ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ መዓት ጥምየት ካብ ስሩ ንምጥፋእ ምዕያይ! ር.ሊ.ጳ.፥ መዓት ጥምየት ካብ ስሩ ንምጥፋእ ምዕያይ!  (ANSA)

ር.ሊ.ጳ.፥ መዓት ጥምየት ካብ ስሩ ንምጥፋእ ምዕያይ!

ድኽነት ዘይምዕሩይነት ከም መግቢ ዝስተ ማይ፡ ኣገልግሎት ጥዕናን ትምህርትን መንበሪ ገዛን ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ጸጋታት ዘይምርካብ ኣብ ሎዕሊ ክብሪ ወዲ ሰብ ከቢድ በደል እዩ! ሕዚ ሓቂ እዚ ክነቃልሖን ደጋጊምና ክንነግሮን ክንደክም ኣይኮንናን!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ “ንመዓት ጥምየት ንምጥፋእ ኩሎም ኣህዛብን ውድባትን ሓባራውን ብዙሕነታውን ስጉምቲ ክወስዱ” ጻውዒት ዘቕረብሉ መልእኽቲ ናብቲ ካብ ዕለት 1 – 7 ሓምለ ኣብ ሮማ ናብ ዝካየድ ዘሎ ናይ ሕቡራት ሃገራት ውድብ መግብን ሕርሻን መበል 43 ዓውደ ኣኼባ ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ኩሎም ኣህዛብን ማሕበረሰብ ዓለምን ነቲ መዓት ጥምየት ንምጥፋእ ቃል ክኣተዉ ኣለዎም” ነዚ ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ካብ ዕለት 1 – 7 ሓምለ ኣብ ሮማ ናብ ዝከየድ ዘሎ ናይ መግብን ሕርሻን ውድብ ዓውደ ኣኼባ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ክኸውን እንከሎ፥ ንኹሎም ተጋባእያን ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፥ . . . ነቲ ኣብ ዓለም ዝረአ ዘሎ መዓት ጥምየት ንምጥፋእ ወሳንን ብቑዕን ስጉምቲ ኣብ ዝውሰደሉ ዘሎ እዋን -  ካብዚ ሓላፍነት እዚ ምህዳም ብፍጹም ዘይግባእን ዘይከኣልን እውን እዩ . . . እቲ ዘጋጥመና ዘሎ ብድሆ ብመላእ ስድራ ቤት ኣህዛብ ሓባራውን ተሓባባራውን ስጉምቲ ዝጠልብ እዩ፥”

እቶም ኣብ ኢድና ዘለዉ ዓበይቲ ብድሆታት ኩለንተናውን ብዙሕነታውን ኣቀራርባን ኣብ ዝሓትተሉ እዋን ንግርጭት ወይ ተቓውሞ ቦታ ክህሉ ኣይክእልን እዩ!

ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ውድብ መግብን ሕርሻን ካልኦት ኣህጉራውያን ትካላት “ብወገን ኩሎም እቶም ዝምልከቶም ተዋሰእቲ ናይ ምርድዳእን ኣርሒቑ ዝጥምትን ኣተሓሳስባ ምትሕብባር” እንተድኣ ኣጽዲቖምን ኣንተተግቢሮምን ጥራይ እዮም ሓላፍነቶም ኣብ ምፍጻም ኣድማዒ ዝኾኑ፡” እዚ ድማ መንግስታት፡ ትካላት ንግዲ፡ ምሁራት፡ ኣህጉራውያን ትካላት፡ በረገሳውያን ማሕበራትን ውልቀ ሰባትን “ሓባራዊ ጻዕሪ” ክገብሩን “ጸቢብ ስነ መጐትን ወገናዊ ራእይን ሓዲጎም፡ ኩሉ ሰብ ተጠቃሚ ዝገብር ሓደ’ኳ ድሕሪት ዘይሕደገሉ ኩነት ይሓትት ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ከቢድ ግህሰት ክብሪ ደቂ ሰባት

