ድለ

2023.07.17 ር.ሊ.ጳ. ምስ ፖላንዳውያን መንፈሳውያን ነጋዶ መንእሰያት ተራኺቦም 2023.07.17 ር.ሊ.ጳ. ምስ ፖላንዳውያን መንፈሳውያን ነጋዶ መንእሰያት ተራኺቦም  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ምስ ፖላንዳውያን መንፈሳውያን ነጋዶ መንእሰያት ተራኺቦም

እቶም መንእሰያት፥ ንግደት ናብ ሮማን ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምርኻብን ማእከል ዝገበረ ሰለስተ ደረጃ ዘለዎ መደብ መንፈሳዊ ሱባኤ ከም ዘካየዱን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 17 ሓምለ ካብ ፖላንድ ዝመጹ ኣብ ናይ ሓባር መንፍሳዊ ሱባኤ ዝሳተፉ 150  መንፈሳውያን ነጋዶ መንእሰያት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ዕለት 17 ሓምለ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ምስቶም ንማሕበራዊ መንፈሳዊ ሱባኤን ንመንፈሳዊ ንግደትን ሮማ ንዝኣተዉ 150 መንእሰያት ፖላንድ ከምእተራኸቡን እቶም መንእሰያት መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብቲ ብርሃንን ህይወትን እተሰምየ ኣብ ፖላንድ ዝዓበየ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ምዃኑ ዝንገረሉ ማሕበር ኣብ ዘሰናደዎ መንፈሳዊ ሱባኤ ንኽሳተፉ ዕለት 15 ሓምለ ሮማ ዝእተዉ ክኾኑ እንከለዉ፥ ነቲ መደብ መንፈሳዊ ሱባኤ ዝመርሑ ሓደ ካብቶ ዕለት 30 መስከረም ካርዲናላ ንኽስመዩ ቅዱስ ኣቦና ካብ ዝሓረይዎም ኣብ ፖላንድ ናይ ሎድዝ ሊቀ ጳጳሳት ግርዘጎርዝ ርይስ ዝምራሕ እውን ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እዚ ማሕበር እዚ ኣብ 1987 በቲ ኣብቲ እዋን ኣብታ ሃገር ብዝበነረ ስርዓት ዴስትነት ብናይ ደህንነትን ስለላን ሓይሊ ጸጥታ ዝተቐትሉ ኣባ ፍራንሲስ ብላንክኒክ ዝተመሰረተ ምዃኑ የዘኻኽር።

ጸሎትን መመያን

እቶም መንእሰያት፥ ንግደት ናብ ሮማን ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምርኻብን ማእከል ዝገበረ ሰለስተ ደረጃ ዘለዎ መደብ መንፈሳዊ ሱባኤ ከም ዘካየዱን ኣብቲ ዘካይድዎ መንፈሳዊ ሱባኤ ኣብ ማሕበረ-ሰብ ምእመናን መገዶም እናለለዩ ኣብ  ብዙሕነት ምስርጢረ ቤተ ክርስቲያን ተመክሮ ክገብሩ ከም እተዓደሙን ካብ ናይ ዝተፈላለዩ ናይ ቤተ ክርስቲያን ትውፊትን ልምድታትን ጸሎት ክመሃሩን ኣብ ሕውነታዊ ምትእኽኻብ ይሳተፉን ዝተፈላለዩ መቕደሳት ብምብጻሕ ዕምቆት ታሪኽ ክርስትናን ህላዌ ቤተ ክርስቲያንን ፈሊጦምን ዝፍልጡን ምዃኖም እውን ዜና ቫቲካን የመላኽት።

18 July 2023, 15:12