ድለ

ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ነበር ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቢል ክሊንተን

መበል 42 ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኮይኖም ዘገልገሉ ብሓደ ልኡካን ተዓጂቦም ምስ ቅዱስነቶም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ከም እተራኸቡ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 5 ሓምለ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነበር ርእሰ ብሔር ቢል ክሊንተን ዝርከብዎ ጉጅለ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ህንጻ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ዕለት 5 ሓምለ ድሕሪ ቐትሩ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ሮማ ዑደት ዘካይዱ ዘለዉ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነበር ርእሰ ብሔር ቢል ክሊንተን ኣብ ቅድስቲ ማርታ ህንጻ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ቢል ክሊንተን ካብ ጥሪ 1993 – 2001 ዓ.ም. መበል 42 ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኮይኖም ዘገልገሉ ብሓደ ልኡካን ተዓጂቦም ምስ ቅዱስነቶም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ከም እተራኸቡን ክሊንቶም ቅድሚ ሕጂ ዕለት 2 ሰነ 1994 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ወግዓዊ ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ክሌኣዊ ርክብ ኣካይዶም ከም ዝነበሩ የዘኻኽር።

06 July 2023, 16:12