ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ወዲ ሰብ ካብ ኲናትን ዓመጽን ናጻ ክኸውን ይጽልዩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ወዲ ሰብ ካብ ኲናትን ዓመጽን ናጻ ክኸውን ይጽልዩ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ወዲ ሰብ ካብ ኲናትን ዓመጽን ናጻ ክኸውን ይጽልዩ

ኲናት እቲ ኣብ ታሪኽ ዝንገር “ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ሎሚ እውን ዝድገም ዘሎ መዓት እዩ . . . እዚ ከመይ ኢሉ ይከኣል? ዝኽርና ዘጥፋእና ዝኾንና ንመስል። ጐይታ ምሕረቱ የውርደልናን ንሰብኣዊ ስድራ ቤት ካብ መዓት ውግእ የናግፍ”

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ዝተረኽብሉ ዕለት 16 ሓምለ 2023 ዓ.ም. ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ብሓባር መሪሖም ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ፥ ነቲ ቅድሚ ሰማንያ ዓመት ኣብ ከተማ ሮማ ከባቢ ሳን ሎረንዞ ዝተፈጸመ ደብዳብ ብምዝካር፥ ሎሚ እውን እንተኾነ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋል ዓለም ከምኡ ዝኣመሰለ መዓት ክደጋገም፡ ከመይ እዩ ዝከኣል? ዝብል ሕቶ ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ “ቅድሚ ሰማንያ ዓመት ዕለት 19 ሓምለ 1943 ዓ.ም. ኣብ ከባቢ ዞባ ሮማ ዝተፈጸመ ደብዳብ” ዘኪሮም፡ እቲ ዘሕዝን ዝኽሪ ንኲናትን ምጥፋእ ታሪኻዊ ዝኽርን “ኣይፋል” ዝብል ሓያል ጻውዒት ንምሕዳስ እጋጣሚ ክኸን ከም ዘለዎ ኣመልኪቶም፡ ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ሮማ ክፍለ ከተማ ሳን ሎረንዞ ጥራይ ብዝተፈጸመ ደብዳብ፡ 717 ሰባት ከም ዝሞቱን ካልኦት 4 ሺሕ ድማ ከም ዝቖሰሉን፡ . . . ብጠቕላላ ኣብ ዞባ ሮማ ጥራሕ ብዝተፈጸመ ደብዳብ ልዕሊ 3 ሺሕ ተቐቲሎም ካልኦት 11 ሺሕ ድማ ቆሲሎም፡ 10 ሺሕ ኣባይቲ ከም ዝዓነወን 40 ሺሕ ዜጋታት ድማ ኣልቦ ቤት ከም ዘትረፉ፡ ኣብ ቤተ መዘክር ዝተነብረ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ እውን ዝፍለጥ ኮይኑ፥ ቅዱስነቶም “ሰብኣዊ ፍጥረት ኲናት ከመርጽ ከመይ ገይሩ እዩ ዝከኣሎ?” ዝብል ሕቶ ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ዝኽሪና ኣጥፊእና ዲና?

እቲ ኣብ ታሪኽ ዝንገር “ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ሎሚ እውን ዝድገም ዘሎ መዓት እዩ . . . እዚ ከመይ ኢሉ ይከኣል? ዝኽርና ዘጥፋእና ዝኾንና ንመስል። ጐይታ ምሕረቱ የውርደልናን ንሰብኣዊ ስድራ ቤት ካብ መዓት ውግእ የናግፍ” ቢሎም፥

ጸሎት ምእንቲ ዩክሬይን

ኣብ መወዳእታ ኣብ ውግእ ዘለዋ ሃገራት እናሓሰቡ፡ . . .  “ምእንቲ ኩሎምን ምእንቲ ኣብ ዩክሬይን ዝሳቐዩን ዘለዉ ንጸሊ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

17 July 2023, 16:24