ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመላእ ዓለም ሰላም ክጽልዩ ናብ ቅድስተ ማርያም ዘፋጢማ ቅዱስ ስፍራ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመላእ ዓለም ሰላም ክጽልዩ ናብ ቅድስተ ማርያም ዘፋጢማ ቅዱስ ስፍራ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመላእ ዓለም ሰላም ክጽልዩ ናብ ቅድስተ ማርያም ዘፋጢማ ቅዱስ ስፍራ

እቲ ብዛዕባ ፋጢማን ነቶም ጓሶት እተላእከ መልእኽትን ዚገልጽ ዛንታ ክሳዕ 2000 ዓ.ም. ብምስጢር ዝተዓቀበ፡ ምስ ናይ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ማለት ምስ ህይወት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣጸቢቑ ዝተኣሳሰረ እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ኣብ ማእከል ኤውሮጳን ኣብ ዝተፈላለየ ክፋል ዓለም ዝካየድ ዘሎ ውግኣት ከብቕዕ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ናብ ፖርቱጋል ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ፥ ኣብቲ ምስ ናይ 20 ክፍለ ዘመን ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን ምስ ሩሲያን ጥቡቕ ምትእስሳር ዘለዎ ግልጸት ቅድስተ ማርያም ዘፋጢማ ቅዱስ ስፍራ ክነግዱን ክጽልዩን እዮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ግንቦት 1917 ዓ.ም. ሰለስተ ጓሶት ቈልዑ ካብታ ድንግል ማርያም ብዛዕባ መጻኢ ደቅሰብ መልእኽቲ ኣብ እተቐብልሉ ስፍራ ኣብ ዝተሓንጸ ቤተ መቕደስ ቅድስተ ማርያም ዘፋጢማ ንኻልኣይ ግዜ ምብጻሕ ንኸካይዱ ይሰናደዉ ከምዘለዉ ናይ ቫቲካን ንውስን ናይ ቫቲካን ንውስ ርእሰ ዓንቀጽ ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ኣብ ዘቕረብዎ ሓተታ ኣመላኺቶም፥ ቅዱስነቶም ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ ፖርቱጋል ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ዕለት 5 ነሓሰ 2023 ዓ.ም. ናብ ቤተ መቕደስ ቅድስተ ማርያም ዘፋጢማ ንኽበጽሑ ተወሳኺ መደብ ከም ዘሎን ቅዱስነቶም ኣብ 2017 ዓ.ም. ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ግልጸተ ማርያም ዘፋጢማ ኣብቲ ቅዱስ ስፍራ ምብጻሕ ኣካይዶም ከም ዝነበሩ ይዝከር።

ቅዱስነቶም ናብቲ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ንኽምለሱ ዝደረኾም እውን ዕለት 25 መጋቢት 2022 ዓ.ም. ሩሲያን ዩክሬይንን ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንንጹሕ ልበ ማርያም ከም ዘወፈዩን ክዝከር ኮይኑ ኣብ ማእከል ኤውሮጳን ዓለምን ሰላም ክወርድ በማላድነት ቅድስቲ መርያም ዘፋጢማ ጸሎት ንከቕርቡ ምዃኑ ቶርኒየሊ ኣብ ዘውጽእዎ ሓተታ የመላኽቱ።

ኣብ ወርሒ ግንቦት 1967 ዓ.ም. ጳውሎስ ሻድሻይ ናብ ቅዱስ ዝፍራ ቅድስተ ማርያም ዘፋጢማ ዝነገዱ ናይ መጀመርታ ር.ሊ.ጳ.
ኣብ ወርሒ ግንቦት 1967 ዓ.ም. ጳውሎስ ሻድሻይ ናብ ቅዱስ ዝፍራ ቅድስተ ማርያም ዘፋጢማ ዝነገዱ ናይ መጀመርታ ር.ሊ.ጳ.

