ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ‘ሽማግለ ንሓደስቲ ሰማእታት - መሰኻኽር እምነት’ ኣቝይሞም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ‘ሽማግለ ንሓደስቲ ሰማእታት - መሰኻኽር እምነት’ ኣቝይሞም 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ‘ሽማግለ ንሓደስቲ ሰማእታት - መሰኻኽር እምነት’ ኣቝይሞም

ቅዱስነቶም ነቲ ሽማግለ ኣብ ዘቕውም ዘመሓላለፍዎ ውሳኔ፥ “ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝርከቡ ሰማእታት ነቲ ኣብ ክርስቶስ ብምእማን ዝመጽእን ንናይ ሓቂ ግብረ ሰናይ ዘለዓዕልን ተስፋ፥ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር እዮም፡ እግዚኣብሔር ብክርስቶስ ንሓጢኣትን ሞትን ስለ ዝሰዓረ ተስፋ ነቲ ሰናይ ካብ እከይ ከም ዝሕይል ዘሎና ዓሚቝ እምነት ህያው ይገብሮ።”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንቅዱስ ዓመተ ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ኣብ ግምት ብምእታው ዝርዝር እቶም ኣብ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ንኽርስቶስ ንኽምስክሩ ናይ ደም ሰማእትነት ዝተቐበሉ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ጥራይ ዘይኮነስ ኩሎም ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያ እውን ዘጠቓልል ጉዳያት ዝከታተል ብናይ ቅዱስና ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝመሓደር ሓድሽ ሽማግለ ከም ዘቖሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ረቡዕ ዕለት 5 ሓምለ ዓመት ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ኣብ ግምት ብምእታዊ ኣብ ውሽጢ ናይ ቅድስና ጉዳያት ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት፥ ዛዕባ ሓደስቲ ሰማእታት - ናይ እምነት መሰኻኽር ጉዳይ ዝከታተል ሽማግለ ከምዘቖሙን፥ ዕላማ እቲ ጉጅለ ንኹሎም እቶም ንኽርስቶስ ኣብ ምምስካር ናይ ደም ሰማእትነት ዝተቐበሉ ክርስቲያን ገድለ ሰማእነነቶም ምስናድ ዝብል ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቅዱስነቶም ነቲ ሽማግለ ኣብ ዘቕውም ዘመሓላለፍዎ ውሳኔ፥ “ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝርከቡ ሰማእታት ነቲ ኣብ ክርስቶስ ብምእማን ዝመጽእን ንናይ ሓቂ ግብረ ሰናይ ዘለዓዕልን ተስፋ፥ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር እዮም፡ እግዚኣብሔር ብክርስቶስ ንሓጢኣትን ሞትን ስለ ዝሰዓረ ተስፋ ነቲ ሰናይ ካብ እከይ ከም ዝሕይል ዘሎና ዓሚቝ እምነት ህያው ይገብሮ።” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉን እቲ ሽማግለ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ናይዚ ዘመን እዚ ናይ እምነት መሰኻኽር ንምልላይን ኣብ መጻኢ እውን ዝንበር ሰማእትነት ዝኸታተል ከም ዝኾነን እዚ ካብ 2000 ዓ.ም. ንነጀው ዝተኸፍለ ናይ ደም ሰማእነት ጉዳይ ዝከታተል ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ደም ሰማእትነት - ሓድነት ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን

ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብታ Tertio millennio adveniente - ኣብ ምቕራብ ሳልሳይ ሺሓዊ ዓመት ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ፡ ድሮ ሕድሪ ናይቶም “ዘይፈልጡ ወትሃደራት ክርስቶስ - መሰኻኽር እምነት’ ከይጠፍእ ኩሉ ክግበር ከምዘለዎ ገሊጾም ከም ዝነበሩን ዕለት 7 ግንቦት 2000 ዓ.ም. እዞም ሰማእታት እዚኣቶም ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ጽምብል ተዘኪሮምን ኣብዚ በዓል እዚ እውን ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ልኡካንን መራሕትን ኣብ ዙርያ ናይ ሮማ ጳጳስ ብሓባር ሮማ ኣብ ዝርከብ ቅርዓት ኮሎሰዩም ከም እተረኽቡን ነዚ ኩነት እዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ኣብ ናይ ደም ሰማእትነት ዝጸንዐ ሓድነት ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን” እንክብሉ ይገልጽዎ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ እዚ ሓሳብ እዚ ብምትሕሓዝ “ኣብ ዝቕጽል ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ተመሳሳሊ ጽምብል ክንሰርዕ ኢና” እንክብሉ በዚ ተበግሶ እዚ መሰረት ሓድሽ ቀኖንናዊ መዐቐኒታት ክንሰርዕ ዘይኮነስ፡ ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ ዳህሳስ ታሪኽ ሓደስቲ ሰማእታት ንምቕጻል እዩ . . ። ክርስቲያን ብምዃን ዝኽፈል ሰማእትነት” ዘማእከለ ምዃኑ ኣብሪሆም፥ ስለዚ . . . ናይ ሕይወት መስክርነት ክሳብ ናይ ደም ሰማእነት ዝበጽሑ ኣሕዋትን ኣሓትን ገድለ ሰማእነታቶም ንምእካብ ዝሓቀነ ኮይኑ፡ እዚ እውን ንካቶሊክ ቤተ ክርስቲያን ጥራይ ዝምልከት ዘይኮነ ናብ ኩለን ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝዝርጋሕ እውን እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ንጽል ድምጺ ሰማእታት ክርስቲያን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቀጺሎም፥ “ኣብዚ ናይ መዋዕል ለውጢ እንዕዘበሉ ዘለና ዘመን እውን እንተኾነ፡ ክርስቲያን ኣብ ዓቢ ሓደጋ ዘጋጥመሉ ኩነታት፡ ነቲ ዝጥርንፈና ህያው ጥምቀት የርእዩና” ኣለዉ። ነቲ ናይ ሓባር ጥምቀት ዝምስክሩ ስማእታት ብሓቂ ብዙሓት እያቶም፡ “ንሳቶም ነቲ ዘጋጥሞም ሓደጋታት እናፈለጡ እምነቶም ዝገልጹ ወይ ኣብ መኣዲ ቅዱስ ቁርባን ዝሳተፉ እዮም። ካልኦት ድማ ንህይወት ድኻታት ኣብ ምእላይን ነቶም ዝተነጸሉን ከም ውዳቕ ዝሕሰቡን ንዝተጠንጠኑን ኣገልግሎት ግብረ ሰናይን ብምቕራብ ኣብ ምሕጋዝ ኣብ ዝግበር ናይ ሰላምን ይቕረ ምብህሃልን ሓይሊ ኣብ ምንቕቓሕ ተዋፊሮም እንከለዉ ዝተቐትሉ። ካልኦት እውን ብውልቅን ብጉጅለን ብጽሞና ኣደዳ ዓመጽ ዝኾኑን መሰኻኽር ዝምልከት እዩ። . . . ዕዳኦም ኣሎና . . . ፈጺምና ክንርስዖም ዘይግብኣና!

ስለዚ ዕዮ ናይቲ ሽማግለ እምበኣር ምስቶም ብቤተ ክርስቲያን ብወግዒ ኣፍልጦ ዝረኸቡ ሰማእታት ጎኒ ንጎኒ “እዞም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝተሰነደ ምስክርነቶም፥ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰፊሕ ትርኢት ኣብ ውሽጢ ሓደ ድምጺ ይቃላሕ፥ . . . እቲ ሽማግለ ነቲ “ውጽኢታዊ ኣበርክቶ” ናይተን ፍሉያት ኣቢያተ ክርስቲያን ሃይማኖታዊ ተቕዋማትን ካልእ ኩሉ ክርስቲያናዊ ክውንነትን ክጥቀመሉ እዩ፡  “ኣብዚ ሓደ ሓደ ግዜ ክፍኣት ዝዕብለሉ ኣብ ዝመስል ዓለም ገድለ ታሪኽ ሰማእታት ምስናድ ኣብ ማዕቅፍ ዓመት ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. እውን ኣመንቲ ምኽንያታት ህይወትን ሰናይን ንኽርድኡ ከም ዝሕግዞም ርግጸይና እየ” ዝብል ሓሳብ ኣብቲ ናይ ውሳነ ሰነድ ከም ዘመላኸቱ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

06 July 2023, 16:16