ር.ሊ.ጳ. ኣብ መላእ ዓለም ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ብሕጽረት መግቢ ይሳቐዩ ከም ዘለዉ ብምዝኽኻር ዕጥቃዊ ግጭትን ምዝባዕ ከባቢ ኣየርን ምስቲ ውጽኢቱ ዝመጽእ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ቀንዲ መንቀሊ ስእነት መግቢ ምዃኑ እውን ሓቢሮም፡ “ጃምላዊ ምዝንባል ምስ ካልእ ሳዕቤናት ዓለምዊ ፖለቲካዊ ቁጠባውን ወተሃደራውን ወጥሪ ኩነታት መነባብሮ ሰባት ብመሰረት ባህርያዊ ክብሩ ንኽመሓየሽ ዝግበር ጻዕርታት የዳኽም፥”

ድኽነት ዘይምዕሩይነት ከም መግቢ ዝስተ ማይ፡ ኣገልግሎት ጥዕናን ትምህርትን መንበሪ ገዛን ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ጸጋታት ዘይምርካብ ኣብ ሎዕሊ ክብሪ ወዲ ሰብ ከቢድ በደል እዩ! ሕዚ ሓቂ እዚ ክነቃልሖን ደጋጊምና ክንነግሮን ክንደክም ኣይኮንናን!

ቅዱስነቶም ዕላማ “ዜሮ ጥምየት” ኣብ ውሽጢ እቲ ማሕበረሰብ ዓለም ዘቐመጦ ግዜ ከም ዘይዕወት ክኢላታት ከም ዝሕብርዎ ኣመላኺቶም፡ እዚ ናይ ሓባር ሓላፍነት ንምምላእ ዘይምኽኣል ሓቀይና ድሌታት ህዝቢ ኣብ ግምት ዘየእተወ መደባት መሰረት ምምሕያሽ ከይግበር ኣጠንቂቖም፥ ኣብዚ መንጽር እዚ ኩሉ ግዜ ዝለዓለ ኣኽብርቶን ሓልዮትን ከባብያዊ ማሕበረሰባት፡ ባህላዊ ብዙሕነትን፡ ባህላዊ ፍሉይነትን፡ ክርኢ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ እዚ ድማ “ኣብ . . . ክውንነት፡ ምስ ‘ስነ ሓሳባዊ መግዛእቲ’ ተመሳሳሊ ትርጉም ዘለዎ ብስም ኣርሒቑ ዘይጥምት ሓሳብ ምዕባለ ክቕየር ወይ ክጠፍእ ዘይክእል እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ብጸቕጢ ዝቐርብ ክኸውን የብሉን

በዚ ምኽንያት እዚ ቅዱስነቶ ኣጽኒዖም፥ ምትእትታዋትን ውጥናትን ካብ ላዕሊ ብጸቕጢ” ወይ “ውልቃዊ ርብሓ - መኽሰብ ዘተኾሩ ዘይኮነስ ንጠለባት ሰባትን ማሕበርሰቦምን ምላሽ ንምሃብ ክሕንጸጹን ክትግበሩን ኣለዎም፡” ኣብዚ ኪደት እዚ ኩሉ እጃሙ ከበርክት ድማ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ቅድስቲ መንበር “ኣብ ዓለምና መዓልታዊ መነባብሮ ዝጐድሎ ሰብ ከይህሉ” ብስራሕን ተመክሮን ትካላት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን “ኣብ ናይ ሓባር ጥቕሚ ኣበርክቶኣ ካብ ምቕራብ ከም ዘይትቦክርን ዕለታዊ እንገራ ንኹሉን ናይ ሓባር ቤትና ዘድልያ ክንክን ከይትሕሰምን ዝብል መትከል ዘለዎ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ልዑል እግዚኣብሔር “ንሓቀይና ምዕባለ መላእ ሰብእዊ ስድራ ቤት” ዝብል ንጉልበትን ጻዕርን ዓለም ሓቆፍ ውድብ መግብን ሕርሻን ኣብዚሑ ክራርኾ ጸሎትም ምዃኑ ኣረጋጊጾም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

04 July 2023, 15:38