ፋጢማን ናይ 20 ክፍለ ዘመን ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን

እቲ ኣብ ፋጢማ ዝተራእየ ግልጸት ምስ ናይ መበል 20 ክፍለ ዘመን ኣርእሰተ ሊቃነ ጳጳሳት ብቐረባ ዝተኣሳሰረ ኮይኑ ምስ ውልቃዊ ታሪኽ ህይወቶም እውን ዝተወሃሃደ እዩ።

ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 15 ኣብ መንጎ ራዕዲ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ዕለት 5 ግንቦት 1917 ዓ.ም. ኣብቲ ኣብ ጸሎት መቑጸርያ ኣብ ዘሎ ጸሎት ሊጣንያ “ንግስተ ሰላም ጸልይልና” ዝብል ጸሎት ክውሰኽ ከም ዝወሰኑን፡ ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት ዕለት 13 ግንቦት ናይ መጀመርታ ግልጸት ቅድስተ ማርያም ዘፋጢማ ተፈጸመ፡ እዚ ፍጻሜ እዚ ምስቲ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 15 ነቶም ድሕሪ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ንዝተሓረዩ ንኣባ ኤውጀኒዮ ፓቸሊ ኣብ ቤተ ጸሎት ሲስቲና ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ማዕርገ ጵጵና ከም ዝሰርዑሎምን፥ ፒዮስ መበል 12 ዕለት 31 ጥቅምቲ 1942 ዓ.ም. “ብጌጋ ወይ ብዘይምስምማዕ ንዝተፈላለዩ ህዝብታት ኵሎም” ንንጹህ ቅዱስ ልበ ማርያም ሕድሪ ከም ዝበሉ ቶርኒየሊ ኣብ ዘቕረብዎ ሓተታ ኣዘኻኺሮም፥ ኣብ ወርሒ ግንቦት 1967 ዓ.ም. ጳውሎስ ሻድሻይ ናብ ቅዱስ ዝፍራ ቅድስተ ማርያም ዘፋጢማ ዝነገዱ ናይ መጀመርታ ር.ሊ.ጳ. ከም ዝነበሩን እዚ እውን ንዝኽሪ መበል 50 ዓመት ግልጸተ ማርያም ንምብዓል ዘካየድዎ ንግደት ምዃኑ ኣመላኺቶም፡ ባዕሎም ጳውሎስ ሻድሻይ ናይቲ ጉዕዞኦም ቀንዲ ዕላማ ድማ “ምእንቲ ሰላም ንምጽላይ እዩ” ክብሉ ገሊጾም ከም ዝነበሩ ይሕብሩ።

ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ፋጢማ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፥ “ብናይ ጥፍኣት ሞት ሰውራ ኣይትዘናግዑ . . . ናይ ሓባር ረብሓን ምትሕግጋዝን ኣብ ዘተባብዕ መደባት ኣስተንትኑ። ስሕበትን ዕቤትን ናይዛ ሰዓት ኣለልዩ፡ እዚ ድማ ንህልውን መጻእን ወለዶታት ወሳኒ ክኸውን ይክእል እዩ” ከም ዝበሉን፡ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ንስሕበት ናይቲ ታሪኻዊ ኩነታት ብንጹር ገሊጾምዎ እዮም፡ ነቲ ምስ ግብረ ገብን ዕደ ጥበብን ምዕባለታትን ዘይቃዶ ‘ዓቢ መጋበርያ ዘስካሕክሕ ቀታሊ ኣጽዋር’ ምዃኑ ኣብሪሆም፡ እዚ እውን ምስቲ መብዛሕቲኡ ሰብኣውነት ዘጋጥሞ ኩነታት ድኽነት ዕንወትን” ዝተኣሳሰረ እዩ፥ “በዚ ምኽንያት ኢና ዓለም ኣብ ሓደጋ ኣላ ንብል” ቢሎም፥ ስለዚ ድማ ኣምላኽ ጥራይ ክህቦ ዝክእል ህያብ ሰላም ክንልምን ናብ እግሪ ንግስተ ሰላም ዝመጻና . . . ኣረኣእያ ዓለምን ዕድላታን ኣብዚ ብከኸመይ ብዘይተኣደነን መዓታዊ መልክዕ ከም ዝቐርብ ኣመላኸቱ።”

