታት እዚ እንከለዉ ዝተጨውዩ ምዃኖምን ክሳብ ሎሚ ማሕበሮምን ስድራኦምን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ሓበሬታ ተሪፎም ኣለዉ፥ ነዚ ቃንዛ እዚ ክንገልጾ ቃላት እውን የብልናን . . . ኣባ ዳሎሊዮ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ጸገማት ሸለል ኣይበሉን መከራ ክርስቲያን ዓረብ ኣሕዋቶምን ናይ ቆብጣውያን ናይ ከለዳውያን ናይ ማሮናውያን ናይ ኣሶራውያን . . . ኣብዚ ኩነት እዚ መገዲ ሕውነት ከም ፍልዩ ጸዋዕታ ናይ ኣገልግሎቶም ናይቲ ዘቖምዎ ገዳማዊ ማሕበረሰብ ገበሩ። . . . ፍቕሪ ኣምላኽ ንዅሉ ምዃኑ ኣብቲ ኪዳነይ ዝብል መንፈሳውን ሰብኣውን ኣስተንትኖኦም ተመስኪሩ ንረኽቦ።

ፖለቲካዊ ሜላ ዘይኮነስ ቅድሚ ኩሉ ኣብ ገዛእ ርእሱ ሓይሊ ምሕረት ኣምላኽ ዘስተማቕሩ ልኡካነ ወንጌል ምዃኖም ዝኣምኑ ከም ዝነበሩን፡ ኣብቲ ተስፋ ዘቑርጽ ኩነታት ኣብ ኣምላኽ ስለ ዝውከሱ ድማ ኩሉ ግዜ ንፍሽኽታን ንተስፋን ክፉት ምንባሮም ዘረጋግጸልና፡፡ ሎሚ እቲ ኪዳነይ ዝብል ጽሑፋቶም ትንቢታዊ ክፍልታት ናይ ሓደ መንፈሳዊ ኪዳን እዩ፡ ብፍላይ ኣባ ዳሎሊዮ ብዛዕባ እታ ናይ መወዳእታ መስዋዕቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ክዛረቡ እንከለዉ፥ “ኣብቲ እስላማዊ ኩነታት ጸዋዕታና ብሓሴት ምንባር ይግብኣና፡ መዓልታዊ ሕይወትና መዓልቲ ሓሴት ይኹን ከም ፍቓድ ኣምላኽ ገዛእ ርእስና ከም ኢየሱስ ናይ መወዳእታ መስዋዕቲ ክንነብር እንኮለና ጸጋኡ ንሓትት . . . ባዕልና ከነህልዎ ዘይከኣለና ጸጋ ምዃኑ የብርሁ፥ ዝብል ሓሳብ ቅዱስነቶም ኣብቲ ዝደረስዎ መቕድም የመላኽቱ።

08 July 2023, 16:49