ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምእንቲ ቅድስቲ መሬትን ዩክረይንን ጻውዒት ኣቕሪቦም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምእንቲ ቅድስቲ መሬትን ዩክረይንን ጻውዒት ኣቕሪቦም  (ANSA)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምእንቲ ቅድስቲ መሬትን ዩክረይንን ጻውዒት ኣቕሪቦም

ኣብ ቅድስቲ መሬት ደም ከምዝፈሰሰ ዘሕዝን ሓበሬታ ሰሚዔ፡ መራሕቲ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ነቲ ዝተሓላለኸ ዓመጽ ንዕርቅን ሰላምን ክፉት ብዝኾነ መገዲ ቀጥታዊ ዝተ ክኣልይዎ መታን ዳግማይ ዘተ ክጅምሩ ተስፋ እገብር!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 9 ሓምለ ፍርቂ መዓልቲ ምስቶም ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ሓቢሮም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ብሓባር መሪሖም ደጊሞም ምስ ኣብቅዑ፥ ኣብ ቅድስቲ መሬት ዘተ ክግበር ብውግእ ንዝተሃስየት ዩክሬይንን ጸሎት ክግበር ጻውዒት ኣቕሪቦምን ዕለት 30 መስከረም 2023 ዓ.ም. ሓደስቲ ካርዲናላት ክሰምዩ ምዃኖም ብወግዒ ንኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ከምዘበሰሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ነቲ ኣብ ቅድስቲ መሬት ዝርአ ዘሎ ዘሕዝን ፍጻሜታት ነቒፎም፥ ኣብ መንጎ እስራኤላውያንን ፍልስጥኤማውያንን ሰላምን ዕርቅን ክወርድ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥

ኣብ ቅድስቲ መሬት ደም ከምዝፈሰሰ ዘሕዝን ሓበሬታ ሰሚዔ፡ መራሕቲ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ነቲ ዝተሓላለኸ ዓመጽ ንዕርቅን ሰላምን ክፉት ብዝኾነ መገዲ ቀጥታዊ ዝተ ክኣልይዎ መታን ዳግማይ ዘተ ክጅምሩ ተስፋ እገብር!

ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ዕለት 9 ሓምለ መዓልቲ ማያት ባሕሪ ዝዝከረሉ ዕለት እውን ምዃኑ ብምዝኽኻር ነቶም ኣብ መራኽብ ኣብ ወደባትን ኣብ ኢንዳስትሪ ባሕርን ዝሰርሑ ቅርበቶምን ፍቕሮምን ገሊጾም፥ ብፍላይ ነቶም ብዝተፈላለየ ጸገም ተደሪኾም ገዛእ ርእሶም ንኸድሕኑ ዝስደዱ ንምድሓን ኣብ ማእከላይ ማሕሪ ከይተሓለሉ ዝሰርሑ ምስጋናኦም ከም ዘቕረቡ ኣፍሊጡ።

ኣብ ስቓይ ዘላ ዩክሬይን

ቅዱስነቶ ኣስዒቦም ምእንቲ ህዝቢ ዩክሬይን ክጽለይ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ ነቶም ካብ ዩክሬይን ዝመጹ ኣዋልድ ስካውትን ተመሃሮ መንበረ ጥበብ ሊዮፖልን ብፍሉይ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም “ስለ እቲ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ዩክሬይን ንጸሊ” ቢሎም፥ “ቡራኬይ እህበኩም ነቶም ንኸቢድ ፈተነ ዝተቓልዑ ፍቑራትኩምን ህዝብኹምን እውን ቡራኬይ አመሓላልፍ። . . . ኣብዚ ብርቱዕ ሃሩር ኣብ ዝረኣየላ ዕለት ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ብዙሓት ምእመናንን ኣብ ፖላንድ ቸስቶኮቫ ቅዱስ ስፍራ ያስና ጎራ ንዝነግዱን ኩሎም እውን ሰላምታኦም ከም ዘመሓላለፉን፥

ጉባኤ ካርዲናላት ሓደስቲ ካርዲናላት ንምፍጣር

ኣብ መወዳእታ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዕለት 30 ሓደስቲ ካርዲናላት ንምፍጣር ጉባኤ ካርዲናላት ከም ዝጸውዑ ሓቢሮም፥ እቶም ካርዲናል ዝሰምዩም ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ከምዝኾኑን፥ ካብዚኣቶም ናይ ሰረተ እምነት ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ሊቀ ጳጳሳት ቪክቶር ማኑኤል ፈርናንደዝ፥ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ሊቀ ጳጳሳት ሮበርት ፍርንሲስ ፕሮቮስት ከምኡ እውን ናይ ምብራቕ ስርዓት ናይ ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ሊቀ ጳጳሳት ክላውዲዮ ጉጆሮቲን ናይ ሆንግኮንግ ጳጳስ ስተፈን ክሪው ሳው ያን፡ ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ሊቀ ጳጳሳት ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ከምኡ እውን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ክሪስቶፍ ፒየር ምዃኖም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

10 July 2023, 14:54