ዕለት 13 ግንቦት 1981 ዓ.ም. ኣብ ልዕሊ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝተፈጸመ ፈተነ ቅትለት
ዕለት 13 ግንቦት 1981 ዓ.ም. ኣብ ልዕሊ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝተፈጸመ ፈተነ ቅትለት

ደም ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን መልእኽቲ በነዲክቶስ መበል 16ን

ይኹን እምበር እቲ ብዛዕባ ፋጢማን ነቶም ጓሶት እተላእከ መልእኽትን ዚገልጽ ዛንታ ክሳዕ 2000 ዓ.ም. ብምስጢር ዝተዓቀበ፡ ምስ ናይ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ማለት ምስ ህይወት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣጸቢቑ ዝተኣሳሰረ እዩ። ዕለት 13 ግንቦት 1981 ዓ.ም. ልክዕ ሰዓት ሓሙሽተን 17 ደቓይቕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንህዝቢ እናተውዘዋወሩ ሰላም እናበሉ እንከለዉ ብኣሸባሪ ቱርካዊ ኣሊ ኣግካ ብዝተኮሶ ጥይት ብርቱዕ ቆሲሎም ብተኣምር ሓለዋ ማርያም ከም ዝደሓኑን ድሕሪ ዓሰርተ ትሽዓተ ዓመት ብዛዕባ ሳልሳይ ምስጢር ፋጢማ ተገልጸ፡ እዚ ድማ እቲ ሓደ “ጻዕዳ ክዳን እተኸድነ ኣቡን” ኣብ ሓንቲ ዝዓነወት ከተማ ኪሓልፍ እንከሎ ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ኪቕተል ምዃኑ ይገልጽ። ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብቲ ጳጳስ ኮይኑኖም ኣብ ዘገልገለሉ እዋን ሰለስተ ሳዕ ማለት ኣብ 1982፡ ኣብ 1991 ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ 2000 ዓ.ም. ናብ ማርያም ዘፋጢማ ቤተ መቕደስ ንኽነግዱ ናብ ፖርቱጋል ሓዋርያዊ መገሻ ከም ዘካየዱን ንዓኦም ዝተኽኡ በነዲክቶስ መበል 16 እውን ኣብ 2010 ዓ.ም. ናብ ፖርቱጋል  ኣብ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ፥ ናብ ቅድስተ ማርያም ዘፋጢማ ቤተ መቕደስ ከምዝነገዱን፥ “ትንቢታዊ ተልእኾ ፋጢማ ተዛዚሙ ቢሉ ዝሓስብ ሰብ ንገዛእ ርእሱ እዩ ዘደናግር” እንክብሉ ከም ዝኣወጁን፥ . . . በነዲክቶስ መበል 16 ካብ ጋዜጠይናታት ንዝቐረበሎም ሕቶ ብፍላይ ብዛዕባ ቅልውላው ግህሰት ኣልዒሎም፥ “ኣብ ልዕሊ ር.ሊ.ጳጳሳትን ቤተ ክርስቲያንን ዝፍጸም መጥቓዕቲ ከም ዝመጽእ ዝነግርን፡ እዚ ድማ ካብ ደገ ጥራይ ዘይኮነ መከራ ቤተ ክርስቲያን ብልክዕ ካብ ውሽጢ ቤተ ክርስልቲያን ካብቲ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ካብ ዘሎ ሓጢኣት ዝመጽእ እዩ። እዚ እውን ወትሩ እንፈልጦ ነገር እዩ። ሎሚ ግን ብሓቂ ብዘስካሕክሕ መገዲ ንርእዮ ኣሎና። እቲ ዝዓበየ ስደት ቤተ ክርስቲያን ካብቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ጸላእታ ዘይኮነስ ካብ ሓጢኣት ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ዝለዓል ምዃኑን በዚ ኸኣ ቤተ ክርስቲያን ናብ ንስሓ ከተብል ዝጽውዕ እዩ” ከም ዝበሉ ቶርኒየሊ የዘኻኽሩ።

(Andrea Tornielli)

07 July 2023, 15:42